ኣካል እቲ መኣዲ ዶ ዝርዝር ጥራይ? ምስ ሓድሽ ስርዓተ ዓለም ትቃለስ ዘላ ኣፍሪቃ

ንባብ: 6 ደቓይቕ

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፡ እታ ኣህጕር ኣብ ዓለም ዘለዋ ቦታ ምልውዋጥ ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ዓመታዊ ኣኼባ ንምክያድ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ይእከቡ እዮም ዘለው።

ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መጻኢ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዝምልከት፡ ሃገራት ኣብ መኣዲ ወይ ድማ ኣብቲ ዝርዝር ክቕመጣ እየን ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ነቶም ንዓመታት ኣብ ላዕለዋይ መኣዲ ክንከውን ኣለና ኢሎም ክማጐቱ ዝጸንሑ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ እዚ ሓድሽ ኣይኰነን።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ ግን ነቲ ናብ ጉዳያት ዓለም ብዓበይቲ ሓይልታት ክዕብለልን ብዙሕነታዊ ምትእስሳር ንጐድኒ ክድፋእን ዝኽእለሉ ዕድላት ኣቀላጢፍዎ ኣሎ።

ከምቲ ናይ ዋይት ሃውስ እዋናዊ ስትራተጂ ጸጥታ ዝብሎ፡ ኵሉ ዞባታት ዓለም ማዕረ ኣቓልቦ ክረክብ ኣይክእልን እዩ። ትራምፕ ዝያዳ ናብ ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢን ማእከላይ ምብራቕን ከተኵር እንከሎ፡ ንኣፍሪቃ ዝወሓደ ትኹረት ከም ዘለዎ ዘመልክት'ዩ።

እተን ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ስርዓታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ፋይናንስ ከም በዓል ሕቡራት ሃገራት፡ ባንኪ ዓለም ወይ ውድብ ንግዲ ዓለም ዝኣመሰሉ ዓለማዊ ኣካላት ዝምርኰሳ ዝነበራ ውሑድ ሓይሊ ዘለወን ሃገራት፡ ሕጂ ዝምድናታተን ዳግማይ ክግምግማ ተገዲደን ኣለዋ።

እዚ ስጕምትታት እዚ፡ እታ ኣህጉር ምስ ካልእ ክፋል ዓለም ብኸመይ ክትገጥም ኣለዋ ንዝብል ሕቶ ሓድሽ ህጹጽነት ሂብዎ ኣሎ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ቻታም ሃውስ ዳይረክተር ፕሮግራም ኣፍሪቃ ዝዀነት ትዕግስቲ ኣማረ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣድማዒ ናይ ሓባር ስትራተጂ ከውጽኣ እንተዘይክኢለን "ንድሕሪት ክተርፋ" እየን ዝብል ስግኣት ኣሎ ትብል።

ድሮ ግን ንኣመሪካ፡ ማዕድናትን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ዘጠቓልል ፈታኒ ክልተኣዊ ውዕላት ዝሓዘ ዝርዝር ኣሎ፡ እዚ ድማ ብወገን እታ ኣህጉር ንዝዀነ ናይ ሓባር ልዝብ ዘድሊ ዕድል ዝዀልፍ እዩ። እቶም ካብ ዋሽንግተን ዝወጽኡ ኣዋጃት ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝንጸባረቕ ዘሎ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ግሉጽነት የብሉን።

ቅድሚ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት፡ ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ርእሰ ከተማ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ንመራሕቲ እታ ኣህጉር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣመሪካ ኣብ መጻኢ ኣፍሪቃ ኵሉ ነገር ትገብር ኣላ፡" ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ ዋይት ሃውስ ብዛዕባ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝምልከት ስትራተጂያዊ ሰነድ ከውጽእ ከሎ፡ እቲ ዞባ "ዓለማዊ ቀዳምነታትና ንምስጓም ወሳኒ፡" እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ነቐፍቲ ግን፡ እዚ ብሓቂ ናብ ኦቫል ኦፊስ ኣትዩ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ኣለዉ፤ ባይደን ከም ፕረዚደንት ኣብ መወዳእታ ናይ መሪሕነቱ እዋናት ናብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝገበሮ እንኮ ምብጻሕ - ናብ ኬፕ ቨርደ፡ ንሓጺር እዋን ከምኡ'ውን ኣንጎላ - ኣብ ነይሩ።

ብኣንጻር ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወግዓዊ መግለጺታት፡ ትራምፕ ዝኽተሎ ቀዳምነት ኣመሪካ ዝበሃል ኣገባብ፡ ብዛዕባ ረብሓታት ኣመሪካ ኣዝዩ ዝጸበበ ሓሳብ ኣለዎ።

ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር "ንነፍሲ ወከፍ ዞባን ንነፍሲ ​​ወከፍ ጸገም ዓለምን ማዕረ ኣቓልቦ ክንህብ ዓቕሚ የብልናን፡" ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዝቐረበ ሰለስተ ዓንቀጽ ዝሓዘ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ምስ "ግጭት ንምምሕያሽ፡ ንኽልቲአን ዝጠቅም ንግዳዊ ዝምድናታት ንምዕባይ" ምስ ዝተመርጻ ሃገራት ምሕዝነትን ሓገዝ ካብ ምሃብ ወፍርን ቍጠባዊ ዕብየትን ናብ ምትብባዕ ንምስግጋር ከም ዝተሓስበ ይገልጽ።

ኣብ ቀዳማይ እብረ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ዝነበረ ፒተር ፋም እዚ ዝያዳ ቅንዕና ዝመልኦ ኣገባብ እዩ ይብል።

"ኣነ ኣብቲ ክውንነታዊ ቤት ትምህርቲ ኣህጉራዊ ዝምድናታት እየ ተማሂረ፡" ዝበለ ፒተር፡ "ኣፍሪቃ ምናልባት ግንባርን ማእከልን ህይወተይ ከም ዝዀነት፡ ግንባርን ማእከልን ረብሓታት ኣመሪካ እያ ኢለ ክሓስብ ኣይክእልን፡" ኢሉ።

"ዝዀነት ሃገር፡ ዋላ ሓንቲ ልዕለ ሓያል ሃገር፡ ንዅሉ ነገር ኵሉ ነገር ክትከውን እትኽእለሉ መገዲ የለን። እቲ ክውንነት ግን ከምቲ ህዝቢ ኣመሪካ ለጋስ ዝዀነ፡ ንዅሉ ክንገብረሉ ዝኽእል ዓቕሚ ይዅን ጸጋታት የብልናን።"

"ስለዚ፡ ንርዱእ ናይ ገዛእ ርእስና ዜጋታት ዝምችእ ውጽኢት ንምርካብ፡ ግን ከኣ ንመሻርኽትና'ውን ንምሕጋዝ፡ ነቶም ጸጋታት ብዝተኻእለና መጠን ክንመሓድሮም ኣለና፡" ኢሉ።

ሓደ ካብቲ ንጹር መግለጺ ናይዚ ድማ፡ ኣመሪካ ኣብ ታሕሳስ ምስ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝገበረቶ ስምምዕ ማዕድናት ኰይኑ፡ እዚ ድማ ምስ ሩዋንዳ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ተተሓሒዙ ዝመጽአ እዩ።

ንኣመሪካ "ውሑስ፣ ዘተኣማምንን ነባሪን ቀረብ ሰንሰለት ማዕድናት ምህናጽ ወሳኒ" ምዃኑ፡ ከምኡ'ውን ኣብታ ንመፍረ ኤሌክትሮኒካዊ ኣቑሑት ኣገደስቲ ዝዀኑ ዓቢ ዕቑር ማዕድናት ዘለዋ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ወፍሪ ምትብባዕ ዝዓለመ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ፋም፡ ከም ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብ ምምዕባል "ሊበርቲ ኮሪደር" ዝነጥፍ ኩባንያ ኢቫንሆ ኣትላንቲክ ኣካል ናይቲ ካልእ ውዕል ኰይኑ፡ እዚ ፕሮጀክት እዚ ንሰፊሕ ዕደና ሓጺን ጊኒ ምስ ወደብ ላይበርያ ዘተኣሳስር ሓድሽ ትሕተ ቅርጺ ክሃንጽ ይሕልን፤ እዚ ሰደድ ናይቲ ጥረ ነገራት ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ወጻኢ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅታውን ክኢላ ኣፍሪቃ ኬን ኦፓሎ፡ ኣመሪካ እትኽተሎ "ትራንዛክሽናል"ን ክልተኣዊን ኣገባብ "ናይ ዝርርብ መርገጺ ሃገራት ኣፍሪቃ ድኹም ክኸውንን ዝበለጸ ውዕላት ክስእናን እየን፡" ዝብል ስክፍታ ኣለዎ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብነት እቲ ምስ ዲ.ሪ.ኮንጎ ዝተገብረ ስምምዕ ግብራዊ ዝኸውን እንተዀይኑ፡ ኣመሪካ ኣብ ማዕድናት ትዅረት ምግባር ንኣመሪካዊ ኩባንያታት መሰል ዕደና ምውሓስ ጥራይ'ዩ፡ ብመንጽር እቲ ሰፊሕ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ድማ ውሑድ ግደ'ዩ ዘለዎ፤ እዚ ድማ እቲ ዞባ ዘድልዮ ኣይኰነን፡" ይብል።

"እቲ ዞባ ዝዓሞቐ ተበጻሕነት ዕዳጋ፡ ውዕላት ወፍሪን ንዕደና ጥራይ ዘይኰነ ንዅሉ ዓውድታት ርእሰ-ማል ኣመሪካ ናይ ምስሓብ ዓቕምን የድልዮ።"

ምኒስተር ዕደና ዲ.ኣር ኮንጎ ሉዊስ ዋቱም ካባምባ ነዚ ስክፍታታት ነጺግዎ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኬፕታውን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ዕደና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ "ኵሉ ነገር ብሕሱር ንኣመሪካ ከም ዘይትሸጦ" ገሊጹ።

ብርግጽ ኣመሪካ ጥራይ ኣይኮነትን ኣብዚ ጉዳይ ዓቢይ ናይ ተሳትፎ ሓይሊ ዘለዋ፤ ቻይና፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብቐጥታዊ ወፍሪ ወጻኢ ካብ ኣመሪካ ንላዕሊ ወጻኢታት ገይራ'ያ። እዚ መርገጺ'ዚ ዝሓለፈ ዓመት ለውጢ ኣርእዩ። ካልኦት ከም ሩስያ፡ ቱርኪን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝበላ ሃገራት እውን ናይ ባዕለን ስምምዓት ወፍርን ጸጥታን ይገብራ ኣለዋ።

እቲ ረብሓ ማእከል ዝገበረ ኣገባብ ግድን ሕማቕ ኣይኰነን ይብል ኦፓሎ፤ እንተዀነ ኣብ መንግስታት ኣፍሪቃ "ነዚ ጸወታ ብጽቡቕ ንምጽዋት" ዝኸይድ ዘሎ ስትራተጂያዊ ዕምቈት ኣተሓሳስባ፡ ወይ ዲፕሎማስያዊ ክእለት ከም ዘየለ ይምጕት።

እዚ ማለት መራሕቲ ንነዊሕ እዋን ዘስዕቦ ሳዕቤን ኣብ ግምት ከየእተዉ ንቐሊል ዓወት ክሽረቡ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት እዩ።

ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ክትፈትሖ ዘይምኽኣላ፡ ነቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝበሎ ዘበገሰ ኵነታት፡ ከም ኣብነት ናይዚ ክረአ ከም ዝኽእል ኦፓሎ ወሲኹ ሓቢሩ።

ቱርኪ ወግዓዊ ዘይሻራዊ መርገጺ እኳ እንተሃለዋ፡ ንሰራዊት ሱዳን ኣጽዋር ብምቕራብ ትኽሰስ። ኢራንን ሩስያን እውን ተመሳሳሊ ክሲ የጋጥመን ኣሎ። ኵሎም ይነጽጉዎ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ሩስያ ምስ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ኣብታ ሃገር መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ስምምዕ ፈሪማ ነይራ።

ብኻልእ ወገን ኢማራት ዓረብ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ተባሂላ ክትክሰስ ጸኒሓ'ያ፤ ኢማራት ነዚ ክሲ ትነጽጐ።

"ግጭት ሱዳን ምፍታሕ ዘይምኽኣሉ፡ ምልክት እታ ኣህጉር ዋንነት ቀዳምነታት ዘይምህላው ዘርኢ እዩ፡" ይብል ኦፓሎ።

ፕረዚደንት ጋና ጆን ማሃማ፡ ነዚ ገምጋም ክቕይሮ ይፍትን ኣሎ። ማሃማ ከም ካርኒ ኣብ ዳቮስ ዝተዛረቦ ነይሩ።

ንሱ፡ እቲ "ኣብ ስግር ኣትላንቲክ ክትግምቶ ዘይትኽእል ልፍንትን" ምንቁልቋል ልምዓታዊ ሓገዝን፡ ዓለም "ትቕየር" ከም ዘላ ዘርኢ እዩ ክብል ገሊጹ።

"ኣፍሪቃ ድማ ንነብሳ ክትእክብ ኣለዋ፡" ክብል ተማጒቱ።

እታ ኣህጉር ልኡላውነታ ብምስኣን ኣብ መጻወድያ ጽግዕተኛነት ከም ዝተታሕዘት ገሊጹ። እዚ ኣብ ክልቲኡ መዳያት ወጻኢታት ሓገዝ - ከም ጥዕናን ትምህርትን - ከምኡ'ውን ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ዝርአ ዘሎ እዩ ብምባል፡ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ክመጽእ ከሎ "ኣገደስቲ ማዕድናት ንዓለም ነቕርብ ኢና፡ ግን ዋላ ሓደ ኣይንረብሕን፡" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘቕረቦ መፍትሒ፡ ብመገዲ ፕሮጀክት 'ኣክራ ሪሰት'፡ ኣብ ኣገዳሲ ክእለት ክግበር፡ ኣብ መላእ ዞባታት ኣፍሪቃ ዝተዋደደ ኢንዱስትሪያውነት ምስ ናይ ደገ መሻርኽቲ ዝተዋደደ ኣህጉራዊ ዝርርብ ክህሉ ምግባር እዩ።

እዚኦም ግን ቅድሚ ሕጂ ዝተሰምዑ ጻውዒታት ስለ ዝኸዋኦኑ ሕጂ ሓደ ነገር ክቕየር ዝዓበየ ዕድል ኣሎ ድዩ ዝብል ሕቶ የልዕል።

ንተንታኒ ትዕግስቲ እቲ "ወሳኒ ብድሆ ስሙር ግንባር ምፍጣር'ዩ፤ መራሕቲ ዝያዳ ኣብ ዞባዊ ረብሓታት ከድህቡ ኣለዎም። ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ማለት ኣብ ኣህጉራዊ ድርድራት ክህሉ እንከሎ፡ ሃገራዊ ረብሓታት ንጎኒ ክገድፉዎ ኣለዎም ማለት እዩ።"

ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ማእከላይ ሓይልታት" ዓለም ብሓባር ክዋስኡ ጸዊዑ። ኣብ ኣፍሪቃ እዚኦም ናይጀርያ፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ከጠቓልሉ ይኽእሉ።

ትዕግስቲ ግን "እዘን ሃገራት ኵሉ ሰብ ልዕል ኢሉ ዝጥምተን ሃገራት ክዀና እንከለዋ፡ ነቲ ናይ ውህደት ኣጀንዳ ዝደፍእ ኣህጉራዊ መሪሕነት ግን የለን፡" ኢላ።

ሓደ ቀንዲ ጸገም ብዙሓት መራሕቲ ኣዝዮም ንውሽጢ ዝጥምቱ ምዃኖም እዩ፤ ምኽንያቱ "ንባዕሎም ኣብ ሓደ እዋን ክፈትሕዎም ዘለዎም ዓበይቲ ውሽጣዊ ብድሆታት ኣለዎም።"

ንሳ ወሲኻ፡ ሃገራት ብኸም ከባቢ ናጻ ንግዲ እታ ኣህጉር - ኣብ መንጐ ሃገራት ኣፍሪቃ ንግዲ ንምዕባይ ዝዓለመ ፕሮጀክት - ከምኡ'ውን ነታ ኣህጉር ንምቕያር ዝሕግዝ ማስተር ፕላን ተባሂሉ ዝግለጽ ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪቃ 2063 ዝኣመሰሉ ነገራት ኣቢለን ብዝያዳ ብቐረባ ክሰርሓሉ ዘኽእል ማዕቀፍ ከም ዝነበረን፡ ኣብዚኦም ዝረአ ዘሎ ምዕባለ ግን ዝንጕዕ ምዃኑ ኣብሪሃ።

ማሃማ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተዛረበሉ እዋን፡ "ኣፍሪቃ እቲ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት እንታይ ከም ዝመስል ኣብ ምውሳን ኣብቲ መኣዲ ክሳተፍ ትደሊ፡" ኢሉ።

ካብቲ ኣብ ፖሊሲ ​​ወጻኢ ኣመሪካ ዝረአ ዘሎ ለውጢ ከምኡ'ውን ካልኦት መሻርኽቲ እታ ኣህጉር ዝበለጸ ረብሓ ንምርካብ ግን ገና ብዙሕ ስራሕ ይሓትት - እቲ ናይ ድራር ዕድመ ኸኣ ገና ኣይተላኣኽን።