ሻምፑ ዝተሃሰየ ፀጕሪ የድሕን ድዩ? ኣርባዕተ ሓቅታት ክንክን ፀጕሪ

ኵላትና ጥዑይ ፀጕሪ ኢና ንደሊ - ዘብረቕርቕ፡ ነዊሕ፡ ፅቡቕን ልስሉስ፤ ነዚ ሕቶ የብሉን።

ኣብ ቲክቶክ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐርቡ መወዓውዒታት ፍርያት ክንክን ፀጕርን መመላኽዒታትን ምርኣይ እዅል እዩ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጥራይ፡ 5.8 ቢልዮን ፓውንድ ኣብ ዝግመት ኢንዳስትሪ፡ ማእለያ ዘይብሎም ምህርቲታት ክንክን ፀጕሪ፡ ልምዲታትን መሰረታዊ ነገራት ክንዝንግዕ ዝገብሩና ኣብ ቲክቶክ ዝቐርቡ ሓበሬታታትን ብዙሓት እዮም።

እቲ ክውንነት ግን ካብዚ ዝተፈለየ እዩ።

ጥዑይ ፀጉሪ፡ ኣብ እንጥቀሞም ፍርያት ብዙሕ ገንዘብ ምውፃእ ወይ ዝተሓላለኸ ልምድታት ምኽታል ዘይኰነስ ቀለልቲ ነገራት ምትዕርራይ'ዩ ዘድልዮ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበራ ክኢላ ፀጉርን ቈርበት ርእስን ኢቫ ፕራውድማንን ኣብ ክሊኒክ ፀጉርን ቈርበት ርእስን እትሰርሕ ትሬሲ ዎከርን፡ ብዛዕባ ክንክን ፀጉሪ ኣርባዕተ ቁልፊ ሓቅታት ኣለልየን ኣለዋ።

ከምዚ ዝስዕብ ድማ ቐሪቦም ኣለው።

1. ዝሑል ማይ ንፀጕሪ ከብረቕርቕ ኣይገብሮን

ፀጕሪ ንከብረቕርቕ ከም በረድ ብዝዝሕል ማይ ተሓፂብኵም ትፈልጡ ዶ?

ኢቫ ፕራውድማን ከም እትብሎ፡ ዝሑል ማይ ንፀጉሪ ከብረቕርቕ ኣይገብሮን።

"ፀጉሪ ብዝሑል ማይ ምሕፃብ ኣየድልን'ዩ፤ ምኽንያቱ ዝውስዀ ፍሉይ ነገር የለን፡" ኢላ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ንጥዕና ፀጕሪ ከተሓሳስበኵም ዝግባእ ኣገዳሲ ነገር ምስ ኬሚካል፡ ሙቐትንን ምቹእ ዘይኰነ ኵነታት ኣየርን ዝተኣሳሰር እዩ።

ግን ድማ፡ ብኣዝዩ ውዑይ ማይ ምሕፃብ ፀጕሪ ክደርቕን ቈርበት ርእሲ ክህሰን ክገብር ስለ ዝኽእል፡ ብውዑይ ማይ ክንሕፃብ ከም ዘይብልና ኢቫ ትምዕድ።

2. ዝዀነ ዓይነት ፍርያት ዝተሃሰየ ፀጕሪ ኣይፅግንን

ናብ ክኢላ ብምኻድ፡ ነቲ ዝተሃሰየ ጫፋት ፀጕሪ ከተዐርዮ እንተደሊኻ፡ እቲ እንኰ መፍትሒ ፀጕርኻ ምቑራጽ ምዃኑ ምስ ፈለጥካ ተስፋ ክትቀብፅ ትኽእል ኢኻ።

ኢቫ፡ ጫፋት ፀጕሪ ምስንጣቕ ከጋጥሞ እንከሎ፡ ምስ ፀቢብ ክዳን ዝመሳሰል እዩ ትብል።

ነዚ ብቐሊሉ ክፀግን ዝኽእል መገዲ ድማ የለን።

ትሬሲ ዎከር፡ ፀጉሪ ብማይክሮስኮፕ እንተሪኢናዮ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ፍሕሶ (ጨንፈር) ዘለዎ ይመስል ትብል።

ብዙሓት ሰባት ነዚ ንምእራም ይሕግዝ እዩ ዝብሉዎ ፍርያት ይጥቀሙ።

"ኣብ ዕዳጋ ከም መጣበቒ ፀጕሪ ዝሽየጡን ነቲ ዝተመቕለ ጫፋት ብምልጋብ ፀጉርኻ ፅቡቕ ከም ዝመስል ዝገብሩን ፍርያት ፀጉሪ ኣለዉ፡" እትብል ትሬሲ፡ እዚ ግዝያዊ መፍትሒ ምዃኑ ተረድእ።

ስለዚ፡ ነባሪ ፍታሕ ኣብ ዘይህቡ ፍርያት ብዙሕ ገንዘብ ኣይተውጽኡ ትብል።

ፀጕሪ ምቑራጽ ቀልጢፉ ክዓቢ ይገብሮ ዝብል ሓሳብ እውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ኢቫ ትዛረብ።

"ፀጕርና ቀልጢፉ ክዓቢ ምግባር ኣይከኣልን፤ ስለዚ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ለውጢ ክህበኵም እዩ ዝብሉ መወዓውዒታት ፍርያት ሓሶት'ዮም፡" ኢላ።

3. ፀጕሪ ዓርሱ ኣየፅርን

ሰባት ፀጉሮም ባዕሉ ከፅሪ ከም ዝኽእል ከለማምዱዎ ከም ዝኽእሉ ክዛረቡ ይስማዕ።

እዚ ድማ ፀጉሮም ውሑድ ግዜ ንኽሕፀቡ ወይ ፈፂሙ ከም ዘይሕፀቡ ከም ዝሓገዞም ይዛረቡ።

ይኹን እምበር ኢቫ ፕራውድማን ከምኡ ምግባር ንጥዕና ፀጕሪ ፀቡቕ ከም ዘይኰነ ትዛረብ።

"ቈርበት ርእሲ 180 ሽሕ ዘይቲ ዘፍርዩ ፅክታት ስለ ዘለዎ፡ ኣዘውቲርካ እንተዘይሓፂብካዮ ርስሓት እዩ ዝእክብ፡" ኢላ።

ትሬሲ'ዉን በዚ ርእይቶ ትሰማማዕ።

ቅብኣት ዘለዎ ነገር ወይ ርስሓት ብዘይ ሳሙና ብምሕፃብ ከተልግሶ ኣይትኽእልን እትብል ዎከር፡ ፀጕሪ ብቐፃሊ ዘይምሕጻብ ድማ ሕማቕ ጨናን ከም ፎሮፎር ዝኣመሰለ ጸገማት ቈርበት ርእስን ከስዕብ ከም ዝኽእል ትዛረብ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ፡ ፀጉሪ ቅብኣት ዘለዎ ንክኸውን ምግባር ፋንገስን ባክተርያን ንክዓብዩ ከተባብዕ ስለ ዝኽእል፡ እዚ ድማ ምሕኻኽ ከስዕብን ኵነታት ቈርበት ርእስኻ ከጋድዶን ይኽእል።

ስለዚ ፀጉሪ ቅብኣት ዘለዎ እንተዀይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኣይ መዓልቲ ምሕፃብ ወይ ድማ ብዙሕ ናይ ፀጉሪ ክንክን ፍርያት ክትጥቀም ከም ዘለካ ፕራውድማን ትመክር።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃደርስፊልድ ፕሮፌሰር ምርምር መድሃኒት ላውራ ዋተርስ፡ ልዑል ቅብኣት ዘለዎ ፀጉሪ ዘለዎም ሰባት ዝሓየለ ናይ ምፅራይ ባህርያት ዘለዎም ፍርያት ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ትዛረብ።

ደረቕ ፀጉሪ ዘለዎም ሰባት ሳልፌት ዘይብሉ ሻምፖ ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ገሊፃ።

4. ደረቕ ሻምፑ ምጥቃም ንምሕፃብ ኣይትክኦን

ኣብ መንጐ ስራሕ፡ ስፖርትን ማሕበራዊ ርክብን፡ ወትሩ ፀጉሪ ብኣግባቡ ክትሕፀብን ከተድርቈን ኣይትኽእልን።

ስለዚ ብዙሓት ሰባት ሱር ፀጕሪ ርእሶም ንምፅራይን ፀጉሮም ከይተሓፀቡ ንምሕዳስን ከም ቅልጡፍ መፍትሒ ኢሎም ዝወስዱዎ ደረቕ ሻምፑ ምጥቃም እዩ።

ብርግጽ ደረቕ ሻምፑ ምጥቃም ፅቡቕ እዩ ትብል ፕራውድማን። ግን ድማ ፀጕርና ኣብ እንሕፀበሉ እዋን ሓደ ግዜ ጥራይ ኢና ክንጥቀመሉ ዝግባእ ትብል።

ደረቕ ሻምፑ ፀጉሪ ንብዙሕ መዓልታት ከይተሓፀበ እንተፀኒሑ ጎዳኢ ይኸውን።

"እቲ ኣብ ቈርበት ርእስና ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ዘይቲ በቲ ሻምፖ ይውሓጥ፤ እዚ ድማ ንፋንጋስ መግቢ ብምዃን ንክራብሑ ይገብሩ፡"።

ስለ ዝኾነ ድማ ጥንቃቐ እንተጎዲሉ፡ ዘሕክኽን ዝተሰነጣጠቐን ቈርበት ርእሲ ክህልወና ይገብር።

"መጀመርታ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ርስሓት ከየፅረና መመላኽዒ ነገራት ክንድርብ የብልናን፡" ትብል ኢቫ።