ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ ስእልታት ስነስርዓት ሓዘንን ትእምርትታቱን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንባብ: 3 ደቓይቕ
ካብ 2013 ኣትሒዞም መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ብሰኑይ 21 ሚያዝያ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ኣብቲ ኣብ ቫቲካን ዝከርብ 'ካዛ ሳንታ ማርታ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንበሪ ገዝኦም ከምዝዓረፉ ይፍለጥ።
ኣቡነ ኣፍራንሲስ፡ ኣብ ክፍላ ለካቲት ብሰንኪ ዝሓደሮም ሕማም 'ድርብ ኒሞንያ' ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዎም ድሕሪ ሓደ ወርሒ'ዮም ናብ ገዝኦም ተመሊሶም።
እቶም እንተወሓደ ንሰለስተ ወርሒ ናብ ጥዕንኦም ከተኩሩ ብሓካይሞም ምኽሪ ዝተዋህቦም መንፈሳዊ መራሒ፡ ቀልጢፎም'ዮም ኣጋይሽ ክቕበሉን ሰዓብቶም ክባርኹን ተራእዮም።
ኣብ ሰናብቲ መዓልቲ ሆሳእናን ትንሳኤን ኣብ ዓረቢያ ኮፍ ኢሎም ኣብ መስኮት ቅዱስ ጴጥሮስ ካቴድራል ተቐልቂሎም ባርኾት ምሃቦም'ውን ንሰዓብቶምን ዓለምን ይሓውዩ ከምዘለዉ ተስፋ ዝሃበ ህሞታት'ዩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ እቶም ብምቕልልነቶምን ትሕትንኦም ዝፍለጡ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣብ ጽባሕ ኣውድኣመት'ዮም ፋሲካ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ዓሪፎም።
ሞቶም ድማ ንኣቓልቦ መላእ ዓለም፡ ዝያዳ ድማ ንቤተክርስትያኖም ዝሰሓበ ዓቢ ፍጻመ ኮይኑ ይርከብ።
ብዙሓት መራሕቲ ዓለም ክሳተፍሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ስነስርዓት ቀብሮም ቀዳም 26 ሚያዝያ፡ ልክዕ ሰዓት 10 ቅድሚ ቀትሪ (ብኣቆጻጽራ ሮማ) ክፍጸም ምዃኑ ቫቲካን ኣፍሊጡ'ሎ።
ክሳብ ሽዑ ኣብ ዘሎ ሰዓታትን መዓልታትን ሓዘን፡ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊን ፕሮቶኮላዊን መስርሓትን መደባትን ይካየዱ ኣለዉ። ንገለ ካብኦም ብስእሊ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፥

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ክፉት ሳንዱቕ ዝኣተወ ሬሳ ኣቡነ ፍራንሲስ ምሉእ ናይ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ጻዕዳ ቀምሽ ኣብ ልዕሊኡ ቀይሕ ልብሲ ተኸዲኑ፡ ኣብ ኣጻብዕቶም ድማ ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ምትእስሳር ዘለዎ ምቕሉል ናይ ብሩር 'ቀለቤት ገፋፊ ዓሳ' ተገይርሉ ይርአ። እቲ ቀለቤት ዘይውረስን ዘይዕቀብን ስለዝኾነ ድሕሪ ሞት ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ክዓኑ ኣለዎ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, ዘይከምቲ ንካልኦት ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ዝግበረሎም ብፍሉይ ዕንጨይቲን ቅርጽን ዝስራሕ ሳንዱቕ ሬሳ፡ ኣቡነ ፍራንሲስ ብተራ ዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ሳንዱቕ ክዳለወሎም'ዮም ኣቐዲሞም ኣዚዞም
ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/Shutterstock
መግለጺ ስእሊ, ሬሳ ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ብካርዲናላት ጸሎተ-ፍትሓት እናተገብረሎም
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ሬሳ ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ብረቡዕ ንጉሆ ካብቲ ዝዓረፍሉ መንበሪ ገዝኦም (ካዛ ማርታ) ብካርዲናላት፡ ሓለዋን ኣመንትን ተዓጂቡ ናብ ካቴድራል ቅዱስ ጴጥሮስ ተወሲዱ
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ሬሳ ኣቡነ ፍራንሲሲ ናብ ውሽጢ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ምስኣተወ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝተኣከቡ ካርዲናላት እታ ቤተክርስትያን ጸሎተ-ፍትሓት ብምብጻሕ ንመራሒኦም ብወግዒ ተፋንዮም
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ንሬሳ መንፈሳዊ መራሒኡ ንምዕጃብ ዝተኣከበ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ውሒዙ። ክሳብ ስነስርዓት ቀብሪ ዝፍጸም ኣብ ዘሎ መዓልታት ርእሰከተማ ሮማ፡ ብፍላይ ድማ ቫቲካን፡ በቶም ኣጋይሽ ዝርከብዎም ኣማኢት ኣሽሓት በጻሕቲ ከተዕለቕልቕ ትጽቢት ይግበረላ።
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ህዝቢ ናብ ውሽጢ ካቴድራል ቅዱስ ጴጥሮስ ብምእታው ንሬሳ ኣቡነ ፍራንሲስ ንመወዳእታ ግዜ ዝፋነወሉ መዓልቲ ተኸፊቱ'ሎ። ሬሳ ናይቶም መንፈሳዊ መራሒ ንሰለስተ መዓልታት ኣብቲ ቤተክርስትያን ክጸንሕ'ዩ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ ሞት ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሓላፍነት ቫቲካን ተሰኪሞም ዘለዉ ኣመሪካዊ-ኣየርላንዳዊ ካርዲናል ከቪን ፋረል፡ ንቀለቤት ኣቡነ ፍራንሲስ ብምዕናው፡ ክሳብ ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ዝምረጽ መንበሪ ገዝኦም ምዕሻግ፡ ከምኡ'ውን ጉባኤ ካርዲናላትን ምክያድን መዝነት ዘለዎም እዮም።
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ሓንቲ ካብቶም ብሞት ኣቡነ ፍራንሲስ ዝተሰምዖም ሓዘን ንምግላጽ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመጹ ሓዘንተኛታት ዝኾነት ድንግል ንብዓታ ትጸርግ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መግለጺ ስእሊ, ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንኣመንቲ መልእኽቲ በዓል ትንሳኤ ከሕልፉ ንመወዳእታ ግዜ ንህዝቢ ተራእዮም ነይሮም