መንግስቲ ኤርትራ ስለምንታይ እዩ መራሕቲ ሃይማኖት ዝኣስር?

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣቡነ ፍቕረማርያም ዝርከብዎም ካህናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ምእሳሩ፡ ኣብ ምእመናን ውሽጥን ግዳምን ሓያል ቍጠዐን ስንባደን ፈጢሩ’ሎ።

እንተዀነ፡ እቲ መንግስቲ መራሕቲ ሃይማኖት ክኣስር ሕጂ መጀመርታኡ ኣይኰነን። ኣብ ግንቦት 1991 ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኣመንትን መራሕትን ቀይዱ፤ ንፓትርያርክ ኣርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኣቡነ እንጦንዮስ እውን ን16 ዓመታት ኣሲሩዎም ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ማሕዩር ዓሪፎም።

ስለምንታይ እዩ ግን መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሃይማኖታዊ ትካላትን መራሕተንን ኣብ ቀጻሊ ግጭት ዝርከብ? ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ቢቢሲ፡ ንዶ/ር ጋይም ክብረኣብ፡ ኣቶ ደስበለ መሓሪ፡ ክፍለዮሃንስ ተወልደብርሃን (ጐርደን) ንዮሃንስ ፈርዲናንድ ድራር ኣዘራሪቡ ኣሎ።

ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን ዝነበረ ኣተሓሕዛ ሃይማኖታዊ ትካላት

እዚ ሕጂ ግዝያዊ መንግስቲ መስሪቱ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት፡ ኣብቲ ን30 ዓመታት ዘካየዶ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ “ሃይማኖት ናይ ደቂ ሰባት ዕጸ ፋርስ እዩ” ብዝብል ናይ ጀርመናዊ ፈላስፋን ክኢላ ስነቝጠባን ካርል ማርክስ ኣተሓሳስባ ይምራሕ ስለዝነበረ ናይ እምነታት ናጻነት ክህልዎ ትጽቢት ዝግበር ኣይነበረን፡ ይብል ምስቲ ውድብ ንነዊሕ ዓመታት ዝተጓዕዘ ኣቶ ደስበለ መሓሪ።

ኣኽባር ሕግን ላዕለዋይ ዳኛን ነበር ክፍለዮሃንስ (ጎርደን) ብወገኑ፡ እቲ ስርዓት፡ ኣብ ርእሲ እቲ ጸጋማዊ ኣተሓሳስባኡ፡ንሱ ዘይቈጻጸሮን ዘይእዝዞን ዝዀነ ይዅን ሃይማኖታውን ሲቪካውን ማሕበራት ክህሉ ስለዘየፍቅድ እቲ ካልኣይ ምኽንያት መሰሓሓቢ ከምዝዀነ ይኣምን።

“ገና ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ እንከሎ እውን ንሃይማኖታዊ ትካላት ኣኽብሮት ኣይነበሮን። ድሕሪ ናጻነት'ውን ዋላ'ኳ ብእውጅ ኣይዅን ነቲ መንፈስ እቲ እዩ ቀጺልዎ። ስለዝዀነ፡ ንባህርን ጠባይን እቲ ስርዓት ዝፈልጥ ወገን ምስ ትካላት ሃይማኖት ክጋጮ ምርኣይ ብዙሕ ዘገርም ኣይኰነን” ይብል ንእምነትን ኣካይዳን እተን ሰውራዊ ቃልሲ ዘካይዳ ዝነበራ ጸጋማውያን ምንቅስቓሳት ብምዝካር።

እቲ ስርዓት ዋላ’ኳ ንኣርባዕተ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን፡ ንሱኒ እስላም፡ ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምኡ'ውን ንወንጌላዊት ቤተክርስትያን ብወግዒ ክነጥፋ እንተፍቀደ፡ ኣብ ግንቦት 1991 ስልጣን ምስ ሓዘ፡“ሃይማኖታዊ ጉዳያት” እተሰምየ ብሃገራዊ ድሕነት ዝእለን ዝእዘዝን ትካል ኣቚሙ ብቐረባ ክከታተለን ጸኒሑ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስደት ዝነበሩን ዓለማውን ሃይማኖታውን ቀለም ዝጸገቡ ተመሃራይ ኬምብሪጅ ዝነበሩ፡ ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ቀረባ ፍልጠትን ርክብን ዝነበሮም ሓደ ካብ ጳጳሳት ኣርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኰይኖም ዘገልገሉ ኣቡነ መንቀርዮስ “መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ከተኣታቱ ኣይግባእን እዩ” ብምባል ምስ መንግስቲ ተጋጭዮም።

ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ስደት ምስ ዓበይቲ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን እናተራኸቡ ንመሰል ርእሰ ውሳነ ዝምጕትን ክሳብ ንሜዳ ኣትዮም፡ ኣብ ድፍዓት ሳሕል ንዝዓረዱ ሰራዊት ሓርነት፡ ኣባታዊ ምኽርን ማዕዳን ዝሃቡ ኣቡነ መንቀርዮስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ህዝባዊ መጋባእያ፡ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ንዝገብሮ ዝነበረ ምትእትታው ምስተቓወሙ ካብ ሃገር ከምዝተሰጉ ንቢቢሲ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር።

ክሳብ ለይቲ ሎሚ ከኣ፡ኣብ ኵሉ እቲ ዝህብዎ ጸሎትን ኣባታዊ ምኽርን “እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!” እናበሉ ምእንቲ ኵሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ዝርከቡ ግዳያት ምእመናንን ካህናትን መሻይኽን ኵሉ ሃይማኖታት ይጽልዩን ኵሎም ናይ ሕልናን እምነትን እሱራት ክፍትሑን ይምሕጸኑን ኣለው።

ማእሰርቲ መራሕቲ ሃይማኖት

መንግስቲ ኤርትራ፡ፈለማ ንኣመንቲ ጅሆቫ ኣብ ረፈረንዱም ዘየድመጽኩም ብምባል ኣብያተ ንግዶም ዓጽዩ፡ መሰላቶም ነፊጉ ኣሳዲዱዎም።

ጸኒሑ ንመማህራን ማሓድ እስላም ብጥሩፍነት ከሲሱ ሰዊርዎም፤ብድሕሪኡ ንኣመንቲ ጴንጠ ቆስጠ ኣብያተ ጸሎቶም ዓጽዩ ተኣኪቦም ከየምልኹ ኣጊዱዎም፤ከምልኹ ንዝረኸቦም ከኣ ንዘይተወሰነ ግዝያት ኣሲሩ ኣሳቕዩዎም፤ ካብኡ ንኣቡነ እንጦንዮስ-መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ከእቱ የብሉን ስለዝበሉ ን16 ዓመታት ክሳብ ዕለተ ሞቶም ኣሲርዎም።

ዳሕራይ እውን ኣብ ኣኽርያ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ ብመንግስቲ ንኸይትውረስ ንዝተቓወሙ እስታዝ ሓጅ ሙሳ ኣሲሩዎም ንቤቶም ከይተመልሱ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዓረፉ ይገልጽ ዶ/ር ጋይም ክብረኣብ።

“ሕጂ ኸኣ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ንዝርከብዎም ካህናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣሲርካ ምስዋር ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢይ ሓዘን እዩ” ይብል ነቲ ተግባር ብምቅዋም።

ኣብ ካናዳ ኦታዋ ዝምቕማጡ ክኢላ ስነኣእምሮ ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንድ፡ ከም ኣባ ኣጎስጢኖስ ተድላን ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንሱዋን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካህናት ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ንህዝቢ ብምጥባቘም ከቢድ ዋጋ ከምዝኸፈሉ ይገልጽ።

ኣባ ኣጎስጢኖስ ተድላ፡ ኣብ 1974 ምስ ዓበይቲ ዓድን ሽማግለታትን ኣስመራ ኰይኖም ብውግእ ሕድሕድ ንዝዳመዩ ዝነበሩ ንተሓኤን ህዝባዊ ሓይልታትን ክዓርቁ ናብ ወኪ ዛግር ተጓዒዞም ኣባታውን ሃይማኖታውን ምኽሮም ዝለገሱ እዮም።

ኣብ 1975 ስርዓት ደርግ ብወፍሪ ቀይሕ ሽብር መንእሰያት ብስልኪ ኣብ ዝሓንቀሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ቤተ ክርስትያኖም ንዘዕቈብዎም ኣማኢት ሰባት ከድሕኑ ንዓይ ቀቲልኩም ሕለፉ ብምባል ከምዝተኸላኸሉሎም ንተጋድሎኦም ዝገልጽ መጽሓፍ ይትርኽ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ምስ ሰውራ ኤርትራ ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ብስርዓት ደርግ ንሸሞንተ ዓመት ተኣሲሮም።

“ኣቡነ ኣብርሃ ፍራንሱዋ እውን ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ሰበስልጣን ስርዓት ሃይለስላሰ ንጃምላዊ ቅትለት ህዝቢ ዑናን በስጊደራን ኰኒኖም። ኣብ ሻድሻይ ወራር እውን ነቲ “ ላንዴና ለመጨረሻ” [ሓንሳእን ንሓዋሩን] ብዝብል ጭርሖ ንሰውራ ኤርትራ ክድምስስ ዝተበገሰ ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ “ንሓውኻ ንዓ ንተዓረቕ ኢኻ ትብሎ እምበር ከተጥፍኦ ኣይትህንደድን ኢኻ ኢሎም” ከምዝተቓወሙ ዝገልጽ ኣቶ ዮሃንስ፡ ቤተ ክርስትያን ወትሩ ኣብ ጐድኒ ውጹዕ ህዝቢ ደው ክትብል ከምዝግባእ ይገልጽ።

ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዳርጋ ሒደት ዓመታት ድሕሪ ናጻነት እዩ ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክጋጮ ጀሚሩ ዝብል ኣቶ ክፍለሓንስ ተስፋዮሃንስ፡ እታ ኣብ ኣስመራ እትሕተም ዝነበረት “ጋዜጣ ብርሃን” ነቲ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ከይተማኸረ ዝወስዶ ዝነበረ ስጕምትታት እትነቅፍ ስለዝነበረት ክሳብ ምእጋድ ከምዝበጽሐት ይዝክር።

መንግስቲ ኤርትራ ንዝቐርበሉ ክስታት መግሃስ ናጽነት ሃይማኖታት ብቐጻሊ ከምዝነጽጎን "ኤርትራ መሰል ናይ ሃይማኖታት እተኽብር" ምዃናን ይገልጽ።

“ልዕልናን ግዝኣተ ሕግን”

ኣብ ጽባሕ ጃምላዊ ህልቂት ላምፔዱሳ ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ብዝብል ኣርእስቲ ንምሕደራ መንግስትን ኤርትራ ብቓልዕ ዝነቅፍን፡ብስስዕቲ ስጋ ኣብ ህዝቢ ንዝማዕበለ ተርእዮን ዝግስጽ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ምስ ጸሓፉን ምስ ዘርግሑን እቲ ዝጸንሐ ሓርፋፍ ዝምድና መሊሱ ሻሕኪሩ።

እቶም ጳጳሳት ኣብቲ ንግዝኣተ ሕጊ ዝምልከት መልእኽቶም፡ ህዝቢ ኤርትራ “ልዕልናን ግዝኣተ ሕግን” ዝፈልጥ፤ ካብ ብብረትን ኵናትን ንላዕሊ ብሕግን ድግን ዝግዛእ ዝነበረ ስልጡን ህዝቢ፡ ሕጂ ግን ግዳይ ብልሽውና ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ “እቲ ብሕጊ ዝሕተትን ዝእሰርን ኵሉ፡ ብሰብኣዊ ኣገባብ ክተሓዝን፡ ጉዳዩ ብንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ተራእዩ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ኣብ መዕለቢኡ ክበጽሕን ይግባእ” ክብሉ 'ኡነተይና ሓርነት' ንኽረጋገጽ ሃገር ብቅዋማዊ ሕጊ ክትምራሕ ጸዊዖም።

እዛ ኣብ እዋና ዓባይ መዛረቢ ኣርእስቲ ዝነበረት ጽሕፍቲ፡ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ፡እቲ ዕርቀ ሰላም ሕድገትን ይቕሬታን ዝመልኦ ልባዊ ዕርቀ ሰላም ክኸውን ከምዝግባእ እትመክር ጽሕፍቲ ምስ ወጽአት፡ ዝምድና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን መንግስቲ ኤርትራን መሊሱ ከምዝኸሓነ ምናልባት'ውን ከም መልሰ ግብሪ መንግስቲ ኤርትራ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንዝመሓደራ ጥዕናዊ ትካላትን ኣብያተ ትምህርትን በብሓደ ክወርሰን ምጅማሩ ኣቶ ደስበለ ይገልጽ።

ብድሕሪኡ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ ኣብ ሰነ 2019 ኣብ ሰበኻኦም ንህዝበይ የፍቅር እየ ዝብል ስርዓት ኮነ ኣገልጋሊ ህዝቢ ትካል፡ንባዕሉ ብልዕልናን ግዝኣተ ሕግን ተቐይዱ ንህዝቡ ብሕግን ስርዓትን ንኽመላለስ ከስተምህር ብፍትሒ ከመሓድር ከምዝግባእ ብምጥቃስ፡ “ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ካብ ላዕለዎት ኣካላት ኢና ተላኢኽና ብምባል ህዝቢ ዝሕከመሉ ክሊኒካትን ቈልዑ ዝመሃርሉ ኣብያተ ትምህርትን ምውራሶም ኣገባብ ኣይኰነን” ብምባል፡ነቲ “ዝምልከቶ” ዝበሃል እቲ “ዝምልከቶ” እውን “ዝምልከቶ” ኣዚዙ እናተባህለ ዝግበር ስራሕ ፍታሕ ክናደየሉ ኣተሓሳሲቦም።

መንግስቲ ኤርትራ ንዝዀነ ይዅን ዓይነት ተቓውሞን ብደሆን ስለዘይጸውር፡ ብዝዀነ ኣካል ብጽሑፍ ይዅን ብተግባር ዝቐርበሉ ተቓውሞ ኵሉ ሳዕ ብሓይልን ቅልጽምን ከምዝጭፍልቘ ዝገልጽ ዶ/ር ጋይም ክብረኣብ መንግስቲ ኤርትራ ነታ ደገፍን ጸግዕን ቫቲካን ኣሎዋ ንዝብላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ኣብታ ሃገር ብወግዒ ክትሰርሕ ካብ ዝተፈቕደን ኣርባዕተ ሃይማኖታዊት ትካል ክነሳ ስርዓት ኢሳይያስ ከም ቀንዲ ተቐናቓኒት ስለዝርእያ እዩ ብቐጻሊ ክጠማመታ ጸኒሑ፣ ሕጂ ፈጺሙ ንምልማሳ ዝሰርሕ ዘሎ ይብል።

ድሕሪ ማእሰርቲ እዞም ኣርባዕተ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን እቲ ሃይማኖትን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነቲ ተግባር ብምዅናን መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ውሉደ ክህነት ብቕልጡፍ ክፈትሖምን ዝግባእ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ክሕልወሎም ብጽሑፍን ድምጽን መልእኽቱ የመሓላልፍ ኣሎ።

እቶም ኣቡን ክሳብ ሎሚ ኣበይ ተሸሪቦም ዝፈለጥ ሰብ የለን።