እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሽወደን፡ ኣብ ጽርግያ ብዝተኸፍተ ተዅሲ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም
ኣብ ሽወደን ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ኣብ ሓደ ጐደና ብዝተኸፍተ ተዅሲ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ኣረጋጊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ኣብ ጥቓ ሓደ ዓብይ መራኸቢ ኣደባባይ ዝርከብ ሳሎን ጸጕሪ ከምዝተፈጸመ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እቲ ብ 'ስኩተር' - ተሽከርካሪት ብሽክለታ - ዝሃደመ ጥርጡር፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ከምዘይኣተወ እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ።
ፖሊስ ንሓደ ሰፊሕ ከባቢ ዓጽዮም፡ መርመራ እቲ ቅትለት የካይዱ ኣለዉ።
እዚ ፍጻመ ኣብ ዋዜማ ናይቲ ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ብዝሒ ህዝቢ ናብ ጎደናታት ዘእቱ በዓል ጽድያ ዋልፑርጊስ ዘጋጠመ እዩ።
ከተማ ኡፕሱላ፡ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ስቶክሆልም ብሰሜን ኣንፈት እትርከብን ኰይና ብዩኒቨርሲታ እያ ኣዝያ እትፍለጥ።
"ኵሉ ነገር ኣዝዩ ቅልጡፍ እዩ ነይሩ፣ ኳሕ ኳሕ እዩ ኢሉ" ክብል ሓደ ምስክር ዓይኒ ንሽወደናዊት ቻነል ቲቪ4 ተዛሪቡ።
ካልእ ሰብኣይ፡ ኣብ ገዛ ምግቢ እናሰርሐ እንከሎ፡ "ርችት ዝመስል ክልተ ተዅሲ ድምጺ" ኣብ ደገ ኣብ ጽርግያ 'ቶገ ቶግ' ክብል ከም ዝሰምዐ ገሊጹ።
ንሱ ንተለቪዥን ወሲኹ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በቲ ፍጻመ "ኣዝዩ ከምዝሰንበደን ከምዝፈርሐን" ተዛሪቡ።
ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ድማ፡ "ብዙሓት ፖሊስን ኣምቡላንሳትን" ነቲ ጽርግያ ክዓጽዋን፡ ሰባት ንድሕሪት ክምለሱ ክነግሩ ከምዝሰምዐን ገሊጹ።
ሓደ ካብቶም ግዳያት ኣብ ልዕሊ ዘመድ ሓደ መራሒ ዕሉል-ጕጅለ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ወጢኑ ብዝብል መርመራ ይካየደሉ ከምዝነበረ ሃገራዊ ፈነወ ሽወደን [ኤስቪቲ] ሓቢሩ።
ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ ሽወደን ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ጕጅለታት ስክፍታታት እናፈጠረ ብምምጽኡ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ሕጊ ተተኮስቲ ኣጽዋራት እታ ሃገር ከጽንዕ ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ንምርካብ ዓቢ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎን፡ ሄሊኮፕተር ፖሊስ ኣብቲ ኣለሻ ከምዝተጸንበራን ወሃቢ ቃል ፖሊስ ማግኑስ ጃንሰን ክላሪን ገሊጹ።
እቲ ገበነኛ ንምህዳም ከይጥቀመሎም ብዝብል፡ ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት ባቡር ደው ኢሉ ከምዝነበረ ሕጂ ግን ዳግማይ ስራሕ ከምዝተጀመረ ሚስተር ክላሪን ገሊጹ።
ኣባላት ፖሊስ ካብ መሰኻኽር ዓይኒ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ገዛ ንገዛ ከይተረፈ ይዘሩ ከምዘለዉ ይግለጽ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ጉናር ስትሮመር ነቲ ፍጻመ "ኣረሜናዊ ተግባር ዓመጽ" ክብል ንቲቪ4 ገሊጹ ኣሎ።
ፖሊስ ሽወደን ኣብ መርበብ ሓበሬታኦም ኣብ ዘውጽእዎ ሓድሽ ሓበሬታ፡ እቲ ክካየድ ዘተሓስበ ጽምብል ዋልፑርጊስ፡ "ኣብ ልዕኢ ህዝቢ ስክፍታ" ከምዘሎ እኳ እንተኣመኑ፡ ናይ መጀመርታ ገምጋሞም ግን እዚ በዓል ንእሽቶ ከምዝዀነን ብዙሕ ጽልዋ የብሉን ዝብልን እዩ ነይሩ።
ብሓጺሩ ናታቶም ገምጋም፡ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝዀነ ሓደጋ ኣየስዕብን" ዝብል እዩ ነይሩ።
ኣብ ለካቲት ኣብ ሽወደን ከተማ ኦረብሮ ኣብ ዝርከብ ማእከል ትምህርቲ ዓበይቲ ብዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝዝከር እዩ።