ምስሕሓብ መጻብቦ ሆርሙዝ ንመትረብ ፓናማ ብኸመይ መድረኽ ግጭት ሓያላት ሃገራት ገይሩዎ?

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

እቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ቀጻሊ ኰይኑ ዘሎ ኲናት ኢራን፡ ንሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መስመራት ማይ ዓለም ኣብ ዝዘርገሉ ዘሎ እዋን፡ ብኣሽሓት ኪሎሜተራት ርሒቑ ዝርከብ ካልእ ስትራተጅያዊ ጸቢብ መስመር - መትረብ ፓናማ - ሓድሽ መድረኽ ጅኦፖለቲካዊ ምስሕሓብ ገይሩዎ ኣሎ።

እዚ ንኣትላንቲክን ሰለማውን ውቅያኖሳት ዘራኽብ ወሳኒ መስመር፡ ሕጂ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቻይናን ንዝተላዓለ ወጥሪ መጐሃሃሪ ኰይኑ ይርከብ።

እቲ ሓድሽ ምስሕሓብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ተቐልቂሉ።

ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መትረብ እናወሰኸ ዝመጽእ ንዘሎ ጽልዋ ቻይና ንዓለማዊ ንግድን ጸጥታን ስግኣት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቓ።

በይጂንግ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ዋሽንግተን ነቲ መስመር ማይ ንምቍጽጻር ከም ምስምስ ትጥቀመሉ ኣላ ክትብል ከሲሳ።

ኣብ መንጎ'ዚ ምስሕሓብ ሓያላት ሃገራት ዝተቐርቀረት ፓናማ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መትረብ ዘለዋ ልኡላውነት ደጊማ ብምርግጋጽ፡ እቲ መስመር ኵሉ ግዜ ገለልተኛ ኰይኑ ክቕጽል ምዃኑ ኣስሚራትሉ ኣላ።

መትረብ ፓናማ እንታይ እዩ፡ ብኸመይከ ይሰርሕ?

መትረብ ፓናማ፡ ካብ-ናብ ኣትላንቲክንን ሰለማውን ውቅያኖሳት ንምስጋር ዝተሰርሐ 80 ኪሎሜተር ንውሓት ዘለዎ ሰብ-ሰርሖ መስመር ማይ እዩ።

እዚ መትረብ መራኽብ፡ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ደቡብ ኣመሪካ ዝርከብ ኬፕ ሆርን ዙርያ ዝካየድ ነዊሕን ሓደገኛን ጕዕዞ ከወግዳ ብምግባር፡ ግዜን ወጻኢታትን ብዓቢዩ ይንክዮ።

መራኽብ ከከም ዓቐነን፡ ዓይነትን ዝጸዓንኦ ንብረትን መሕለፊ ክፍሊት ይኸፍላ፤ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ግብጺ ዝርከብ መትረብ ስወጽ ዝመሳሰል ኣገባብ ክፍሊት እዩ።

እቲ መትረብ መራኽብ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ንላዕሊ ናብ ቀላይ ጋቱን ንምጓዓዝ፡ ማይ ንምምላእን ንምፍሳስን ዘኽእል ኣገባብ መዕገቲ ማይ እዩ ዝጥቀም።

ሓንቲ መርከብ በቲ መትረብ ንምሕላፍ (ንኽትሰግር)፡ ካብ ቀላይ ጋቱን ከባቢኡ ዝርከቡ መኽዘናት ማይን ዝምንጭው ሚልዮናት ጋሎን ጽሩይ ማይ የድሊ። እቲ መትረብ ኣብዚ ቀረብ ማይ ዘለዎ ዓቢ ጽግዕተኝነት ድማ ንሳዕቤናት ደርቂ ተቓላዓይ ገይርዎ ኣሎ።

ደረጃ ማይ ኣብ ዝጐድለሉ እዋን፡ ሰበ-ስልጣን እቲ መትረብ መራኽብ ክጾራኦ ዝኸእላ ክብደት ብምቕናስ ንዓቕሚ እቲ መስመር ይገትእዎ እዮም።

ዋሕዚ መራኽብ ስለምንታይ ወሲኹ?

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ዝዓበየ ዓለምለኻዊ ማሕበር መጓዓዝያ ባሕሪ ዝዀነ ቢምኮ፡ ክሳብ መወዳእታ ግንቦት ኣብ ዝነበረ እዋን ብመትረብ ፓናማ ዝሓልፋ መራኽብ ብ8% ወሲኹ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ድሕሪ ምብራዕ ኲናት ኢራን ኣብ ዘለዉ ሓሙሽተ ሰሙናት፡ እቲ ዋሕዚ ብ16% ወሲኹ።

መጻብቦ ሆርሙዝ ሓደ ሕምሲት ዓለማዊ ንግዲ ነዳዲ ዝሓልፈሉ መስመር እዩ።

እቲ ኲናት ነቲ መስመር ኣጸጋሚ ምስ ገበሮ፡ እስያውያን ዓደግቲ ካብ ወሽመጥ ኣመሪካ ነዳዲ ክረኽቡ ተገዲዶም። እዚ ድማ መራኽብ ነዳዲ ብመትረብ ፓናማ ክሓልፋ ብምግባር ነቲ ጠለብ ኣንሂሩዎ ይርከብ።

እዚ ጽቕጥቕጥ ድማ ነዊሕ ግዜ ምጽባይን ክብ ዝበለ ክፍሊት ጨረታን ኣስዒቡ ኣሎ።

ፕሮፌሰር ስነ-ፍልጠት ፖለቲካ ኦርላንዶ ፔረዝ ከም ዝገለጾ፡ "ሆርሙዝ መትረብ ጸዓት እዩ፤ ፓናማ ድማ ንሓደ ዓቢ ቍጠባ ዝገልግል መትረብ ናይ ቀረብ እዩ። ክልተኦም ድማ ማዕረ ኣገደስቲ እዮም።"

ብተወሳኺ፡ እቲ መትረብ ብሰንኪ ለውጢ ከባብን ዋሕዲ ዝናብን (ኤል ኒኖ) ብዝተፈጥረ ደርቂ፡ ብሰንኪ ጽቕጥቕጥ መራኽብ ኣብ 2023 ዝነበረ ጸገማት ዳግም ከይለዓል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ታሪኽ እቲ መትረብን ስግኣት ኣመሪካን

ኣመሪካ ነቲ መትረብ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ-ዘመን ካብ እትሃንጾ ጀሚራ ክሳብ 1999 ባዕላ ተመሓድሮ ነይራ።

ብመሰረት እቲ ብ1977 ብፕረዚደንት ጂሚ ካርተር ዝተፈረመ ስምምዕ ቶሪጆስ-ካርተር ድማ ብ31 ታሕሳስ 1999 ምሉእ ቍጽጽር ናብ ፓናማ ተመሓላሊፉ።

እቲ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ምስሕሓብ ብዛዕባ ዋናነት እቲ መትረብ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ስትራተጅያዊ ጽልዋ እዩ።

ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝመደበሩ ኩባንያ ሲ-ኬይ ሁቺንሰን፡ ንወደባት ባልቦኣን ክሪስቶባልን ከመሓድር ጸኒሑ።

ዋላ እኳ እቲ ኩባንያ ኣብ ኣሰራርሓ እቲ መትረብ ቀጥታዊ ኢድ ኣይህልዎ፡ ኣመሪካ ግን ቻይና ኣብዚ ኣገዳሲ መስመር ጽልዋ ክህልዋ ብስግኣት ትርእዮ።

እዚ ወጥሪ እዚ ዝያዳ ዝገደደ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፓናማ እቲ ንኩባንያ ሲ-ኬይ ሁቺንሰን መሰል ዘውህብ ሕጊ ቅዋማዊ ኣይኰነን ኢሉ ድሕሪ ምውሳኑ እዩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እውን ቻይና ኣብ ፓናማ ዘለዋ ጽልዋ ኣመና ወሲኹ ክብል ብምግላጽ፡ ኣመሪካ ነቲ መትረብ ዳግም ክትቈጻጸሮ ከም ዘለዋ ሓቢሩ ነይሩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ብተወሳኺ፡ በይጂንግ ኣብ ወደባት ቻይና ንዝበጽሓ ብባንዴራ ፓናማ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ብምፍታሽ ሕነ ትፈዲ ኣላ ክብል ከሲሱ።

ምላሽ ቻይናን ቀጻሊ ኵነታትን

በይጂንግ ነቲ ክሲ "መሰረት ኣልቦ" ብምባል ነጺጋቶ ኣላ።

ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ሊን ጂያን፡ ንኣመሪካ ብታሪኽ ነቲ መትረብ ወሪራ ዝሓዘትን ልኡላውነት ፓናማ ዝጠሓሰትን ሃገር ምዃና ብምጥቃስ ወቒስዋ።

"ነቲ ገለልተኛ ክኸውን ዝግብኦ ዓለምለኻዊ መስመር ማይ፡ ናብ ርስታ ንምቕያር እትደሊ ሃገር መን ምዃና መልሱ ንጹር እዩ፡" ኢሉ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ዘተ ሕቡራት ሃገራት እውን፡ ኣምባሳደር ቻይና ፉ ኮንግ፡ ኣመሪካ እትፈጥሮ ዘላ ሓሶት ነቲ መትረብ ንምቍጽጻር ዝተሓልመ ምስምስ እዩ ክብል ገሊጹዎ።

ፕረዚደንት ፓናማ ሆሴ ራውል ሙሊኖ ብወገኑ፡ ልኡላውነት ፓናማን ገለልተኝነት እቲ መትረብን ካብ ኵሉ ዓይነት ጸቕጥታት ንምክልኻል ዘኽእል እንኮ መንገዲ ምዃኑ ገሊጹ።

ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወጥሪ ንዓለማዊ ንግዲ ማይ ስለ ዝጸለዎ፡ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ መትረብ ፓናማ ወሲኹ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቻይናን ዝነበረ ግጭት ድማ ኣጐሃሂርዎ ይርከብ።

ከም ፓናማ ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ኣብ መንጎ ምስሕሓብ ሓያላት ሃገራት ተቐርቂረን ሳዕቤን ናይቲ ግጭት ስከማ ተገዲደን ኣለዋ።