ኣብ ኤርትራ በጺሓ ዝተመልሰት ሽወደናዊት ምኒስተር ብዛዕባ ዳዊት ይስሓቕ እንታይ ኢላ?

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደት ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ንዑደታ ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂባ።
ማሪያ ማልመር ስተነርጋርድ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ዘካየደቶ ርክብ ብዛዕባ ዳዊት ይስሓቕ ዝርከቦም ጉዳያት ከም ዝተዘራረበት ሓቢራ።
እቲ ንልዕሊ 24 ዓመት ኣብ ማሕዩር ዝርከብ ጋዜጠኛ ብህይወት ኣሎ ኢላ ከም እትኣምን እታ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሐት ላዕለወይቲ ሽወደናዊት ብዓልቲ ስልጣን ተዛሪባ።
"ብህይወት ምህላዉ ዘርኢ ጭቡጥ መርትዖታት'ኳ እንተ ዘይረኽብና፡ ካብቲ ዘካየድናዮ ርክባትን ዝተዋህበና ሓበሬታን፡ ገምጋምና ብህይወት ከም ዘሎ እዩ።"
ኣስመራን ስቶክሆልምን ሕጂ'ውን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዘለወን ዘይምስምማዕ ከም ዘይተፈትሐ'ውን እታ ምኒስተር ኣሚታ'ላ።
መንግስቲ ሽወደን ብዛዕባ ቆንስላዊ ጉዳያት ዜጋታቱ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ዘይምሃቡ፡ ብጌጋ ከም ሸለልትነት ክውሰድ ከም ዘይብሉ'ውን ገሊጻ።
"ብዛዕባ ኵሉ ነገር ብዕሊ ምዝራብ፡ ንዝምልከቶም ግዳያት ይዅን ቤተሰቦም ዝጠቀም ኣይኰነን፡" ብምባል ድማ ዘካይድዎ ዘለዉ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ንኽፍታሕ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሃ።
ገለ ካብ ቤተሰብ ዳዊት ኢሳቕ ብወገኖም፡ ድሕሪ'ቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ግብረመልሲ፡ ርጡብ ደሃይ ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም ኣለዉ።
ኤስ-ቪ-ቲ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ከም ዝሓበሮ፡ ጓሉ ንዳዊት ይስሓቕ ዝዀነት ቤተሊሄም ሕጂ'ውን 'ዕጹው ማዕጾ' ንዅነታት ወላዲኣ ገሊጻቶ።
ቤተሊሄም ምስታ ምኒስተር ብኣካል ተራኺባ ክትዘራረብ ቅርብቲ ምዃና ከም ዝገለጸት'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
እቲ ዑደት፡ ብዛዕባ ከም ናይ ዳዊት ዝበሉ "ከበድቲ ጉዳያት" ንምዝርራብ ዕድል ከም ዝኸፈተላ ምኒስተር ስተነርጋርድ ኣመልኪታ።
ብመሰረት ትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ እቲ ካብ 2001 ኣብ ማሕዩር ዝተሰወረ ጋዜጠኛ ዳዊት ክሳብ 2005 ብህይወት ምንባሩ ጽንጽንታ'ኳ እንተ ነበረ፡ ካብኡ ንደሓር ግን ሃለዋቱ ኣይፍለጥን።
ሰብመዚ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ንዓመታት ኣብ ቀይዲ ንጸንሑ እሱራት ምፍትሖም ተስፋ ዝህብ ምዃኑ'ውን ስቶክሆልም ንኢዳ'ላ።
እቲ ንልዕሊ 24 ዓመታት ተሓይሩ ዝርከብ ዳዊት ይስሓቕ፡ ንናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ብዝገበሮ ተወፋይነት፡ ሽልማት ሰብኣዊ መሰላት ሽወደን - "ኤደልስታም" ተዓዊቱ ምንባሩ ይዝከር።
እታ ሚኒስተር፡ ኤርትራ ኣብ 1993 ብወግዒ ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ ናብታ ሃገር ዝበጽሐት ላዕለወይቲ ሽወደናዊት ብዓልቲ ስልጣን ኮይና ኣላ።
እታ ብረቡዕ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወት ሚኒስተር ስተነርጋረድ ምስ ኤርትራዊ መዘናኣ ዑስማን ሳልሕ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ተራኺባ ነይራ።
ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስር ዑስማን ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ "ምዕባለታት ዞባ" ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን "ሰላምን ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ" ከምዝተዘራረቡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን።
ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝጸንሓትሉ እዋን ምስ ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ከምዝተራኸበት'ውን ወከልቲ እቲ ውድብ ኣብታ ሃገር ሓቢሮም ኣለዉ።
ኤርትራ፡ ናጻ ብሕታዊ ማዕከን ሓበሬታ ዘይብላ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኰይና፡ ኣብ 2001 "ሃገራዊ ድሕነት" ብዝብል ምስምስ ምሉእ ብምሉእ ናጽነት ፕረስ ዓጽያ ትርከብ።
ኣብ 1987 ናብ ሽወደን ተሰዲዱ፡ ኣብታ ሃገር ዜግነት ዝረኸበ ዳዊት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1993 ተመሊሱ ኣብኡ ይሰርሕ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ብዘይ ዝኾነ ሃገራዊ ምርጫ ነታ ሃገር ንልዕሊ 34 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይኽሰስ።
ኤርትራ እታ እንኮ ቅዋምን ሓጋጊ ኣካል (ሃገራዊ ባይቶን) ዘይብላ ሃገር ምዃና ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







