እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህወሓት፡ ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ቀራና መገዲ
ኣስታት ንፍርቂ ዘመን ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓብይ ግደ ዝጸንሖ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንኻልኣይ ግዚኡ ኣፍልጦ ተኸሊኡ'ሎ።
ቦርድ መረጻ ረቡዕ 6 ግንቦት2017 (ግእዝ) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብመሰረት እቲ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሕጋዊ ሰብነት እቲ ውድብ ከምዝተሰረዘ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ኲናት ትግራይ ሕጋዊ ስብነቱ ዝሰኣነ ህወሓት፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝቐረበ መፍትሒ ሓሳብ ምርድዳእ ብዘይምህላዉ መሊሱ ካብ ምዝገባ ተሰሪዙ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ መፈለምታ 2013፡ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ ህወሓት ኣብ ብዕጥቂ ኣብ ዝተደገፈ ቃልሲ ተዋፊሩ ብዝብል ካብ ምዝገባ ውድባት ፖለቲካ ሰሪዙ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።
እቲ ኲናት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብቂዑ ሰላም ምስተፈረመ ድማ ህወሓት ካብ መዝገብ ራዕዳዊ ጕጅለ ስለዝተናገፈ እቲ ውድብ ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሰሉ ሓቲቱ'ዩ።
በቲ ሓድሽ ኵነታት ንክምዝገብ ዝቐረበ ሓሳብ ብዘይምቕባሉ ከምኡ'ዉን ክማልኡ ዘለዎም መስርሓት ብዘይምፍጻሞም ዳግም ብ5 ግንቦት 2017 (ግእዝ) ካብ መዝገብ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ተሰሪዙ።
ቀጻሊ ዕጫኡ ዘይተፈልጠ ህወሓት፡ ብኸመይ ናብቲ ሕዚ ዘለዎ ደረጃ ክበጽሕ ክኢሉ ዝብል ቅድም ክንብል ዘሰናዳእናዮ ጸብጻብ እነሆ፤
ጥጅእ ህወሓት
ህወሓት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ሃይለስላሰ ወዲቑ ናብ ስርዓት ዝመጽአ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግ ስዒቡ'ዩ፡ ኣብ 11 ለካቲት 1967 (ግእዝ) ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ዝጀመረ ዘፍለጠ።
ዕጥቃዊ ቃልሲ ህወሓት ንክምስረት ኣሰር ዝዀኖ፡ ተመሃሮ ተጋሩ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዘጣየስዎ ማሕበረ ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ [ማገብት] ዝበሃል ዘይስሩዕ ውዳበ ነይሩ።
ማገብት፡ ብ1966 ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ብተመሃሮ ዝተወልዐ ዓመጽ ተጠቒሙ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጕጅለ ደርግ ነጺግዎ።
ማገብት ብ8 መናእሰይ ብሕቡእ እዩ ተመስሪቱ። እዞም መስረትቲ ደሓር ኣብ ምጅማር ምንቅስቓስ ህወሓት ልዑል ተራ ነይሩዎም።
እዚኦም፡ በሪሁ በርሀ [ኣረጋዊ በርሀ]፡ ፋንታሁን ዘርኣጽዮን (ግደይ)፡ ምሉጌታ ሓጐስ፡ እምባየ መስፍን (ስዩም መስፍን)፡ ኣመሃ ጸሃየ (ኣባይ ጸሃየ)፡ ዕቝባዝጊ በየነ፡ ኣለምሰገድ መንገሻን ዘርኡ ገሰሰ (ኣግኣዚ)ን እዮም።
እቲ ማሕበር፡ ህዝቢ ትግራይ ንዘመናት ዝበጽሖ ዝነበረ ብሄራዊ ወጽዓ ምሒዉ ንምድርባይ ብረታዊ ቃልሲ ከካይድ ድልው ምዃኑን ፖለቲካዊ መሪሕ ከም ዘድልዮን ወሲኑ።
ስለዝዀነ ድማ ዝተወሰኑ ኣባላቱ ምስ ተቓለስቲ ጕጅለታት ኤርትራ ዝነበሩ ጀብሃን ህዝባዊ ግንባርን ርክብ ንምፍጣር ናብ ኤርትራ ከይዶም።
ገሊኦም ድማ ኣብ ከተማታት ዝርከብ ህዝቢ ናብ ምውዳብ ተዋፊሮም።
ኣብ ፈለማ እቲ ቃልሲ፡ ንትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ምንጻል ዝብል ሕቶ 'ሪፖብሊክ' ተላዒሉ'ኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ኣጀንዳ ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ከም ዘይቀጸለ ነባራት መስረትቲ እቲ ውድብ ይዛረቡ።
ኣብ 1968 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ እቲ ዛዕባ 'ሓራ ትግራይ' ምምስራት ብኣብዝሓ ኣባላት ተነጺጉ፡ ካብ ኣጀንዳ'ውን ተኣልዩ። ስለዚ፡ ዓላማ እቲ ውድብ፡ ደርባዊ ቃልሲ ብምክያድ ውጹዓት ህዝብታት ሓራ ንምውጻእ ዝግበር ቃልሲ ምዃኑ ተሰማምዑ።
እንተዀነ፡ ንህወሓት ዝቃወሙ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምንጻል ዝተጣየሰ ውድብ ገይሮም ይስእልዎ።
ሕንፍሽፍሽን ብድሆታትን ህወሓት
ኣብ 1968 (ግእዝ) ህወሓት ንመጀመርታ ግዜ፡ ኣብ መንጎ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ምክፍፋል ዘጋጠሞ ኰይኑ፡ እዚ ድማ "ሕንፍሽፍሽ" እናተባህለ ይፍለጥ።
ኣብቲ እዋን ዝነበረ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ብኣግባብ ስለ ዘይተኣልየ፡ እቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝተወስደ ስጕምቲ ጸረ-ደሞክራስያዊ ከም ዝነበረ ክሳብ ሕጂ ዝዝክሩዎ ነባራት ተጋደልቲ ኣለው።
ድሕሪኡ፡ ኣብ 1977 ንኻልኣይ ግዜ ዝተፈጥረ ኣፈላለይ ከኣ ነባራት መራሕቲ፡ ተጋደልቲ ኣረጋዊ በርሀን ግደይ ዘርኣጽዮንን ካብቲ ውድብ ንኽሰናበቱ ምኽንያት ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ዝተገብረ ገምጋምን ምትእትታው ሓድሽ ወተሃደራዊ ሳይንስን፡ ብዙሓት ዝንእዱዎ እኳ እንተለዉ፡ እቲ ሽዑ ዝተኣወጀ ክንፊ ፖለቲካ ማሌሊት፡ ንውሽጣዊ ባህሪ'ቲ ውድብ ንሓዋሩ ከም ዝቐየሮ፡ ነባር ተጋዳላይ ገብሩ ኣስራት ኣብታ "ልኡላዊነትና ደሞክራሲ በኢትዮጵያ፡" ዘርእስታ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
ዴሳዊ ባህሪ ህወሓት ብ1983 ጀሚሩ ዘእኸለ እኳ እንተ መሰለ፡ ውሽጣዊ ባህርን ኣወዳድናን እቲ ውድብ ግን ከይተቐየረ ኣብቲ ህወሓት ዘማእዝኖ ዝነበረ ኢህወደግ'ውን 'ወያናይ ደሞክራሲ' ዝብል ንብዙሓት ዘካትዕ 'ሓድሽ' ክልሰ-ሓሳብ ሒዙ ክሳብ መወዳእታ ምቕጻሉን ይዝረብ።
ኣብ ኣጋ መወዳእታ ከኣ እቲ ስርዓት፡ 'ኣውራ ፓርቲ' ዝብል ካልእ ጕልባብ ተዋሂብዎ ነይሩ።
ህወሓት፡ ንሰውራታት (ወያነታት) ሩስያን ቻይናን ዝንእድ እኳ እንተ ነበረ፡ ከም መርሓ ግን ንቓልሲ ኣልባንያ እዩ ዝኽተል ነይሩ።
ሰውራታት ሩስያን ቻይናን ዝንእድ ዝነበረ ህወሓት፡ ከም መርሓ ናይታ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ብዙሕ ዘይትፍለጥ ዴሳዊ ስርዓት ኣልባንያ ይኽተል ነይሩ።
እንተዀነ፡ እቲ ውድብ ኣብ ኣጋ ምውዳእ ዝሑል ኲናት ስልጣን ስለ ሓዘ፡ ነጻ ዕዳጋ ክእውጅ ተገዲዱ ነይሩ።
ህወሓት፡ ኣብ 1993 ድማ ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነቱ ካልእ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኣጋጢሙዎ።
በዚ ክፍፍል፡ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዝነበረ መለስ ዜናዊ ዝመርሖ ጕጅለ ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ንኸም ብዓል ኣይተ ስየ ኣብርሃን ገብሩ ኣስራትን ዝኣመሰሉ ገዳይም መራሕቲ ካብቲ ውድብ ገሊፉዎም።
ድሕሪኡ፡ ብኣቶ መለስ ዜናዊ ዝምራሕ ጕጅለ ውድባውን መንግስታውን ስልጣን ብሒቱ ብምሓዝ ክሳብ ሕልፈት እቲ ቀዳማይ ምኒስትር ነበር ኣብ ውሽጢ ህወሓት፡ ኢህወደግን ሃገራዊ ጕዳያትን ብሕታዊ ወሳኒ ኣካል ኰይኑ ቀጺሉ።
ብፍላይ፡ ድሕሪ 1997 ዝተኣወጀ መርሓ 'ልምዓታዊ መንግስቲ'፡ እቲ 'ነጻ ዕዳጋ' ዝብል ጽንሰ-ሓሳብ እናሃሰሰ መጺኡ፤ ቍጠባውን ፖለቲካውን ጽልውኡ ናብ ቻይና ዘዘምበለ ኰይኑ ቀጺሉ።
እቲ ዝኸበደ ብድሆ
ሞት ርእሲ ህወሓት/ኢህወደግ ዝነበረ ኣቶ መለስ ዜናዊ ስዒቡ፡ እቲ ውድብ ሓያል መራሒ ስለ ዝስኣነ እናተዳኸመ ክመጽእ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣቦ መንበራት ክቐያይር ዝተርኣየሉ ግዜ ነይሩ።
ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ዝነቐለ ተቓውሞ ስዒቡ ድማ እቲ ልፍንቲ ውሽጣዊ ገምጋም ብምግባር ለውጢ ንምምጻእ ምስ ወሰነ፡ ህወሓት ተቘጻጺሩዎ ዝነበረ ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ ቀስ ብቐስ ክስእን ጀሚሩ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ መራሕቱ ጠቕሊሉ ናብ ትግራይ ግዒዙ።
ቀዳማይ ምኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ንኢህወደግ ንምቕያር ብዝወሰዶ ስጕምቲ ህወሓት ክሰማማዕ ስለ ዘይኽኣለ፡ ካብቲ ልፍንቲ ተነጺሉ ንብሕቱ ተሪፉ።
ህወሓት ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝኣተዎ ውጥጥ ምስ ተጋደደ ድማ ኣብ ሕዳር 2020 (ግእዝ) ናብ ኲናት ኣትዩ።
ኣመራርሓ እቲ ሰልፊ ዳግም ብረት ኣልዒሎም ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣትዮም።
እዚ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ደው ንምባል ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ግን፡ ኣብ መንጎ ኣመራርሓ እቲ ሰልፊ ዘይምቅዳውን ምክሳስን ክርአ ጀሚሩ።
እዚ ርኡይ ምክፍፋል ድማ እቲ ውድብ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ኣቶ ጌተቻው ረዳን ናብ ዝመርሑዎም ክልተ ጕጅለታት ክወርድ ገይሩዎ።
ኣብ መወዳእታ፡ ጕጅለ ደብረጽዮን፡ ብ2016 ኣብ ዘካየዶን ኣፍልጦ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣብ ዘይረኸበን ጉባኤ፡ ንኣቶ ጌታቸውን ካልኦት ብዙሓት ኣመራርሓን እቲ ውድብ ካብ ኣባልነት ሰጒጉ።
እዚ ራብዓይ ሕንፍሽፍሽ ህወሓት ክበሃል ይከኣል።
ኣፈላላያት ብኸመይ'ዩ ዝኣሊ?
ህወሓት፡ ኣብቲ ን17 ዓመታት ዝመርሖ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ኣንጻር ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ጥራሕ ኣይኰነን ዝዋጋእ ነይሩ።
ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመርሓሉ እዋን፡ ተመሳሳሊ ተቓውሞ ይገብሩ ምስ ዝነበሩ ኢዲዩ፡ ኢህኣፓን ካልኦት ጕጅለታትትን ዝነበሮ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብሓይሊ'ዩ ዝፈትሖ ነይሩ።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ መራሕቲ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ግንባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ (ግግሓት) ብምቕታል እቶም ተጋደልቲ ክጠፍኡ ከም ዝገበረ ይንገር።
ግን ድማ ኣንጻር ደርግ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት እናሰፍሐ ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር'ውን ክካየድ ምስ ጀመረ፡ ንዝተፈላለዩ ህዝብታት ይውክላ እየን ዝተባህለ ውድባት ብምትሕብባር ሓደ ግንባር ኣብ ምፍጣር ልዑል ተራ ነይሩዎ።
በዚ መሰረት፡ ንቓልሲ ህዝቢታት ኣምሓራ፡ ደቡብን ኦሮሞን ዝመርሑ ዝነበሩ ውዳበታት ብኣዴን፡ ዴኢህዴንን ኦህዴድን ብምውህሃድ ኢህወደግ ፈጢሩ።
ብህወሓት ዝምእዘን ዝነበረ ኢህወደግ፡ ስልጣን ደርግ ምስ ኣለየ ናይ ስግግር መንግስቲ ብምምስራት ብ1987 ዝጸደቐ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ንኻልኦት ብሄራት ኣፍልጦ ሂቡ'ዩ ዝብሉ ክህልዉ እንከለዉ፡ እቲ ስርዓት ንሓድነት ኢትዮጵያ ዕሽሽ ኢሉ'ዩ ብምባል ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።
መራሕቲ ህወሓት ብዓል መን ነይሮም?
እቲ ውድብ ኣብ 1967 ምስ ተመስረተ ንሓደ ዓመት፡ ስሑል ኣየለ መሪሕዎ።
ካብኡ ቀጺሉ፡ ናይ መጀመርታ ሒደት ዓመታት፡ ግዝያዊ ኣቦመንበር እቲ ውድብ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ'ዩ ነይሩ።
ካብ 1971 ክሳብ 1981 (ግእዝ) ከኣ ስብሓት ነጋ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኰይኑ መሪሑ።
ብድሕሪኡ ህወሓት፡ ካብ 1981 ኣትሒዙ ንልዕሊ 20 ዓመት ብቐዳማይ ምኒስተር መለስ ዜናዊ እዩ ተመሪሑ።
ቀጺሉ ኣብ 2004 ሃንደበታዊ ሕልፈት ኣይተ መለስ ዜናዊ ስዒቡ፡ ህወሓት ክሳብ መስከረም 2011 ዓ.ም ( ጥቅምቲ 2018) ብኣይተ ኣባይ ወልዱ ይምራሕ ነይሩ።
ህወሓት፡ ኣብ መበል 12 ጉባኤኡ ፡ ኣብ ውሽጡ ጸረ-ደሞክራስያዊነት አተሓሳስባ ከም ዝጠሓለ'ኳ እንተ ተኣመነ፡ ኣብ ኣመራርሓ ሓድሽ ለውጢ ኣየምጽአን።
ኣብ እዋን መሪሕነት ኣይተ ኣባይ ወልዱ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዘዐወቶ ዘጥፈኦ ይበዝሕ ተባሂሉ መስከረም 2011 ኣብ መበል 13 ጉባኤ ምስ ተገምገመ፡ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተተኪኡ።
ኣብቲ እዋን፡ 12 ነባራት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ካብ ማእከላይ ኮሚቴ ተሰናቢቶም።
ድሕሪ ቀጻሊ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ኣቦ መንበር ኢህወደግ ነበር ኣይተ ሃ/ማርያም ደሳለኝ፡ 'ኣይከኣልኩን' ኢሉ ስልጣኑ ብፍቓዱ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ ሚያዝያ 2018 ኣቢይ ኣሕመድ፡ ከም ኣቦ መንበር'ቲ እቲ ግንባር ተመሪጹ።
እቲ ብዶክተር ደብረጽዮን ዝምራሕ ህወሓት ግን ብደረጃ ሃገር ዝነበሮ ጽልዋ ተዳኺሙ ምንቅስቓሱ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ተሓጺሩ ተሪፉ።
ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ልዑል ጽልዋ ዝነበሮን ብዕድመ'ውን ነባር ካብ መንጎ ዝበሃሉን ሓደ ዝዀነን ህወሓት ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ናብ ሃገር ምምራሕ፡ ድሕሪኡ ድማ መሪሕነቱ ናብ ደረጃ ክልል ወሪዱ ኣብ መወዳእታ ተመሊሱ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣምሪሑ።
ድሕሪ'ቲ ደማዊ ኲናት፡ ህወሓት ካብ ዘጋጠሞ ምክፍፋል መሪሕነት ብዝሰገረ፡ ኣብዚ ግዜ`ዚ ድማ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ዝነበሮ ኣፍልጦ ስኢኑ፡ ሕጋዊ ሰልፊ ኰይኑ ንምንቅስቓስ ዘኽእሎ ደረጃ ስኢኑ ኣሎ።
እዚ ውሳነ`ዚ፡ ፍጻመ ናይቲ ን50 ዓመታት ዝቐጸለ ሰልፊዶ ይኸውን ዋላስ ዳግም ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዘንሳእርረሉ ካልእ ዕድል ክረክብ'ዩ?