ካቢነ እስራኤል፡ ኣብ ሊባኖስ ምቁራጽ ተዅሲ ክግበር ዝቐረበ ስምምዕ ንምዝታይ ክራኸብ'ዩ

ካቢነ ሚኒስተራት እስራኤል ምስ ዕጡቕ ጕጅለ ሒዝቦላህ ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ዝምልከት ግዝያዊ ምቁራጽ ተዅሲ ንኽግበር ክዘራረብ እዩ።

እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንመጀመርታ 60 መዓልታት ዝጸንሕ ኰይኑ፡ ምስሓብ ሓይልታት እስራኤል ካብ ሊባኖስ ዘጠቓልል ምዃኑ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ይሕብሩ።

ሕዝቦላህ ብወገኑ፡ ካብቲ ኣህጉራዊ ዶብ ንሰሜን ኣስታት 30 ኪ.ሜ ርሒቑ ካብ ዝርከብ ደቡባዊ ክፋል ሩባ ሊታኒ ጠቕሊሉ ክወጽእን ኣብቲ ከባቢ ሰራዊት ሊባኖስ ክሰፍሩ ከፍቅድን ክሰማማዕ ትጽቢት ይግበር።

ይኹን’ምበር፡ ሕጂ’ውን ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝካየድ ብርቱዕ ውግእ ይቕጽል እዩ ዘሎ።

ሰበስልጣን ሊባኖስ፡ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብውሕዱ 31 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ሕዝቦላህ ድማ ናብ እስራኤል ሮኬታት ከም ዝተኰሰን ገሊጾም።

ካቢነ ሚኒስተራት እስራኤል ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ ዝካየድ ኣኼባ ነቲ ስምምዕ ድምጾም ክህቡ ትጽቢት ይግበር።

ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እስራኤል ብምጥቃስ እቲ ኣኼባ ነቲ ብጽሑፍ ዝቐረበ ስምምዕ ምጽዳቕ ዝዓለመ ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ኣርባዕተ ላዕለዎት ምንጪታት ሊባኖስ ኣመሪካን ፈረንሳን - ንነዊሕ እዋን መሓዙት ሊባኖስ ኰይነን ዝጸንሓ - ኣብ ቀረባ እዋን ተዅሲ ደው ምባል ክእውጃ ትጽቢት ከም ዝግበር ሓቢሩ።

ብመሰረት ቻነል 12 እስራኤል፡ እቲ ክህሉ’ዩ ዝብሃል ስምምዕ፤

  • ክልቲኦም ወገናት ተዅሲ ደው ከብሉ
  • ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ንኣስታት 60 መዓልቲታት ኣብ ሊባኖስ ክጸንሕ
  • እዚ ሰራዊት ክወጽእ እንከሎ ድማ ብሰራዊት ሊባኖስ ክትካእ
  • ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብእስራኤል ዝተጐብጠ ዞባ ከይህሉ
  • ኣመሪካ፡ ንኣተገባብራ እቲ ተኵሲ ደው ምባል ንምክትታል ዝተመስረተት ኮሚቴ ሓሙሽተ ሃገራት ክትመርሖ
  • መንግስቲ ሊባኖስ ኣብታ ሃገር ንዝግበር ዕድጊን ምፍራይን ኣጽዋር ክከታተል

ብዘይካ’ዚ፡ ሕዝቦላህ ነቲ ስምምዕ እንተጢሒሱ፡ ኣመሪካ፡ እስራኤል ንሊባኖስ ናይ ምጥቃዕ መሰል ከም ዘለዋ ኣፍልጦ ዝህብ መግለጺ ከተውጽእ እያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ነቲ ስምምዕ "ብመትከል" ከም ዝተሰማምዓሉ ይንገር።

ምክትል ኣፈኛ ባይቶ ሊባኖስ ኤልያስ ቡ ሳብ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሕጂ "ናታንያሁ ሓሳቡ እንተዘይቀይሩ" ተዅሲ ደው ንምባል “ዘጸግም ማሕለኻ” ከም ዘየለ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ትማሊ ምሸት እቲ ዘተ “ብዓቢኡ ከም ዝሰጎመ” ብምግላጽ፡ እስራኤልን ሕዝቦላህን “ነዚ ዕድል ብቕልጡፍ ክጥቀሙሉ” ኣተሓሳሲቡ።

ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጆን ኪርቢ’ውን፡ “ኣብ ዝሓሸ ደረጃ በጺሕና ኣለና ኢልና ንኣምን፤ ግን ኣብ መወዳእታ ኣይበጻሕናን” ኢሉ።

ሕሉፍ የማናዊ ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ኢታማር ቤን-ግቪር ግን ኣንጻር እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ምቁራጽ ተዂሲ ተዛሪቡ።

እስራኤል ክሳብ “ፍጹም ዓወት” እትረክብ ነቲ ኲናት ክትቕጽሎ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ናታንያሁ “ነዚ ስምምዕ ደው ንምባል ኣይንጐኻን''፡ ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ሰብመዚ ሊባኖስ ዝዀነ ይኹን ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ብውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት 1701 ጥራይ ዝድረት ክኸውን ከም ዘለዎ ተዛሪቦም። እዚ፡ እቲ ብ2006 ዓ.ም ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ዝተኻየደ ኲናት ደው ክብል ዝገበረ ውሳነ’ዩ።

እቲ ውሳነ፡ ዕጡቓት ሕዝቦላህ ካብቲ ወግዓዊ ዘይኰነ ዶብ ሊባኖስን እስራኤልን - ከምኡ’ውን ካብቲ ምስ እስራኤል ዘሎ ዶብ ኣስታት 30 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ሩባ ሊታኒን ዝርከብ ከባቢታት ክስሕቡ ዘጠቓልል’ዩ።

እስራኤል እዚ ሙሉእ ብምሉእ ተኸቢሩ ኣይፈልጥን ክትብል እንከላ፡ ሊባኖስ ድማ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መሬት ሊባኖስ እትፍጽሞ ጥሕሰት ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ሊባኖስ እትገብሮ ወተሃደራዊ በረራታት ከም ዘጠቓልል ትገልጽ።

ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ዝካየድ ዘሎ ድርድር ሕጂ ፍረ ዝርከቦ’ኳ እንተመሰለ፡ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምቁራጽ ዝግበር ጐናዊ ዝርርብ ግን ንኣዋርሕ ዝዀነ ውጽኢት ኣይተርኣዮን።

ኣብዚ ወርሒ፡ ቀጠር ካብቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ካልኦት ሚሊሻታት ፍልስጤምን ዝግበር ዝነበረ ዝርርብ ዝነበራ ተራ ስሒባ።

እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሊባኖስ ዝሓለፈ ዓመት 8 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም ዝጀመረ ኰይኑ፡ ሕዝቦላህ ንሓማስ ንምድጋፍ ናብ እስራኤል ሮኬት ብምትኳሱ ዝስዓበ ምዃኑ ይዝከር።

እስራኤል፡ ዕላማ እቲ እተካይዶ ዘላ ውግእ ካብ ሰሜናዊ እስራኤል ዝተመዛበሉ ኣስታት 60 ሽሕ ነበርቲ ንክምለሱ ከም ዝዀነ እያ እትገልጽ።

ኣብ ወርሒ መስከረም” እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲታት መብዛሕትኡ ትሕተ ቅርጽን ኣጽዋራትን ሕዝቦላህ ብምዕናው መራሒኡ ሓሰን ናስራላን ካልኦት ላዕለዎት ሰባትን ቀቲላ።

ኣብ ሊባኖስ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ልዕሊ 3,750 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብውሕዱ 15 ሽሕን 600 ድማ ከም ዝቘሰሉ ሰብ መዚ ሊባኖስ ገሊጾም።

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።