እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ሚሳይል ፈጺማ

እስራኤል ዝወንጨፈቶ ሚሳይል ንኢራን ክሃርማ እንከሎ ኣብ ማእከል እታ ሃገር ፍንጀራ ተሰሚዑ።

ሚሳይል እስራኤል ንኢራን ከምዝሃረመ ሰበስልጣን ኣሜሪካ መሻርኽቲ ቢቢሲ ንዝዀነ ማእከን ዜና ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሮም።

ኣብ ማእከላይ ግዝኣት ኢስፋሃን ፍንጀራ ከምዝተሰምዐን ኣብ ብዙሓት ከተማታት በረራታት ከምዝተቛረጸን ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ኢራን ኣመልኪቱ።

እስራኤል ሕነ ናይቲ ብቐዳም ምሸት ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ከም እትህብ ድሕሪ ምግላጻ ኢራን ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ ትርከብ።

ኢራን ንፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ዘካየደቶ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 300 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ሚሳይላትን ምትኳሳ ይዝከር።

ዳርጋ ኵሎም ከኣ ብመከላኸሊ ኣየር እስራኤልን ደገፍ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት መሓዙት ሃገራትን ተመኪቶም።

ኢራን ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ነቲ ብ1 ሚያዝያ ኣብ ሶርያ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኢራን ዝቐተለ መጥቃዕቲ እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ እዩ።

ኣውራጃ ኢስፋሃን ዓቢ መደበር ኣየር፡ ዓቢ ማእከል ምፍራይ ሚሳይልን ብርክት ዝበሉ ቦታታት ኒዩክለር ዝርከቡላ እያ።

ማዕከን ዜና ፋርስ-ኢራን ኣብ ጥቓ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢስፋሃንን ኣብታ ከተማ ዝርከብ መደበር ሰራዊትን ፍንጀራ ከምዝተሰምዐ ገሊጹ።

ቢቢሲ-ፐርሽያ ብኢንስታግራም ኣብ ዝጠቅዖ ቪድዮ ድምጺ ጸረ-ነፈርቲ ዝመስል ተተኳሲ ይስማዕ።

ኣገዳስነት ከተማ ኢስፋሃን

ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነበር ማርክ ኪሚት፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ኢስፋሃን ከምኡ’ውን እስራኤል ንምንታይ ንመጥቃዕቲ ክትመርጻ ከም እትኽእልን ንቢቢሲ ኒውስ ተዛሪቡ’ሎ።

“ኢስፋሃን ብመንጽር ስልጠና፣ ምርምርን ገሊኦም ከምዝብሉዎ ከኣ ምዕባለ ኒዩክለራዊ ዓቕሚን ብዝለዓለ ደረጃ ማእከል መደብ ኒዩክለር ኢራን እያ” ክብል ይገልጻ።

ወሲኹ “ስለዚ እስራኤል ክትሃርሞ እትኽእል ቦታ እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ ዝዓበየ ፍርሒ እስራኤላውያን ሎሚ ዝቕጽል ሚሳይላት ዘይኮነስ ጽባሕ ዝህሉ ኒዩክለራዊ ዓቕሚ’ዩ” ኢሉ።

ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንማእከን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሚሳይል እስራኤል ንኢራን ከምዝወቕዐት እኳ እንተገለጹ፡ ስፍሓት ናይቲ መጥቃዕቲ፣ ንጹር ዕላማኡ ከምኡ ከኣ ዕላማኡ ወቒዑ ድዩ ኣይወቕዐን ዝብል ግን ዛጊድ ንጹር ኣይኮነን።

ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ምክልኻል እታ ሃገር ሰለስተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ኢስፋሃን ወቒዑ ከምዘውደቐ ይገልጻ።