ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሰባት ይጠምዩ ዶ ?

ዓይነታት ምግቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሳልሳይ ዓለም ዝበሃላ፡ ሃገራት ኤስያን ኣፍሪቃን ብሰንኪ ድርቅን ውግእን፡ ዛዕባ ጥሜት ምስማዕን ምርኣይን ዘይንቡር ኣይኰነን።

ስለዚ፡ ኣብዘን ከባቢታት እቲ ሓደ ደቂ ሰባት ብቐጻልነት ዝቃለስዎ ተርእዮ እዩ።

እቲ ዝገርም ግን ጥሜት፡ ኣብታ ብዙሓት ዝሐሸ ናብራን ብልፅግናን ንክረኽቡ፡ ጕዕዞ ሞትን ሕየትን ሰጊሮም፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ዕቝባ ዝሓቱለን ሃገራት ሓንቲ ዝዀነት ዓዲ እንግሊዝ ተኸሲቱ ምባሉ እዩ።

ሲሶ ካብቶም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት፡ ኣብተን እኹል ጥዕና ዘለዎን መኣዛውን መግቢ ዘይርከበሉ ኣባይቲ ዓባይ ብሪጣንያ ይነብሩ ከምዘለዉ፡ ትካል ግብረ ሰናይ ትሩሰል ትራስት ይሕብር።

እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥሜት ከም ዘጋጠሞም ኣረጋጊጹ።

እቲ ትካል፡ ኣብ 2022 ዝገበሮ መጽናዕቲ ወሰኽ ከምዘሎ ዘመልክት ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ብዝሒ ንጥሜት ዝተቓልዑ ሰባት፡11.6 ሚልዮን ሰባት ነይሩ።

መንግስቲ "ነቲ ተቐባልነት ዘይብሉ፡ መዐደሊ ነጻ-ምግቢ ንምምካት ቈሪጹ ተላዒሉ" ኢሉ።

እቲ መጽናዕቲ ብኽልተ ደረጃታት ዝተኻየደ ኰይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ብኢፕሶስ (ናይ ዕዳጋ መጽናዕቲ ዝገብር ትካል)፡ ብስም እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ን4,427፡ ብዘይስሩዕ ንዓበይቲ ሰባት መሕተቲ ጽሑፋት ተበቲኑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካልኣይ መጽናዕቲ እውን ፡ ብኢፕሶስ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ኣብዚ ደረጃ፡ ናብ ነጻ-መዐደሊ-መግቢ ዝተላእኩ 3,866 ዓበይቲ ሰባት ብምሕታት ዝተገብረ እዩ።

ምስቶም፡ ናብ ማእከላት መዓደሊ-መግቢ ዝበጽሑን ዘይከዱን ግን ከኣ "ዘይውሕስነት መግቢ" ከምዘጋጠሞም ዝተለለዩ ሰባት'ውን ቃለ መሕትት ተገይሩ እዩ።

ውሕስነት መግቢ፡ ብመርበብ ዘይውሕስነት መግቢ ኣባይቲ ዓባይ ብሪጣንያ (ENUF) መግለጺ ዝተውሃቦ ኰይኑ፡ ንድሌታት ኣመጋግባን ዘማልእ መግቢ ዘይምርካብ ቀንዲ ምኽንያት ሕጽረት እኹል ገንዘብ እዩ።

እቲ መንግስታዊ ትካል፡ ሰኣን-ውሕስነት ምግቢ፡ "እኹል መግቢ ምርካብ ብዘይምኽኣልካ ምጭናቕ፡ ክሳብ ምሉእ መዓልታት ዘይምብላዕ" ዝበጽሕ እዩ።

ኣሃዛት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኣርባዕተ ህጻናት፡ ሓደ ውሕስነት መግቢ ኣብ ዘይብሎም ስድራቤታት ይነብር።

ኣብ ትራሰል ትራስት እትሰርሕ ሄለን ባርናርድ፡ ወለዲ "ድቃስ ይስእኑ ከምዘለዉን፡ ንጫማታት፡ ናይ ቤት ትምህርቲ መገሻታት፡ ንመብራህቲ ወይ ንስራሕ ንክፍሊት ኣውቶቡስ ብኸመይ ክኸፍሉ ምዃኖም ይጭነቑ" ከምዘለዉ ገሊጻ።

ወሲኻ፡ "ድሮ ብዘይ 'ነጻ-መግቢ' ብህይወት ክሓድሩ፡ ዘይክእሉ ህጻናት ፈጢርና ኣለና። እዚ ክቕየር ኣለዎ" ኢላ።

ሚስ ባርናርድ፡ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኬር ስታርመር ድኽነት ንምምካትን ንምውጋድን ዝኣተዎ መብጽዓ ማኒፌስቶ ብምውካስ፡ መንግስቲ ንውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ምላሽ ክህብ ጸዊዓ።

ወሃቢ ቃል ክፍሊ ስራሕን ጥሮታን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ብዘይካ'ቲ ብነጻ ናይ ቤት ትምህርቲ መግቢ ምንዋሕን፡እቶም ድኻታት ህጻናት ኣብ በዓላት ከምዘይጠምዩ ምርግጋጽን፡ ናትና ክፍሊ ሓይሊ ዕማም ድኽነት ህጻናት፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ሓደ ዓቢ ስትራተጂ ክዝርግሕ እዩ" ኢሉ።

"ብተወሳኺ ንዓውድታት ስራሕ ምሉእ ብምሉእ ምብርትታዕ፡ ነቲ ዝደኸመ ስርዓተ ድሕነት ምግቢ [welfare system] ምድልዳልን፡ ንሰባት ጽቡቕን ውሑስን ስራሕ ክረኽቡ ምግባር፡ ኵሉ ግዜ ድማ እቶም ዘድልዮም ሰባት መግቢ ንኽረኽቡ ንሰርሕ ኣለና።"

ካልእ ካብቲ መጽናዕቲ ዝተረኽበ ውጽኢት፡ ብዝሒ ናይቶም ስራሕ ካብ ዘለዎም ስድራቤታት፡ ናብ ነጻ መዐደሊ-መግቢ ዝኸዱ ሰባት ምውሳኹ ይርከቦ።

ኣብ 2022 ካብ ርብዒ ስድራቤታት፡ ኣብ 2024 ናብ ሲሶ ወሲኹ።

እቶም ኣብ ናይ ጉልበትን ኣገልግሎትን ስራሕ ዝሰርሑ ዝያዳ ዝተሃሰዩ ኰይኖም፡ ሰራሕተኛታት ክንክንን መራሕቲ ኣውቶቡሳትን፡ ገለ ካብቶም ንሓደጋ ጥሜት ዝያዳ ዝተቓልዑ እዮም።

ግን ድማ እዞም ስድራቤታት ሰባት ዘለዎም ምዃኖም እዩ ተገሊጹ።

ትሩሰል ትራስት፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቀንዲ ጠንቂ ጥሜት ስድራቤታት፡ ትሑት እቶት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ናብ ናጻ- መዐደሊ- መግቢ ዝውከሱ ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ንመግቢ፡ ንመጓዓዝያ ንኣገደስቲ ኣቝሑትን ካልኦት ወጻኢታትን ንምሽፋን ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሰሙን 104 ፓውንድ እየን ዝተረፋኦም።