ኣብ ተሳፋሮ ባቡር ብዝተፈጸመ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ብዙሓት ተጎዲኦም

እታ ባቡር ደው ምስ በለት፡ ብዙሓት ሰባት ብፍርሒ እናጎየዩ ካብታ ባቡር ክወርዱ ተራእዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ብባቡር ናብ ከምብሪጅሻየር ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ብዝተፈጸመ ናይ ካራ መጥቓዕቲ ሓያለ ሰባት ከምዝተጎድኡ ተገሊጹ።

ከምብሪጅሻየር ካብ ለንደን ንሸነኽ ሰሜን 80 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ'ያ።

በቲ ዝወረዶም ናይ ካራ መጥቓዕቲ ዓሰርተ ሰባት ናብ ሆስፒታል ክኣትዉ እንከለዉ ማህረምቲ ናይቶም ትሽዓተ ግን ከቢድን ንህይወቶም ኣስጋእን ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ መጥቓዕቲ ብኣቖጻጽራ እቲ ከባቢ ትማሊ ምሸት ሰዓት ሽዱሽት 25'ዩ ተፈጺሙ።

እታ ባቡር ኣብ ሃንቲንግዶን ደው ምስ በለት ክልተ ጥርጡራት ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ኣትዮም።

ቀዳማይ ምኒስተር ሰር ኪር ስታርመር በቲ ዝወረደ መጥቓዕቲ ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላጽ "ኣዝዩ ዘሻቕል" ክብል ገሊጽዎ።

ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ናይ ካራ መጥቓዕቲ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓዲ እንግሊዝ ጉዕዞ ባቢራት ከምዝተሰናኸለ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ሓደ ኣብታ ባቡር ዝነበረ ሬን ቻምበርስ ዝተብሃለ ተሳፋራይ ሓደ ተሳፋራይ "ካራ ሒዞም ኣለዉ ህደሙ" ኢሉ ዓው ኢሉ ምስ ተዛረበ ናብ ቅድሚት ባጎንታት እታ ባቡር ገጾም ክጎዩ ከምዝጀመሩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሬንን የዕርኹቱን ኣብ ውሽጢ እታ ባቡር ሓደ ሰብ ብኻራ ተሃሪሙ ዘልሓጥ ኢሉ ክወድቕ ከምዝርዩ'ውን ገሊጾም።

እታ ባቡር ኣብ ሃንቲግዶን ደው ምስ በለት ብዙሓት ፖሊስን ውሃብቲ ቀዳማይ ረድኤትን ነቶም ዝተሃረሙ ኣብ ምልዓልን ሰብ ካብታ ባቡር ቀልጢፉ ኣብ ምውጻእን ክጓየዩ ተርእዮም።

ካልእ ማክፍላርነ ዝተብሃል ሰራሕተኛ ገለርያታት ዓዲ እንግሊዝ'ውን፡ ብዙሓት ዝተሃረሙ ሰባት ካብታ ባቡር ክወርዱ ከምዝርኣየ ገሊጹ።

"ብፍላይ ሓደ ጻዕዳ ማልያ ገይሩ ዝነበረ ኩሉ ኣካላቱ'ዩ ብደም ተሸፊኑ ነይሩ" ኢሉ።

እቶም ካብታ ባቡር ብሰላም ዝወረዱ ተሳፋሮ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ምስ ኮነ ኣውቶቡሳት ተዳልየናሎም ብኣውቶቡስ ናብ ለንደን ከምዘምርሑ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ እቲ መጥቓዕቲ ዝሰዓበ ሞት ከምዘየለ ፖሊስ ክሕብር እንከሎ፡ ነቲ ፍጻመ ንምምርማር ሓይልታት ጸረ ግበረ ሽበራ ተዋፊሮም ምህላዎም ተሓቢሩ።

ሓደ ካልእ ኣብታ ባቡር ዝነበረ ናይ ዓይኒ ምስክር'ውን፡ ኣብታ ባቡር ፍጹም ሕንፍሽፍሽ ከምዝተፈጠረን፡ እቶም ዝተሃረሙ ብዓውታ ሓገዝ ይሓቱ ምንባሮምን ገሊጹ።

እዚ ኦለይ ፎስተር ዝተበሃለ ምስክር ኣብ መጀመርታ "ህደሙ ህደሙ ብኻራ ሰብ ይሃርሙ ኣለዉ" ዝብል ድምጺ ምስ ሰምዐ መጀመርታ ምስዚ መዓልቲ 'ሃለዊን' ኣተሓሒዞም ንዋዛ ኢሎም ዝተዛረብዎ'ዩ መሲልኒ ይብል።

ብድሕሪ እዚ ኦለይ ሰብ እናተደፋፈአ ክሃድም ምስ ርኣየ ንሱ'ውን ክሃድም ከምዝጀመረን፡ መዓስን ብኸመይን ከምዘተጸየቆ ከይተረድኦ የእዳዉ ብደም ከምዝተጸያየቐ ይገልጽ።

ብምስዓብ "ሓደ ዓቢ ሰብኣይ ሓደ ካራ ዝሓዘ ሰብ ንሓንቲ ንእሽተይ ቆልዓ ብኻራ ክወግኣ ምስ ፈተነ ተኸላኺሉላ ንሱ ግን ኣብ ክሳዱን ኣብ ርእሱን ተሃሩሙ" ኢሉ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ 2011 ክሳብ እዚ እዋን ብኻራ ዝፍጸም ገበናት ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ጸብጸባት መንግስቲ ይሕብሩ።

ነቲ ብምዕዛብ ሰር ኪር ስታርመር ነታ ብተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ናይ ካራ መጥቓዕትታት "ሃገራዊ ቅልውላው" ኢሉ ገሊጽዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 60 ሽሕ ካራታት ኣብ ኢድ ሰብ እንከሎ ብፖሊስ ከምዝተተሓዘ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ካራ ሒዝካ ምንቅስቓስ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ከእስር ዝኽእል ገበን'ዩ።

ቅድሚ ክልተ ወርሒ'ውን ኣብ ኣብ ማንቸስተር ብዝተፈጸመ ናይ ካራ መጥቓዕቲ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።