ሶማልያ፡ ንሰለስተ ብጾቱ ዝቐተለ ዩጋንዳዊ ወተሃደር

ትማሊ ሰኑይ፡ ሓደ ኣብ ሶማልያ ዝተዋፈረ ዩጋንዳዊ ወተሃደር ንሰለስተ ብጾቱ ብጥይት ቀቲሉዎም።

ነቲ ኣብ ርእሰከተማ ሞቓዲሾ ዝተፈጸመ ቅትለት ንምጽራይ መርመራ ተጀሚሩ'ሎ።

እቲ ወተሃደር ኣባል ናይቲ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዝርከብ መሰጋገሪ ሓይሊ ሕብረት ኣፍሪቃ (ኣትሚስ) ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ቅትለት ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ቀንዲ መዓስከር ወተሃደራት ዩጋንዳ ከምዝተፈጸመ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣፈኛ ሰራዊት ዩጋንዳ፡ ፈሊክስ ኩላይግየ፡ እቲ ፍጻመ ከምዘጋጠመን እቲ ወተሃደር ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወን ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ እቲ እንታይ ከምዝደፋፍኦ ዘይተፈልጠ ወተሃደር፡ ንቕድሚኡ እናተኮሰ፡ ፈለማ ንሓደ ኣብ ኣፍልቡ ሃሪምዎ።

በቲ ተዂሲ ዝሰምበዱ ካልኦት ወተሃደራት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ መዓስከር መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ መሲልዎም ነይሩ።

ሓደ ካብኦም ነቲ ኩነታት ንምርግጋጽ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ብሰለስተ ጠያይቲ ኣብ ርእሱ ተሃሪሙ ተቐቲሉ።

እቲ ሳልሳይ ድማ እናሃደመ እንከሎ ብድሕሪኡ ተሃሪሙ ወዲቑ።

ካልእ ወተሃደር፡ ብሰላሕታ ናብቲ ዝትኩስ ዝነበረ ብጻዩ ብምቕራብ ብረቱ ምስ ኣሕደጎ'ዩ እቲ ቅትለት ኣቋሪጹ።

ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ዩጋንዳ ድሕሪ ሓያለ ዓመታት'ዩ ዘጋጥም ዘሎ።

ኣብ 2019፡ ሓደ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዝነበረ ኣባል ሰራዊት ዩጋንዳ ዝነበረ ካፕቴን ንሓደ ብጻዩ ድሕሪ ምቕታሉ ርእሰቅትለት ፈጺሙ ነይሩ።