እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትራምፕ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ዝኽእል እንተኾይኑ ውሳነ ክህብ እዩ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንፕረዚደንትነት ‘ክወዳደር ይኽእል ድዩ ኣይኽእልን’ ንምውሳን ታሪኻዊ መጋባእያ ከምዝሰምዕ ኣፍሊጡ።
እቶም ዳያኑ ነቲ ትራምፕ ብክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ኣብታ ግዝኣት ኣብ ናይ 2024 መረጻ ከይሳተፍ ዝተወሰነ ውሳነ ተቓዊሙ ንዘቕረቦ ናይ ይግባይ ሕቶ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክርአ ተሰማሚዖም።
እቲ ናይ ይግባይ ሕቶ ኣብ ወርሒ ለካቲት ክርአ ቆጸራ ዝተትሓዘሉ ኮይኑ፡ እቲ ብይን ኣብ መላእ ሃገር ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
ኣብ ሓያሎ ግዝኣታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝቐረቡ ክስታት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ካፒቶል ኣሜሪካ ኣብ ዝነበረ ናዕቢ ከምዝተዋፈረ ብምምጓት እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብዚ ዓመት ኣብታ ሃገር ካብ ዝካየድ መረጻ ንኽእለ ይጽዕሩ ኣለዉ።
እቶም ሕጋዊ ብድሆታት፡ ኣብ ዘመነ ኲናት ሓድሕድ ዝተገብረ ምምሕያሽ ቅዋም፡ ትራምፕ ከም ሕጹይ ንኽቐውም ብቑዕ ይገብሮ ድዩ ኣይገብሮን ዝብል እዩ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንይግባይ ትራምፕ ክሰምዕ ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ ካብ 27 ግዝኣታት ዝተዋጽኡ ዋና ዓቃብቲ ሕጊ እቲ ቤት ፍርዲ ንውሳነ ኮሎራዶ ክነጽጎ ዝሓተትዎ ሓጺር መግለጺ ድሕሪ ምቕራቦም እዩ።
ኣብቲ ሓጺር መግለጺኦም ንትራምፕ ካብቲ መረጻ ምእላይ "ሰፊሕ ህውከት ክስዕብ'ዩ" ክብሉ ድማ ይምጉቱ።
መበል 14 ዝተመሓየሸ ቅዋም ኣሜሪካ "ኣብ ህውከት ወይ ናዕቢ ዝተዋፈረ" ሰብ ፌደራላዊ ስልጣን ከይሕዝ ዝእግድ እኳ እንተኾነ ጠበቓታት እቲ ፕረዚደንት ነበር ግን ንፕረዚደንት ከምዘይምልከት ይምጉቱ።
ጠበቓታቱ፡ "ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኮሎራዶ ካብ ሕገ መንግስታዊ ወጻእ ኣብ ኮሎራዶ ንዝርከቡ ሚልዮናት መረጽቲ መሰሎም ክስእኖም'ዩ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ዓሰርተታት ሚልዮናት መረጽቲ መሰሎም ንምግሃስ ከም ቅጥዒ ክውዕል ይኽእል'ዩ" ክብሉ ተማጒቶም ኣለዉ።
ትራምፕ ኣብ ሜይን ከይወዳደር ብሰበስልጣን መረጻ ንዝሓለፈ ውሳነ ተቓዊሙ’ውን ይግባይ ሓቲቱ’ሎ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብዓርቢ ዘውጽኦ መግለጺ ስዒቡ፡ ጸሓፊት ጉዳያት ኮሎራዶ ጀና ግሪስዎልድ፡ ኣብቲ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ መባእታዊ መረጻ ስም ትራምፕ ከምዘሎ ኣረጋጊጻ።
እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዝኣት ዝካየድ መባእታዊ መረጻ፡ ኣብቲ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝወዳደሩ ሕጹያት ንምፍላይ ዝሕግዝ እዩ።
ኣብ ኮሎራዶ ዝካየድ መባእታዊ መረጻ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ጉዳይ ትራምፕ ብይን ምስሃበ ቀልጢፉ ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ከምዝካየድ ተፈሊጡ።
ሚስ ግሪስዎልድ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ነቲ ጉዳይ ስለዝተቐበሎ ሽም ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ድምጺ መውሃቢ ወረቐት ክቐርብ'ዩ" ኢላ።
ትራምፕ ሕዳር ኣብ ዝካየድ መረጻ ንሪፓብሊካን ወኪሉ ምስ ወካሊ ዲሞክራትስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዳግማይ ክወዳደር ተኽእሎ’ሎ።
ኣብ ሚነሶታን ሚቺጋንን ዝርከባ ኣብያተ ፍርዲ፡ ትራምፕ ካብ ውድድር ንምውጻእ ዝተገብረ ፈተነታት ነጺገን። ኣብ ኦሪገን ድማ ኣብ ምጽራይ ይርከብ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ካብ ዓቃባዊ ዝበዝሐ ድምጺ ዘለዎ ኮይኑ እቶም ሰለስተ ደያኑ ትራምፕ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተመዘዙ እዮም።