ንብዙሓት ካብ መጥቃዕቲ ካራ ዘድሓነ ሰራሕተኛ ባቡር ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ?

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕለ ተጓዓዝቲ ንዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ካራ ስዒቡ ዝመፅኡ ሰራሕተኛታት ህፁፅ ምላሽ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዶንካስተር ናብ መደበር ባቡር ኪንግስ ክሮስ ለንደን ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ባቡር ንተጓዓዝቲ ካብ መጥቃዕቲ ካራ ዘድሓነ ሰራሕተኛ ባቡር የዘራርብ ኣሎ።

ብቀዳም ምሸት ሰዓት 20፡00 ከባብያዊ ኣቆፃፅራ፡ ሓደ ወዲ 32 ዓመት ሰብኣይ ኣብ ከተማ ፒተርብራህ ናብቶም ካብ ዶንካስተር ዝተበገሱ ተጓዓዝቲ ብምፅንባር፡ ሽዑ ንሽዑ መጥቃዕቲ ካራ ፈፂሙ።

እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍፅመሉ፡ ሓደ ሰራሕተኛ ባቡር ነቲ ኣጥቃዓይ ብምግጣም ህይወት ብዙሓት ከድሕን ፈቲኑ።

ፖሊስ መጓዓዝያ ባቡር ብሪጣንያ፡ ንተግባራት እቲ ህይወት ተጓዓዝቲ ዘድሓነ ሰራሕተኛ ባቡር ተምሳሌት 'ጅግንነት' ብምባል ንኢድዎ።

በቲ ናይ ካራ መጥቃዕቲ 11 ሰባት ክጉድኡ እንከለው፡ ሓሙሽተ ካብኣቶም ብሰንበት ኣጋምሸት ካብ ሆስፒታል ወፂኦም።

እቲ ናይ ካልኦት ህይወት ንምድሓን ካብቲ ኣጥቃዓይ ጉድኣት ዝወረዶ ሰራሕተኛ ባቡር፡ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዝርከብ ፖሊስ መጓዓዝያ ባቡር ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ተጓዓዝቲ ባቡር መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ውልቀሰብ ፀሊም ብሪጣንያዊ ካብ ፒተርብራህ ከም ዝኾነ፡ ሰብመዚ ኣረጋጊፆም።

ንምንታይ ዕላማ ነዚ መጥቃዕቲ ከም ዝፈፀመ ግና ንፁር ኣይኰነን።

ፖሊስ መጓዓዝያ ብሪጣንያ (BTP)፡ እዚ ተግባር ምስ ግብረሽበራ ምትእስሳር ከም ዘይብሉ ገሊፁ። እቲ ውልቀሰብ መጥቃዕቲ ዝፈፀመሉ ካራ ኣብታ ባቡር ተረኺቡ'ዩ።

ፖሊስ ምስዚ መጥቃዕቲ ርክብ ኣለዎ ብዝብል ንሓደ ወዲ 35 ዓመት ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ዘውዓለ እንትኾን፡ ድሒሩ እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከም ዘይተሳተፈ ምስ ኣረጋገፀ ፈቲሕዎ።

ምክትል ዋና ኮንስታብል ስቱዋርት ካንዲ፡ "ምርመራና ብቅልጡፍ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብቲ ክስተት ዝተሳተፈ ካልእ ሰብ ንደልይ የለናን" ብምባል፡ እቲ ምርመራ ኣብቲ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ጥርጡር ጥራሕ ዘድሃበ ምዃኑ ሓቢሩ።

ካልእ ተወሳኺ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ንከይፍፀም ንምክልኻልን ተጓዓዝቲ ውሑሳት ንምግባርን፡ ኣብ ለንደን፣ በርሚንግሃም፣ ሊድስ፣ ዮርክን ማንችስተርን ሓዊሱ፡ ኣብ ቀንዲ መዕርፎታት ባቡር ክሳብ ሰሉስ ፖሊስ ተዋፊሮም ይርከቡ።

እቲ መጥቃዕቲ ንሕብረተሰብ ዘሰንበደ ኮይኑ፡ ብዙሓት ድማ ንትብዓት እቲ ሰራሕተኛ ባቡርን ተጓዓዝትን ኣፍልጦን ናእዳን ይህቡ ኣለዉ።

ዳይሬክተር ፖሊስ መጓዓዝያ ባቡር ብሪጣንያ ዴቪድ ሆርን ሓዘንኑን ስንባድኡን ብምግላፅ፡ "ፀሎትናን ሓሳብናን ምስቶም በቲ ክስተት ዝተጐድኡ እዩ፡ ብፍላይ ድማ ምስቲ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ዝርከብ መሳርሕርና" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ ንሰራሕተኛታት ህፁፅ ምላሽ ንዝዓመምዎ ስራሕ ከምኡ'ውን ነቲ ተባዕ ሽፈር (ገናሒ) እታ ባቡር ኣዛዚ 'ሓይሊ ባሕሪ ሮያል' ነበር ኣንድሪው ጆንሰን ኣመስጊኑ።

ኣንድሪው ጆንሰን ኣብ ኣሻቓሊ ኩነታት እንከሎ፡ ኣንፈት መስመር እታ ባቡር ብምቕያር፡ ኣገልግሎት ህፀፅ ምላሽ ክበፅሑ ብምግባር ዘደንቕ ስራሕ እዩ ሰሪሑ።

ኣሚራ ኦስታልስኪ

ምንጪ ስእሊ, Jo Black/BBC

ንኣሚራ ኦስታልስኪ ሓዊሱ ተጓዓዝቲ፡ ነቲ ዘናውፅ ህሞት፡ መፍርሒ ብምባል ይገልፅዎ።

ኦስታልስኪ ሓደ ናይ ክሽነ ዓብይ ካራ ዝሓዘ ሰብኣይ ኣብ ጥቓኣ ንዝነበረ ሰብ እንትወግኦ ርእያ እያ።

"ኣብ ቅድሚኡ ንዝረኸቦ ዝኾነ ሰብ ንምውጋእ ዕላማ ነይርዎ" ኢላ።

ካልእ ተጓዓዛይ ቶማስ ማክላክላን ድማ፡ ንናይ ተጓዓዝቲ ንካልእ ይጥዓሞ በሃላይነት ንኢዱ።

"ሓደ ሰብኣይ ንካልእቲ ሰገን ንምድሓን በቲ ኣጥቃዓይ ተወጊኡ። እዚ ኣብነት ልዕለይ ካልእ ይጥዓሞ'ዩ" ኢሉ።

እዚ ዘሕዝን ክስተት፡ ሰራሕተኛታት ባቡርን ተጓዓዝትን ብትብዓት ቅልጡፍ ምላሽ ክህቡ ዝደረኸ እንትኾን፡ ብዙሓት ሰባት እዚ ተባዕ ተግባሮም ተወሳኺ ሓደጋ ከየጋጥም ከም ዝገበረ ብምግላፅ፡ ናእድኦም ይገልፁ ኣለዉ።