እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣንያ፡ ብፈተነ ቅትለት ኤርትራዊ ገበነኛ ዝዀነ ደጋፊ ሂትለር
ንዋሕዚ ስደተኛታት ዝቃወም ሕሉፍ የማናዊ ዓሌተኛ ብፈተነ ቅትለት ኤርትራዊ ሓታቲ ዕቝባ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።
ወዲ 32 ዓመት ካለም አሊሲስ ፓርስሎው፡ ናብ ሓደ ስደተኛታት ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ሆቴል ብምእታው ንናሆም ሓጐስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣብ ኣፍልቡን ኢዱን ብኻራ ድሕሪ ምውግኡ'ዩ ተኸሲሱ።
እቲ ገበኑ ዝተኣመነ ፓርስሎው፡ "ብሕርቃንን ብስጭትን" ተደሪኹ "ንሓደ ካብቶም ብመትረብ እንግሊዝ ዝኣተዉ ስደተኛታት ንምውጋእ" ብ2 ሚያዝያ ናብቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ዎርቸስተር ዝርከብ ሆቴል ከምዝኸደ ንቤትፍርዲ ገሊጹ።
ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ ናሆም ሓጐስ፡ ክሳብ ሕዳር 2028 ዝጸንሕ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦ እዩ።
እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ዓሌተኛ፡ ዕለቱ ዛጊት ዘይተፈልጠ ቀረባ እዋን ፍርዱ ክቕበል ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
እዚ ኣብ ጸጋማይ ኢዱ ፊርማ መራሒ ናዚ ጀርመን ኣዶልፍ ሂትለር ዝወቀጠ ኣብ ልዕልና ጸዓዱ ዝኣምን እንግሊዛዊ፡ ቅድሚ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ኣብ ኤክስ ስእሉ ኣሰንዩ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ነቲ ኤርትራዊ "ብምጥፋእ. . .ግቡአይ ጥራይ'የ ንዓዲ-እንግሊዝ ፈጺመ" ክብል ገሊጹ።
ግን እቲ ዝወዓሎ ገበን ካብ ፈተነ ቅትለት ዝነኣሰ ምዃኑ'ዩ ዝእመን።
ነቲ ኣብ ልዕሊ ናሆም ዘካየዶ መጥቃዕቲ ንምፍጻም 1000 ዶላር ከፊሉ ብኦንላይን ፍሉይ ካራ ከምዝዓደገ'ውን እቲ ቤትፍርዲ ሰሚዑ።
ኣኽባሪ ሕጊ ቶም ስቶሪ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ እቲ ዓሌተኛ ናብቲ ሆቴል ብምኻድ ንናሆም ሓጐስ ረኺቡ ካበይ ከምዝመጸ ሓቲትዎ ይብል።
ብኡ-ንብኡ ድማ፡ ናሆም መግቢ እናበልዐ እንከሎ ካራ ብምውጻእ እናተጻረፈ ክወግኦ ጀሚሩ። ብሰንኩ ድማ ኣብ ኣፍልቡን ኢዱን ኣቚሲልዎ።
ብድሕሪኡ፡ ናሆም ደሙ ይውድእ ከምዝነበረ ዘስተብሃሉ ኣካያዲ ናይቲ ሆቴልን ሓደ ካልእ ሰራሕተኛ ህንጻን ኣብ ቫን ዝዓይነታ መኪና ብምስቃል ተጓይዮም ናብ ሆስፒታል ወሲዶሞ።
ፓርስሎው ነቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ናብ ሓደ ከናለ ዝርከቦ ቦታ ገጹ ከምዝኸደን ኢዱ ደም ተጸይቑ ምንባሩን ተገሊጹ።
ፖሊስ ክረኽብዎ ኣብ ዝተቓረብሉ ድማ ነቲ ባዕሉ ዘዳለዎ "ማኒፌስቶ" ኣብ ኤክስ ክልጥፍን ንመራሒ ናይቲ ጸረ-ስደተኛታት ዝዀነ ሕሉፍ የማናዊ ጉጅለ ቶሚ ሮቢንሰን፡ ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኪር ስታመር፡ ሪሺ ሱናክ፡ ናጃል ፈራጅን ሱዌላ ብሬቨርማንን ዝበሉ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ታግ ክገብርን ፈቲኑ።
እንተኾነ፡ ኣብ ሓደ እዋን ንብዙሓት ሰባት ክሰድድ ብምፍታኑ ኣይሰለጦን።
ኣብቲ ሰነድ፡ ነቶም "ጸላእቲ ተፈጥሮን ኢንግላድን" ዝበሎም "ኣይሁዳውያን፡ ማርክሳውያንን ዑልመናውያንን" ዝበሎም ወገናት ንክርስትና፡ ጸዓዱን ኣውሮጳዊ ባህልን ኣሰይጢኖም ክብል ይኸስስ።
እቲ ማኒፌስቶ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንኽዝርጋሕ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ነቶም ኣንጻር ስደተኛታት ዝዀኑ ሰልፍታትን ቢቢሲ ዝርከቦም ትካላት ዜናን ክስደድ ዝተሓሰበ'ዩ።
ፖሊስ ነቲ ኣብ ዎርቸስተር ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ ኣብ ዝፈተሽሉ፡ ካራ፡ ፋስ፡ በትሪ ሓጺን፡ ቀይሕ ናይ ናዚ ኣርማ ዘለዎ ጨርቂ፡ መዳልያታት ናዚ፡ ከምኡ'ውን ቅዳሕ ናይቲ ኣብ 1925 ብሂትለር ዝተጻሕፈ ማኒፌስቶን ረኺቦም።
ቤት ፍርዲ ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት፡ ዝርዝር ናይቲ ዝቐረበሉ ክስታት ብማዕከናት ዜና ክጽብጸብ ኣይተኻእለን ጸኒሑ። እንተኾነ፡ እቲ ዓሌተኛ ንኻልእ ምስ ጾታዊ ገበን ዝተሓሓዝ ክስታት ድሕሪ ምእማኑ እቲ ትእዛዝ ቤትፍርዲ ክልዓል ተወሲኑ።
ሓላፊት ጸረ-ሽበራ ፖሊስ ምዕራብ ሚድላንድ ኣሊሰን ሀርስት፡ እቲ ውልቀሰብ "ጐነጻዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ብስርዓት ዝተዳለወን ሕሉፍ የማናዊ ኣእምሮ ዘለዎን" ምዃኑ ገሊጻ።
እቲ ስደተኛ፡ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዝመጸ ምስነገሮ "ካራ ኣውጺኡ ኣብ ኣፍልቡን ኢዱን ወጊእዎ" ድማ ትብል።
እቲ ግዳይ ኣብ ሆስፒታል ልዑል ሕክምናዊ ኣልያ ከምዝተገብረሉ'ውን ሓቢራ።
"ዕድል ገይሩ፡ ምሉእ ኣካላዊ ሕውየት ረኺቡ ኣሎ፤ ብስነኣእምሮግን ክሳብ ሕጂ ይሳቐ ምህላዉ ርዱእ'ዩ፡ ምኽንያቱ ዘሰንብድን ክፉእን በሰላ ዝገድፍ ፍጻመን'ዩ ገጢምዎ።"
ምክትል ሓላፊ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ዝዀነ ግራንት ዊልስ ብወገኑ "ከምዚ ዓይነት [መጥቃዕቲ] መዓልታዊ ዘጋጥመና ኣይኰነን፡ ግን ኵሉ ሳዕ ድሉዋት ኢና" ይብል።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን፡ እቲ ሆቴል ይሕደስ ስለዝነበረ፡ ስደተኛታት ኣይነበርዎን። ቅድሚኡ ግን ሓተትቲ ዕቝባ ኣብኡ ተዓቚቦም ነይሮም'ዮም።
"እቲ ግዳይ ከቢድ ሃስያ ወሪድዎ'ዩ" ክብል እቲ ሓላፊ ፖሊስ ይምስክር።