ስድራ ማልኮም ኤክስ ንኤፍቢኣይ፣ ሲኣይኤን ንፖሊስን ክኸሱ’ዮም

ጓል እቲ ዝተቐትለ ጸሊም ተጣባቒ ሲቪላዊ መሰላት ማልኮም ኤክስ ኣብ 1965 ንዝተፈጸመ ቅትለት ኣቡኣ፡ ንክፍሊ ፖሊስ ከተማ ኒውዮርክን ካልኦት ትካላትን ትኸስስ ከም ዘላ ገሊጻ።

ኢልያሳ ሻባዝ፡ ሰብመዚ ኣሜሪካ ንኣቡኣ "ንምቕንጻል ውዲት ምእላሞምን ነቲ ቅትለት ምፍጻሞምን" ዝገልጽ መርትዖታት ከም ዝሓብኡ ትዛረብ።

ንሳ፡ ልክዕ ቅድሚ 58 ዓመታት ኣብቲ ማልኮም ኤክስ ብጥይት ዝተሃርመሉ ቦታ ኰይና እያ እቲ ዝተሓሰበ ሕጋዊ ስጉምቲ ወግዓዊ ገይራ።

ኣብ መዝገብ እቲ ክሲ ኤፍ.ቢ.ኣይን ሲ.ኣይ.ኤን እውን ስሞም ከም ዝተጠቕሰ ሓደ ጠበቓ ገሊጹ።

ጓል 60 ዓመት ሻባዝ፡ ኣቡኣ ብጥይት ክቕተል እንከሎ ጓል ክልተ ዓመት እያ ነይራ። ማልኮም ኣብ ኣዳራሽ ሃርለም መደረ ከስምዕ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን ሰለስተ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊኡ 21 ግዜ ጥይት ተኲሶም።

ኣብዚ እዋን እቲ ስፍራ ናብ ቤተ መዘክር ተቐይሩ እዩ።

"ስድራና፡ ንዓመታት፡ ብዛዕባ ቅትለቱ ዝምልከት ሓቂ ክገሃድ ተቓሊሶም እዮም" ኢላ።

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነታ ስድራቤት ዝውክል ዘሎ ጠበቓ ቤንጃሚን ክራምፕ ኣብ መንግስቲ ኣሜሪካ ሓያላት ሰባት ንማልኮም ኤክስ ንምቕታል ውዲት ከም ዝኣለሙ ከሲሱ።

ኣብ ምሉእ መደረኡ ድማ ሽም ዳይረክተር ኤፍ.ቢ.ኣይ ነበር ጄ ኤድጋር ሁቨር ጠቒሱ።

ጠበቓ ክራምፕ፡ ስድራቤት ማልኮም ኤክስ ብክሲ ጌጋ ሞት፡ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ካሕሳ ክሓቱ ምዃኖም ሓቢሩ።

"ብዛዕባ እቶም መበገሲ ዝዀኑ ሰባት ጥራይ ኣይኰነን፤ ብዛዕባ እቶም ነዚ ጽዩፍ ተግባር ንምፍጻም ምስቶም መበገሲ ዝዀኑ ሰባት ነዚ ውዲት ዝኣተዉ እውን'ዩ።"

ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኒውዮርክ (ኤንዋፒዲ) ኣብ ዙርያ ኣብ መስርሕ ዘሎ ክሲ ርኢይቶ ከም ዘይህብ ገሊጹ።

ኤፍ.ቢ.ኣይን ሲ.ኣይ.ኤን ንዝቐረበሎም ሕቶ ብቕጽበት መልሲ ኣይሃቡን።

ማልኮም ኤክስ ቅድሚ ብሕርቃን ካብቲ ትካል ምፍንጫሉ፡ ወሃቢ ቃል ናይቲ ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ምግንጻል ዝጣበቕ ዝነበረ ‘Nation of Islam’ እዩ ነይሩ።

ወዲ 39 ዓመት እንከሎ ተቐቲሉ። ሓደ ኣባል ኔሽን ኦፍ እሰላም ከም ዝቐተሎ ተናዚዙ ነይሩ።

ኣብ 2021፡ ካልኦት ክልተ ብቕትለት ማልኮም ተፈሪዶም ዝነበሩ ሰባት ፍርዶም ውዱቕ ተገይሩ እዩ።

ዋና ኣኽባር ሕጊ ኒውዮርክ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ነቶም ውልቀሰባት ካብቲ ቅትለት ናጻ ክገብሮም ዝኽእል ዝነበረ መርትዖታት ከም ዝሓብኡ ድሕሪ ምርግጋጹ እቶም ክልተ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ነጻ ተባሂሎም።

ስድራቤት እቶም ብጌጋ ዝተፈርዱ ሰብኡት ድማ፡ ካብ ከተማ ኒውዮርክ 26 ሚልዮን ዶላር፣ ካብ ግዝኣት ኒውዮርክ ድማ 10 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ሓቲቶምም ተዓዊቶም እዮም።