ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ስእልታት ስነስርዓት ሓዘንን ትእምርትታቱን

ካብ 2013 ኣትሒዞም መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ብሰኑይ 21 ሚያዝያ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ዝከርብ 'ካዛ ሳንታ ማርታ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንበሪ ገዝኦም ከምዝዓረፉ ይፍለጥ።

ኣቡነ ኣፍራንሲስ፡ ኣብ ክፍላ ለካቲት ብሰንኪ ዝሓደሮም ሕማም 'ድርብ ኒሞንያ' ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዎም ድሕሪ ሓደ ወርሒ'ዮም ናብ ገዝኦም ተመሊሶም።

እቶም እንተወሓደ ንሰለስተ ወርሒ ናብ ጥዕንኦም ከተኩሩ ብሓካይሞም ምኽሪ ዝተዋህቦም መንፈሳዊ መራሒ፡ ቀልጢፎም'ዮም ኣጋይሽ ክቕበሉን ሰዓብቶም ክባርኹን ተራእዮም።

ኣብ ሰናብቲ መዓልቲ ሆሳእናን ትንሳኤን ኣብ ዓረቢያ ኮፍ ኢሎም ኣብ መስኮት ቅዱስ ጴጥሮስ ካቴድራል ተቐልቂሎም ባርኾት ምሃቦም'ውን ንሰዓብቶምን ዓለምን ይሓውዩ ከምዘለዉ ተስፋ ዝሃበ ህሞታት'ዩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እቶም ብምቕልልነቶምን ትሕትንኦም ዝፍለጡ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣብ ጽባሕ ኣውድኣመት'ዮም ፋሲካ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ዓሪፎም።

ሞቶም ድማ ንኣቓልቦ መላእ ዓለም፡ ዝያዳ ድማ ንቤተክርስትያኖም ዝሰሓበ ዓቢ ፍጻመ ኮይኑ ይርከብ።

ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ክሳተፍሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ስነስርዓት ቀብሮም ቀዳም 26 ሚያዝያ፡ ልክዕ ሰዓት 10 ቅድሚ ቀትሪ (ብኣቆጻጽራ ሮማ) ክፍጸም ምዃኑ ቫቲካን ኣፍሊጡ'ሎ።

ክሳብ ሽዑ ኣብ ዘሎ ሰዓታትን መዓልታትን ሓዘን፡ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊን ፕሮቶኮላዊን መስርሓትን መደባትን ይካየዱ ኣለዉ። ንገለ ካብኦም ብስእሊ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፥