እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምጽራይ ገበናት ኲናት ንኽቋረጽ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ተቛውሞታት ይገጥሞ'ሎ
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ዝርከብዎም፡ ልዕሊ ስሳ ዓለም ለኸ ሲቪል ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ'ቲ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ዝተባህለ ገበናት ንምጽራይ ዝግበር ናጻ መርመራ ንከብቅዕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ክዓግት ጸዊዐን።
እተን ዓለም ለኸ ትካላት፡ ናብ ኣባል ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገርት ኣብ ዝጸሓፍኦ ደብዳበ፡ መንግስቲ ኢትዮጵ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምእዘን መርመራ ገበናት ንምቁራጽ ዝዓለመ እማመ ንምቕራብ ብዝሓዞ መደብ ከምዝተሰናበዳ ገሊጸን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ 2021 ዝተመስረተ ዓለም ለኸ ኮሚሽን መርማሪ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ‘ፖለቲካዊ ድርኺት’ ዘለዎ እዩ ብዝብል ካብ ምቛሙ ጀሚሩ ክቃወም ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ደሓር ድማ ገንዘብ ከይምደበሉ ዝገበሮ ጻዕሪ ከይሰመረ ተሪፉ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ደመቀ መኮነን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እቲ ምጽራይ ገበናት ኲናት ንምቁራጽ ኢትዮጵያ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ክድግፍ ተማሕጺኑ ነይሩ።
እተን ሲቪል ማሕበራትን ተጣበቕቲ መሰላትን ግን፡ ነዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ድፍኢት “ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥን" ዓለም ለኸ ምጽራያት ገበን ንምዕንቃፍ “ሓደገኛ ጅማሮ” ክኸውን ዝኽእልን ምዃኑ ሻቕሎተን ገሊጸን።
ብፍላይ ኣብታ ሃገር፡ ኣብ ውሽጢ ትካላት ዝነበረ እምነት እናተሸርሸረን ሰበስልጣን ንተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምግፋዕ ኣብ ዝቕጽለሉን ዘሎ እዋን፡ ፍትሕን ተሓታትነትን ናይ ምርግጋጽ ስራሕቲ እቲ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣገዳሲ ከምዝኾነ እተን ትካላት ይኣምና።
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ጃምላዊ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ሓዊሱ ብክስታት ከቢድ ግህሰት መሰላት ዝተሰነየ ኮይኑ፡ ገሊኡ ድማ ምስ ገበናት ኲናት ክመጣጠን ከምዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት በቲ ገበናት ይኽሰሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ዝተኸተመ ፍሉይ ስምምዕ ሰላም ተዛማዲ ሰላምን ናብ ንቡርነትን ንምምላስ ዝሕግዝ እኳ እንተኾነ፡ ገበነኛታት ብዝፈጸምዎ ገበናት ክሕተቱ ምዃኖም ዘርእዩ ምልክታት ዳርጋ የለን።
እቲ መርማሪ ኮሚሽን እንታይ ኢሉ ነይሩ?
መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝበሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ተሓታቲ ምዃኑ ከም ዝኣምን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ናይ መጀመርታ ጸብጻቡ ገሊጹ።
እቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጲያ ከም ዘመልክቶ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጲያ እኹል ዕድመ ንዝበጽሑ ደቂ ተባዕትዮ ተጋሩ ዒላማ ዝገበረ ጃምላዊ ቅትለት ፈጺሞም ኣለው ይብል።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ጸብጻብ ነጺግዎ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ “ህዉኽ፡ ደረጅኡ ዘይሓለወን ናቱ ኣጀንዳ ዘለዎን’ዩ” ብምባል ከምዝነጸጎ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ መርመሪ ጉጅለ ፡ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት የገልግል ምንባሩ መርትዖ ከም ዘለዎ'ውን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣስፊሩ’ሎ።
ብዘይካ’ዚ፡ ሓይልታት ትግራይ እውን ኣብ ልዕሊ፡ ኣብ ግጭት ዘይተሳተፉ ሲቪል ሰባት ቅትለት፡ ከምኡ’ውን ዓመጽ፡ ዝምታን ዕንወት ንብረትን መሰረተ ልምዓት ሲቪላውያንን ከም ዘውረዱ፡ ዘመላኽት ጭቡጥ መርትዖ ከም ዝረኸበ ኣመልኪቱ።
ብኻልእ ወገን’ውን፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ተጋሩ ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጻት ምፍጻሞም ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘለዎ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ብተደጋጋሚ ክነጽጐ ጸኒሑ’ዩ።
መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ቅትለት፣ ምጭዋይ፣ ምስዋር፣ ዓመጽን ጾታዊ መጥቃዕትን ዘጠቓልሉ ግህሰታት ከም ዝተፈጸሙ ኣመልኪቱ።
እቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝወጽአ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኵሎም እቶም ኣብ’ቲ ክልተ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት፡ ግሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ይኸስስ።