እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ብመግረፍቲ ቆሲለ ክጨኑ ጀሚረ’ - ስደተኛ ስዑዲ ዓረብ
ሚርያም ንዳይሺሚ ድኽነት ዝመልኦ ህይወታ ክትቅየር ናብ ስዑዲ ዓረብ ተሰዲዳ፤ ጕዕዞኣ ግን ናብ ሕሰምን ዘይሃስስ በሰላን ተቐይሩ።
ኣብታ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዀነት ብሩንዲ ከቢድ ጸገም ሽቕለት ኣልቦነት ኣሎ። ማእከላይ ደሞዝ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትሕቲ 100 ዶላር እዩ።
ሚርያም ኣብ ሃገራ ዝዀነ ስራሕ ኣይነበራን፤ “ናብ ስዑዲ ዓረብ ምኻድ ንዓይ ዓቢ ሕልሚ እዩ ነይሩ ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ናብ ስዑዲ ዓረብ እንተኸይዱ ጽቡቕ ደሞዝ ይኽፈል ዝብል ዜና ሰሚዐ ስለ ዝነበርኩ፡ እንተኸይደ ህይወተይ ናብ ዝሓሸ ከም ዝቕየር ኣሚነ ነይረ” ትብል።
ኣብ 2018 ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ዝልእኽ ትካል ተራኺባ።
ካብ ብሩንዲ ናብ ኬንያ ከይዳ። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ወናኒት ኤጀንሲ ተቐቢላ ናብ ገዝኣ ወሲዳታ። ኣብኡ ድማ ምስ ካብ ሃገራት፡ ዩጋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ብሩንዲ፡ ሩዋንዳን ኬንያን ዝመጻ ካልኦት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ተራኺባ።
ኵለን ናይ ገዛ ስራሕ ክሰርሓ ናብ ሃገራት ዓረብ ዝለኣኻ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ብዙሓት ካብኣተን ኣብ ሃገራት ዓረብ ብፍላይ ድማ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ስራሕ ረኺበን ካብ ድኽነት ክወጻ ትጽቢት ይገብራ።
“ኵላትና ኣብ ገዛኣ ኢና ንነብር ነይርና ... ምብላዕ ጸገም እዩ ነይሩ፡ ህይወት ከቢድ እዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ንሳ እያ ትከናኸነና።”
“ንነዊሕ እዋን ኣብ ገዛ እታ ሰበይቲ ምንባር ብዙሕ ኣሕሲቡኒ፤ ብሓቂ ድማ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክበጽሕ ድየ ወይስ እዚ መወዳእታ ናይ ህይወት ጕዕዞይ እዩ?"
ተዛረብቲ ቋንቋ ስዋሂሊ፡ ‘መጀመርታ ዘለዎ ኵሉ መወዳእታ ኣለዎ’ ይብሉ። ኣብ መወዳእታ ሚርያም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣስራሒ ረኺባ።
“ትኬት ነፋሪት ምስ ተዋህበኒ ኣዝየ ተሓጒሰ” ክትብል ሕልማ ከምዝተፈጸመ ምሕሳባ ትዛረብ።
ህይወት ኣብ ስዑዲ ዓረብ
ሚርያም ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ስራሕ ደልየን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣፍሪቃ ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ዝቕበል ወኪል ኩባንያ ተቐቢልዋ። ብድሕሪኡ ናብ ቀዳመይቲ ኣስራሒታ ተላኢኻ ከም ሰራሕተኛ ገዛ ኰይና ክትሰርሕ ጀሚራ።
“ብኡንብኡ ኣስራሒተይ፡ ፓስፖርተይን ተሌፎነይን ወሲዳቶ፤ እዚ ገሪሙኒ'ኳ እንተነበረ ግን ለዋህ እየ ነይረ” ትብል፤ ደሞዝ ክሳብ ዝተኸፈላ ካልኦት ነገራት ብዙሕ ከይተገደሰት ተቐቢላቶ።
ሚርያም ጽቡቕ ክትሰርሕ ጀሚራ።
እንተዀነ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ፡ እታ ኣስራሒታ ብተደጋጋሚ ክትገንሓን ክትቋየቛን ከምዝጀመረት ትዛረብ።
“ብተደጋጋሚ ክትጭድርን ብዘይ ምኽንያት ክትጸርፈኒን ጀሚራ። ... ልዑል ፍርሒ ስለዝተሰመዓኒ ስቕ ክብል ፈቲነ” ክትብል ትዝክር።
ሚርያም፡ ድሕሪ ቅሩብ ኣዋርሕ ካብታ ቀዳመይቲ ኣስራሒታ ወጺኣ ካልእ ስራሕ ክትደሊ ወሲና።
ኣስራሒታ ፓስፖርታን ተሌፎናን ስለዝመለሰትላ፡ ብነጻነት ክትወጽእ ጀሚራ።
ካልኣይ ስራሕ
ሚርያም ካልእ ስራሕ ረኺባ፡ ሽዑ’ውን ጓል ኣንስተይቲ ኣስራሒት’ያ ነይራ።
ገዛ ምስ በጽሐት ብኡ ንብኡ ፓስፖርታን ተሌፎናን ወሲዳቶ።
“ከምታ ናይ መጀመርታ ኣስራሒተይ ዝነበረት ፓስፖርተይን ተሌፎንን ወሲዳቶ። ክጭነቕ ከምዘይብለይ፡ እዚ ኣብ ኵሎም ሰራሕተኛታት ገዛ ዝፍጸም ኣገባብ ከምዝዀነን ደሓር ከምትመልሰለይን ነጊራትኒ” ክትብል ተዘክሮታታ ትገልጽ።
ሚርያም፡ ዝተሓተተቶ ክትፍጽም ተሰማሚዓ። “ካብቲ ጸርፍን በብእዋኑ ምጭዳርን ከም ዝተገላገለኩ ምሉእ ተስፋ ነይሩኒ” ትብል።
መዓልታት እናሓለፈ ምስ ከደ ግን ነገራት ከምኡ ከምዘይኮነ ተረዲኣ።
“ኣብታ ቀዳመይቲ ወርሒ ሰሪሐ፡ ደሞዝ ኣይተኸፈለንን፣ ኣስራሒተይ ደንጒያ’ያ ትኸውን፡ ደሓር ክትከፍለኒ እያ ኢለ፡ ስርሐይ ቀጺለ። ኣብ ካልኣይ ወርሒ’ውን ኣይተኸፈለንን፤ ሽዑ ከጨንቐኒ ጀሚሩ።”
ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ ግን ንኣስራሒታ ናይ ሰለስተ ወርሒ ደሞዝ ክትከፍላ ሓቲታ። ሚርያም ጸገማታ ሽዑ ከምዝጀመረ ትዛረብ።
“ደሞዘይ ምስ ሓተትክዋ፡ እቲ ኵነታት ክኸብድ ጀሚሩ” ክትብል ኣስራሒታ ዝያዳ ቍጥዕቲን ጨካንን ክትከውን ከምዝጀመረት ትሕብር።
“ክትወቕዓኒ ጀሚራ፡ መግቢ ድማ ከሊኣትኒ” ክትብል ትውስኽ። ደሞዝ ኣብ ትሓተሉ እዋን ኣብ ልዕሊዓ ከም ድስቲ፡ ጻሕልን ዝኣመሰሉ ኣቍሑ ገዛ ደርብያ ትወቕዓ ከምዝነበረት ትዝክር።
“መዓልታዊ ይቕጥቀጥ ነይረ፣ ክቘስል ጀሚሩ። ቍስለይ በስቢሱ ክጨኑ ኣብ ዝጀመረሉ ኵነታት በጺሐ፡” ትብል።
ሚርያም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ካልእ ሰብ ኣይትፈልጥን። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኤምባሲ ብሩንዲ እውን ኣብታ ሃገር ምህላዋ ኣይፈልጥን፤ ምኽንያቱ ንሳ ብናይ ገዛእ ርእሳ መገዲ እያ ናብታ ሃገር ኣትያ። ስለዚ ንጸገማ ዘረድኣ ሰብ ኣይነበራን።
ካብ መዓልታዊ መውቃዕቲ ሓሊፉ፡ መግቢ ስለዝተኸልከለት ድማ ጸገማ ተጋዲዱ። ኣብ እንዳ ጐሓፍ ተበላሽዩ ዝተደርበየ መግቢ ክትደሊ ከምዝተገደደት እናነብዐት ትዛረብ።
ንሰለስተ ወርሒ ዝሰርሓትሉ ደሞዛ ከይተኸፈላ ክትወጽእ ስለዘይደለየት፡ “ምንባር ክቕጽል ተቓሊሰ” ትብል።
ሚርያም፡ እቲ ኵነታት እናኸበዳ ከይዱ። እቲ መውቃዕቲ’ውን ቀጺሊ። “ኣስራሒተይ ኣዝያ ስለ ትወቕዓኒ. . .እንተላይ ብኣቝሑ፡ ኣካላተይ ቈሲሉ፡ ብፍላይ ሕቘይ። ሓደ ግዜ ድማ ብሓጺን ኣብ እዝነይ ወቒዓትኒ። ኣመና ተጐዲአ...ብዙሕ ደም ካብ እዝነይ ፈሲሱ። ብሰንኪ መግረፍትን ሕጽረት መግብን ከብደይ ክሓብጥ ጀሚሩ...” ብምባል እቲ ዝነበረ ኵነታት ትገልጽ።
እቲ ብሰነኪ ኣቝሳል ዝተፈጥረ ሕማቕ ጨና ምስ ጸንከረ፡ ሚርያም ንኻልእ ዝገደደ ጸገም ተቓሊዓ።
“ኣስራሒተይ ወሲዳ ኣብ ዘይፈልጦ ቦታ ኣብ ጽርግያ ደርብያትኒ” ትብል።
ብድሕሪኡ ኣዝያ ተጨኒቓ።
ኣብ ቤት መግቢን ሆቴላትን ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት መግቢ ትልምን ከምዝነበረት ትገልጽ። ገሊኦም ይድንግጹላን መግቢ ይህብዋን፤ ገሊኦም ግን ጸሪፎም ይሰጒዋ ነይሮም። መግቢ ከይረኸበት ምስ እትተርፍ ድማ ናብ እንዳ ጓሓፍ ከይዳ ዝተጓሕፈ ምግቢ ትበልዕ ከምዝነበረት ትሕብር።
መጀመርያ ለይቲ ለይቲ ትፈርሕ'ኳ እንተነበረት፡ ደሓር ግን እናለመደቶ ከይዳ።
“እተን ደማሙ ለሚደናኒ፡ ኣነ’ውን ለሚደየን እየ” ትብል ሚርያም።
‘ዝሓገዘኒ ሰብኣይ ፈጺመ ኣይርስዖን’
ሓደ መዓልቲ ከምቲ ልሙድ ሚርያም ኣብቲ ደቂሳትሉ ዝነበረት ጐደና ተበራቢራ ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከብ ቤት መግቢ፡ መግቢ ክትሓትት ከይዳ።
ኣዝያ ጠምያ ከምዝነበረት፡ እንተዀነ ኣብቲ ቤት መግቢ ዝነበሩ ሰራሕተኛታትን ዓማዊልን ኣዝያ ረሳሕ ስለ ዝነበረት ከም ዝሰጐግዋ ትገልጽ።
ገሊኦም “ውጺ! ክትጨኑ!” ኢሎምዋ።
ሓደ ሰብኣይ ግን ደንጊጹላ፡ ክንደይ ከምዝጠመየት ኣይትርእዩን ዲኹም ክብል ከምዝወቐሶም ትሕብር።
“እንታይ ትደልዪ? ኢሉኒ፡ ኣነ ድማ መግቢ ኢለዮ፤ ...ዝደለኹዎ መግቢ ክህቡኒ ነጊርዎም፡ ኣነ’ውን በሊዐ ጸጊበ። ከምዚ ሰብኣይ ዝኣመሰሉ ለዋሃት ዓረብ ኣለዉ ድዮም ኢለ ንነብሰይ ሓቲተያ” ትብል።
ብድሕሪኡ እቲ ሰብኣይ ምስ ሚርያም ኮፍ ኢሉ፤ ምስ ስድራኡ ክትነብር ናብ ገዛኡ ክወስዳ ድሉው ምዃኑ ነጊርዋ። ሚርያም ናብ ኤምባሲ ብሩንዲ ንኽውስዳ ሓቲታቶ። ይዅን እምበር ንዝተወሰነ እዋን ምስኡ እንተጸንሐት ከምዝሓይሽ ኣጽኒዑ ነጊርዋ።
ሚርያም ስድራቤት እቲ ሰብኣይ “ብጣዕሚ ብጽቡቕ” ተቐቢሎምዋ። “ዋላ'ኳ ሕማቕ ጨና እንተነበረኒ፡ ኣየግለሉንን፡ ብዙሕ ፍቕሪ ኣርእዮምኒ፡ ከም ሰብ ክስምዓኒ ጀሚሩ... ስብእና ዘለዎም ኣዕራብ ኣለዉ ኢለ። ነቲ ሰብኣይ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ።”
“ኣብታ ስድራ ከለኹ፡ ሓደ መዓልቲ ሕቘይ ብመስትያት ጠሚተ፡ ገለ ቁስለይ ይደሚ ከምዝነበረ ምስረኣኹ በኽየ። ጓል እቲ ሰብኣይ እውን ጨዲራ፡ ንኣቦኣ ናብ ሆስፒታል ክወስደኒ ሓቲታቶ” ብምባል ብድሕሪኡ መድሃኒት ክትረክብ ከምዝኸኣለት ትገልጽ።
ኣብ መወዳእታ፡ ሚርያም ኣብ ጉግል ደለያ ምስ ኤምባሲ ብሩንዲ ተራኺባ፡ ልባ “ህድእ" ኢሉ።
“ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘጋጠመኒ ጸገማት ንሓለፍቲ እቲ ኤምባሲ ገሊጸሎም። እቲ ኤምባሲ ድማ ሕክምና ንኽረክብ ሓጊዙኒ።”
ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ሕክምና ተዋሂብዋ። ብድሕሪኡ ናብ ብሩንዲ ክትምለስ ከምእትኽእል ተነጊርዋ፣ ናብ ሃገራ ተመሊሳ። መንግስቲ ብሩንዲ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዝርከብ ኤምባሲኡ ኣቢሉ ንዝገበረላ ኵሉ ሓገዝ ድማ “ብውልቀይ አመስግኖ” ትብል።
ሚርያም ሓንቲ ካብተን ስራሕ ገዛ ክሰርሓ ናብ ሃገራት ዓረብ ዝስደዳ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እያ።
እንተዀነ ገለ ካብዘን ደቂ ኣንስትዮ ንዝተፈላለዩ ግፍዒታት ከምዝቃልዓ ይፍለጥ። ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ፡ ደሞዝ ምኽልካልን ኣካላዊ መጥቃዕቲን ዝወርደን ደቂ ኣንስትዮ ሒደት ኣይኰናን። ብተወሳኺ ድማ ብዙሓት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስለዝኸዳ ዝዀነ ደገፍ ንምርካብ ይጽገማ እየን። ኣስራሕተን ተሌፎንን ፓስፖርትን ስለዝምንጥልወን ምስ ኣዝማደን ከይተረፈ ንምርኻብ ተጸጊመን ከምዝሳቐያ ይፍለጥ።
ብሰንኪ እዚ፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገራት ዓረብ ዝኸዳሉ ኵነታት ኣመቻችየን እየን።
ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሩንዲ ወይዘሮ ኢነስ ሶንያ ኒዩባህዌ፡ መንግስቲ ብሩንዲ ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ብምትሕብባር፡ ሰራሕተኛታት ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ዝረኽባሉ ኵነታት ከምዘመቻችአ ንቢቢሲ ገሊጻ።
“እቲ ጸገም ከም በዓል ሚርያም ዝኣመሰላ ብዙሓት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስለዝኸዳ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣተዋ ህይወተን ክትከታተል ኣጸጋሚ ይኸውን” ኢላ።
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንከይስደዳ፡ ምስ ኣስራሕቲ ቀጻሊ ክትትል ንኽግበረለን፡ መሰላተን ክረጋገጸለን ዝሰርሕ ዓለማዊ ትካል ምምኻር ከምዘሎን፡ ምስዚ ኩባንያ ብምትሕብባር እቶም ጸገማት ንምፍታሕን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ውሑስነተን ንምርግጋጽን ይሰርሑ ከምዘለዉ ትገልጽ።
'ዘሕለፍክዎ ግፍዒ ክርስዖ ኣይክእልን’
ሚርያም፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጽንኩር ኵነታት ህይወትን ሽቕለት ኣልቦነትን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኸዳ ከምዝድርኸን ትዛረብ።
ሕጂ ግን መንግስቲ ብሩንዲ ናይ ምክትታል ስትራተጂ ስለዘቐመጠ፡ እቲ ኵነታት መፍትሒ ክረክብ ተስፋ ከምዘለዋ ትሕብር።
እሞ መንግስቲ መሰል ሰራሕተኛታት ዝረጋገጸሉ ስርዓት እንተኣቐሚጡ ሚርያም ናብ ስዑዲ ዓረብ ተመሊሳ ክትከይድ ድያ?
ሚርያም፡ ንዅሉ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኸይድ ዝደሊ ሰብ ኣይትኺድ ክትብሎ ከምዘይክኣል ትዛረብ። ጽቡቕ ኵነታት ከጋጥሞም ዝኽእሉ ሰባት ይህልዉ እዮም።
ንባዕላ እንተዀነ “ኣይፋልን” ትብል።
“ኣብ ስዑዲ ዓረብ ካብ ዘጋጠመኒ ስቅያት በሰላ ኣትሪፈ እየ። ሕጂ'ውን ይሓዊ ስለዘለኹ የመስግን። እቲ በሰላ መዓልታዊ ስለ ዝረኣየኒ ዘሕለፍክዎ ግፍዒ ፈጺመ ኣይርስዖን!” ብምባል ፈጺማ ተመሊሳ ክትከይድ ከምዘይትሓስብ ኣስሚራ።