እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምምሕዳር ባይደን ኣብ ዶባት ንሓተትቲ ዑቕባ ዘጸግም ጽኑዕ እማመ ኣቕሪቡ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ገደብ ኮቪድ ምስ ተላዕለ፡ ስደተኛታት ዑቕባ ንምሕታት ዝያዳ ዘጸግሞም ውጥን ኣቃሊዑ።
ንብዙሓት ሓተትቲ ዑቕባ ቅድሚ ናብ ኣሜሪካ ምብጽሖም፡ ምስ ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣኼባ ንምሓዝ ወይ ድማ መጀመርታ ኣብ ካልእ ሃገር ዀይኖም ዑቕባ ንምሕታት መተግበሪ ክጥቀሙ ይጠልብ።
ነዚ ብዘይምኽባር፡ ስደተኛታት ብድሕሪኡ ናብ ዶብ እንተበጺሖም ብቑዓት ከም ዘይኰኑ ይገብሮም።
ደገፍቲ ስደተኛታት ዝዀኑ ጉጅለታት፡ ነቲ ውጥን ምስቲ ኣብ ዘመነ ትራምፕ ዝነበረ ፖሊሲታት ኣመሳሲሎምዎ።
እዚ ብሰሉስ ዝቐረበ እማመ፡ ክሳብ ሕጂ ብሚስተር ባይደን ዝተኣታተወ ስደተኛታት ንምንካይ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምምሕዳር ንላዕሊ ንቅልውላው ዶባት ዝያዳ ሰብኣዊ ኣቀራርባ ክግበር ቃል ብምእታው ናብ ስልጣን ዝመጽአ ዲሞክራት እዩ።
እቲ ዝቐረበ ሕጊ ንዓበይትን ስድራቤታትን ጥራይ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ ኣላዪ ንዘይብሎም ህጻናት ግን ኣይምልከትን።
ብመሰረት እቲ ውጥን፡ ስደተኛታት ኣብ ዶብ ምስ በጽሑ ምስ ሓደ በዓል ስልጣን ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ንምዝርራብ ቆጸሮ ንምሓዝ ናይ ቴሌፎን መተግበሪ (ኣፕ) ክጥቀሙ ክግደዱ እዮም።
እቶም ቆጸሮ ዘየትሐዙ ግን ኣብተን ካልኦት ሓሊፎምወን ዝመጽኡ ሃገራት ንዑቕባ ብቑዓት ኰይኖም ከም ዘይተረኽቡ ይግመት።
እቲ እማመ - ብሚኒስትሪ ውሽጣዊ ድሕነት ኣመሪካን ክፍሊ ፍትሕን ብሓባር ዝወጽአ ኰይኑ- እቶም ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ብቕልጡፍ ክስጎጉ ዝገብር እዩ።
እቲ ውጥን 11 ግንቦት 2023 ክጸድቕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዀይኑ፡ እንተድኣተፈቒዱ ድማ፡ ‘ታይትል 42’ - ብዝብል ዝፍለጥ ኣብ ዘመነ ትራምፕ ዝነበረ ስደተኛታት ናብ ሜክሲኮ ክጥረዙ ዝፈቅድ ህጹጽ ጥዕናዊ ድንጋገ - ተግባራዊነቱ ከብቅዕ እዩ።
ፖሊሲ ባይደን ንኽልተ ዓመት ኣብ ቦትኡ ዝጸንሕ ኰይኑ፡ ክናዋሕ ተኽእሎ ክህልዎ እዩ።
ማሕበር ሲቪላዊ ሓርነታት ኣሜሪካ (ACLU) እቲ ሕጊ ንሓዋሩ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ንምዕጋት ክኸስስ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ትካል ነቲ ውጥን ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ብፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝወሰዶ ስጉምትታት ብምንጽጻር፡ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዘይሕገ መንግስታዊ ምዃኑ ከም ዝተረጋገጸ ዝዝከር እዩ።
ኦክስፋም ኣሜሪካ ብወገኑ፡ "እዚ ሰፊሕ እገዳ ዑቕባ ኣብ ኣሜሪካ ድሕነትን ሓለዋን ንዝደልዩ ማእለያ ዘይብሎም ስደተኛታት ዝዓግት'ዩ" ኢሉ።
ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ግን፡ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ምምሕዳር እዚ ብሰንኪ ኮንግረስ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ፡ ኣብ ዶባት ህውከትን ዕግርግርን ክካየድ ኣይፈቅድን'ዩ" ኢሉ።
ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ረቂቕ እማመ ርእይቶ ክህብ 30 መዓልታት ኣለዎ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ኣስታት 200 ሽሕ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ከም ዝፍትኑ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጽኡ መዛግብቲ መንግስቲ ይሕብሩ።