ኣሌክሳንደር ኢሳቕ መስበርቲ እግሪ ኣጋጢምዎ

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ምስ ሊቨርፑል ኰይኑ ኣብ ዘካየዶ 10 ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ክልተ ሸቶታት ጥራይ ኣመዝጊቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ምስ ሊቨርፑል ኰይኑ ኣብ ዘካየዶ 10 ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ ክልተ ሸቶታት ጥራይ ኣመዝጊቡ

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብሰንኪ እቲ ብቀዳም ጋንታኡ ኣንጻር ቶተንሃም 2 ብ 1 ዝሰዓረትሉ ጸወታ ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ኣብ ጸጋመይ እግሩ መስበርቲ ከምዘጋጠሞን መብጣሕቲ ከምዝተኻየደሉ ጋንታኡ ኣፍሊጣ።

ኣሌክሳንደር ኵነታት እግሩ ናብ ንቡር ተመሊሱ መዓስ'ዩ ናብ ጸወታ ክምለስ ኣብ ዝብል ግን ገና ጋንታኡ ኣየፍለጠትን፣ ንኣዋርሕ ካብ ጸወታ ከምዝርሕቕ ግን ርጉጽ ኰይኑ ኣሎ።

ሊቨርፑል ንመስበርቲ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣመልኪታ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ እቲ ካብ ኤርትራውያን ስድራ ዝውለድ ሽወደናዊ ኣጥቃዒ "ዕዉት መብጣሕቲ ተኻይዱሉ ኣሎ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ከባቢ ዓንካርዓንካሪቱ ዘሎ መስበርቲ ኣብ ከባቢ በረዀዳኡ'ውን መንቃዕቲ ዓጽሚ ኣለዎ" ኢላ።

ኣሌክሳንደር ኣብቲ ናይ ቀዳም ጸወታ፡ ተቐይሩ ብምእታው ሸቶ ኣብ ዘመዝገበሉ ብተኸላኻላይ ቶተንሃም ሚኪ ቫን ደ ቨን እግሩ ተቐርቂሩ ኣብ ዝወደቐሉ'ዩ እቲ መስበርትን መንቃዕቲ ዓጽምን ኣጋጢምዎ።

ኣሌክሳንደር ካብ ሜዳ ክወጽእ እንከሎ ባዕሉ ክንቀሳቐስ ስለዘይክኣለ ተደጊፉ'ዩ ወጺኡ።

ኣብ መስከረም ብ125 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ኒውካስል ናብ ሊቨርፑል ዝተጸንበረ ወዲ 26 ዓመት ኣሌክሳንደር፡ ኣብ ሊቨርፑል ከምቲ ኣብ ኒውከስል ዝነበሮ ብቕዓት ከርኢ ኣይከኣለን ዘሎ።

ኣብ 10 ጸወታታት፡ ዝሓለፈ ቀዳም ካልኣይቲ ሸቶኡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣመዝጊቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ኒውካስል ኣብ ኤስያ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ቅድመ- ዓመተ ስፖርት ጸወታታት ብሰንኪ "ቀሊል መጉዳእቲ ሰለፍ" ከምዘይተጸንበራ ተገሊጹ'ኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግን ካብታ ክለብ ክወጽእ ይደሊ ምንባሩ ድሒሩ ተራእዩ እዩ።

ካብ ኒውካስል ተፈልዩ፡ ኣብታ ናይ ቀደም ክለቡ ሪያል ሶሲዳድ በይኑ ልምምድ ብምግባር፡ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ መስኮት ምስግጋር ናብ ሊቨርፑል ተጸንቢሩ።

ኣብ ምሉእ እዋን ቅድመ ውድድር ምስታ ጋንታ ስለዘይነበረ፡ ብሰንኩ ድማ ኣብ ምሉእ ብቕዓት ስለዘይኣተወ ኣብ ኵሉ ውድድራት 10 ጸወታታት ጥራይ እዩ ተሳቲፉ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን ሊቨርፑል፡ ኣገደስቲ ተጻወትታ ፡ መሓመድ ሳላሕ ምስ ሃገሩ ግብጺ ኣብ ውድድራት ዋንጫ ኣፍሪቃ ብምህላዉ፣ ኮዲ ጋክፖ ድማ ብሰንኪ ማህረምቲ፡ ከሲራቶም ምህላዋ ዝፍለጥ እዩ።

በዚ ድማ ኣብ ክራማት ካብ ኣይንትራኽት ፍራንክፈርት ዝዓደገቶ ኣጥቃዓይ ሁጎ ኤኪቲከ፡ ኣንጻር ቶተንሃም'ውን ሸቶ ዘመዝገበ፡ ከም ቀንዲ ኣጥቃዓይ ኰይኑ ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።

እዚ ወዲ 23 ዓመት ፈረንሳዊ ተጻዋታይ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት 11 ሸቶታት ከመዝግብ ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ጸወታታት እቲ ሊግ ጥራይ 5 ሸቶታት ኣመዝጊቡ፤ እዚ ብቕዓት ኤክቲከ ድማ ሓደ ካብቲ ኣሌክሳንደር ኣብ መንበር ተቐየርቲ ክጸንሕ ዝገበረ ምኽንያት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ሕጂ ከኣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ መስበርቲ ተወሲኽዎ፡ ናብ ጸወታ ምስ ተመለሰ ናብ ብቕዓት ተመሊሱ ቦታኡ ኣብ ምምላስን ኣብ ምውሓስን ከቢድ ስራሕ ከምዝጽበዮ ተንተንቲ ስፖርት ይገልጹ።