እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢጣልያ፡ ጋዝ ተፈንጂሩ ብዝፈረሰ ገዛ ኣርባዕተ ኣባላት ስድራ ሞይቶም፡ ሓድሽ ውላድ ድሒኑ
ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ብዘጋጠመ ፍንጀራ ጋዝ ክልተ ንኣሽቱ ቈልዑ ዝርከብዎም ኣርባዕተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ሞይቶም።
ጥቓ ኔፕልስ ኣብ እትርከብ ከተማ ሳቪያኖ ዝርከብ ክልተ ደብሪ ዘለዎ ገዛኦም፡ በቲ ፍንጀራ ብኸፊል ዝፈረሰ ኰይኑ ሓደ ወድን ጓልን - ከምኡ'ውን ኣደኦምን ዓባዮምን ሞይቶም።
እቲ ኣቦን ሓደ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻንን ካብቲ ፍርስራስ ብህይወት ከምዝተረኽቡ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ኢጣልያ ገሊጾም።
እቲ ኣቦ ኣብ ሆስፒታል ኔፕልስ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ዝርከብ ኰይኑ እቲ ህጻን ዝበጽሖ መጕዳእቲ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከምዘይኰነ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ኢጣልያ ቪጂሊ ደል ፉኦኮ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቶም ወለድን ሰለስተ ቈልዑን ኣብ ሓደ ደርቢ ናይቲ ገዛ ይቕመጡ ከምዝነበሩን እታ ዓባዮም ምዃና ዝንገረላ ሰበይቲ ድማ ላዕለዋይ ደርቢ ትነብር ነይራ።
"መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ኣቦን ነቲ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻንን ብህይወት እንከለዉ ስለዝረኸብዎም ናብ ክንክን ናይቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣረኪቦምዎም፤ እቶም ክልተ ቈልዑ፡ ሓደ ወድን ጓልን፡ ግን ህይወቶም ሓሊፉ ስለዝጸንሖም ዋላ ሓንቲ ክገብሩሎም ኣይከኣሉን” ክብል ዘ ቪጂሊ ደል ፉኦኮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ሰብመዚ ዕድመ ናይቶም ዝሞቱ ህጻናት ከረጋግጹ’ኳ እንተዘይከኣሉ፡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ግን ኣርባዕተን ሽዱሽተን ከምዝዀኑ ሓቢረን።
እቲ ፍንጀራ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 07፡00 ከምዘጋጠመ ቪጂሊ ደል ፉኦኮ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል መጥፋእቲ ሓዊ ሉካ ካሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣባላት ህይወት ዘድሕኑ ሰባት ኣብ ግዜ ኣለሻ እቶም ግዳያት ብጥንቃቐ ከምዝገበርዎ ብምጥቃስ፡ ሓድሽ ሓደጋ ምፍራስ ከየጋጥም ብሰላሕታ ከምዝገበርዎ ኣሶሼትድ ፕረስ ጸብጺቡ።
ሞያዊ ክእለት ምሽታት ብዘለዎም ኣኽላባት ተሓጊዞም ዝንቀሳቐሱ ጕጅለታት ምድላይን ምድሓንን፡ ኣለሻ ኣደ ዓባይ ክሳብ ለይቲ ዝቐጸሉ ኰይኖም ሰዓት 01፡00 ከምዝረኸብዋ ድማ ሓቢሮም።
ጠንቂ ምፍራስ እቲ ህንጻ ንምፍላጥ መርመራታት ይቕጽል ኣሎ፤ እንተዀነ ቀዳሞት ክልሰ-ሓሳባት እቲ ገዛ ድሕሪ ምፍንጃር ጋዝ ከምዝፈረሰ ይሕብሩ።
ልዕሊ 60 ወለንተኛታት ሲቪላዊ ሓለዋ ኣብቲ ናይ ምድሓን ጻዕርታት ከምዝተጸንበሩ በዓል መዚ ዞባ ካምፓንያ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ።
ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ዘካፈሎ ምስልታት፡ ጕጅለታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ፍርስራስ ናይቲ ዝዓነወ ህንጻ ምሉእ ለይቲ ክሰርሓ ዘርኢ እዩ።
እቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተቐድሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኣብ ናሕሲ እቲ ህንጻ ክልተ ክፍተት ዘለዎም ቀዳዳት ከምዘርኣየን፡ እዚ ህንጻ ብኸፊል ከምዝፈረሰን ይሕብር።