ኪም ጆንግ ኡን ጓል 13 ዓመት ጓሉ ተካኢቱ ከም እትኸውን ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, KCNA via Reuters
መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ጓል 13 ዓመት ውላዱ ተካኢቱ (ወራሲቱ) ገይሩ ከም ዝመረፀ፡ ትካል ስለያ ደቡብ ኮሪያ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ከም ዝገለፆ፡ ኣብዚ ገምጋም ንምብፃሕ ኣብ ወግዓዊ ምድላዋት ምርካባን ብዙሓት ኵነታትን ኣብ ግምት ኣእትዩ'ዩ።
ኪም ጁ ኤ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ ፈላማይ ናይ ወፃኢ ሃገር መገሽኣ ምዃኑ ዝተገልጸ ምብጻሕ ናብ በይጂን፡ ከምኡ'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ኣብ ጐድኒ ኣቦኣ ኰይና ምርኣያን ግምት ዝተዋህቦ ጉዳያት ምዃኑ ይንገር።
እንተዀነ ብዛዕባኣ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን። እቲ ትካል፡ ኪም ጁ ኤ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ገዛኢ ውድብ ዴሳዊት ሰሜን ኮሪያ ክትርከብ ድያ ኣይክትርከብን ዝብል ንምፍላጥ ብቕርበት ከም ዝከታተል ገሊፁ።
እቲ ኣኼባ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ ዓቢይ ፖለቲካዊ ተረኽቦ እዩ። መሪሕነት ስልጣን ሰሜን ኮሪያ ንስድራ ኪም ሰለስተ ወለዶ ዝተመሓላለፈ ክኸውን እንከሎ፡ ኪም ጆንግ ኡን ድማ ስልጣኑ ንጁ ኤ ከም ዘውርስ ይእመን።
ጁ ኤ፡ ናይ ኪም ጆንግ ኡንን በዓልቲ እንድኡ ሪ ሶል ጁን እትፍለጥ እንኮ ውላድ እያ። እቲ ትካል ድሕነት ኪም ጆንግ ኡን ካልእ ዓቢይ ውላድ ከም ዘለዎ'ኳ እንተኣመነ፡ እዚ ውላዱ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ይዅን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ሰሜን ኮሪያ ተራእዩ ኣይፈልጥን።
ጓል 13 ዓመት ከም ዝዀነት ዝዝረበላ ሰገን ጁ ኤ፡ ኣብ 2022 ኣብ መንግስታዊ ተሌቬዥን ንፈለማ እዋን ተራእያ ነይራ።
ኣብቲ እዋን ጁ ኤ፡ ንኢድ ኣቦኣ ሒዛ ንባሊስቲክ ሚሳይል ሰሜን ኮሪያ ዑደት ትገብር ነይራ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ምስ ኣቦኣ ኪም ጆንግ ኡን ተራእያ እያ።
![ኣብ 2012 ዓ.ም ኣብ መወዳእታ [ጳጉሜን] ኣብ ትግራይ ካብ ዝተኻየደ መረፃ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/831a/live/3cf50530-10bd-11f1-b370-c5751d84f588.jpg.webp)










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



