ቴን ሃግ፡ ልደት ራሽፎርድ 'ቅቡልነት የብሉን' ክብል ነቒፉ

ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኤሪክ ቴን ሃግ፡ ጋንትኡ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ዝነበረ ደርቢ ድሕሪ ዘጋጠማ ስዕረት፡ ማርከስ ራሽፎርድ ልደት ምኽባሩ ቕቡል ኣይኰነን ኢሉ።

ማርከስ ራሽፎርድ፡ እታ ጋንታ ኣብ ሜድኣ ብማንቸስተር ሲቲ 3-0 ምስ ተስዓረት ድሕሪ ሰዓታት ልደቱ ከኽብር ተራእዩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተጸንበለ ምድላው ልደት ኣቐዲሙ ዝተትሓዘ መደብ እዩ ነይሩ።

ዋላ’ውን፡ ንዩናይትድ ‘ዘሕፍር’ ዝተባህለ ስዕረት ኣብ ስታድየም ኦልትራፈርድ እንተኣጋጠማ፡ ራሽፎርድ ካብቲ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ድግስ ኣይተረፈን።

ኣሰልጣኒ ቴን ሃግ፡ “እዚ ቅቡል ኣይኰነን፤ ብዛዕባ እቲ ናይ ልደት ምድላው ሰሚዐ’የ። ብዛዕብኡ ኣውጊዕና ክኣ ይቕሬታ ሓቲቱ’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 26 ዓመት ዝመልኦ ራሽፎርድ ብምኽንያት እቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ክቕጻዕ ድዩ ብዛዕባ ዝብል ግን ቴን ሃግ ኣይተዛረበን።

ይኹን’ምበር፡ ብምኽንያት ተግባሩ ምስታ ጋንታ ካብ ምጽዋት ከም ዘይተኸልከለ ተዛሪቡ።

ራሽፎርድ፡ ናይ ልደት በዓሉ ምስ ኣኽበረ ሰኑይ ንጕሆ ኣብ ሰዓቱ ኣብ ናይ ልምምድ ቦታ ክርከብ ክኢሉ እዩ።

ማንቸስተር ሲቲ ብሃላንድን ፎደንን ተሓጊዛ ንዩናይትድ ከም ዝስዓረታ ይዝከር።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ዩናይትድ እቲ ጸወታ ቅድሚ ምውድኡ ካብ ስታድየም ክወጽኡ እንከለው፡ እዚ እታ ጋንታ ዘላቶ ቅልውላው ዘርኢ’ዩ ተባሂሉ።

ፋሽፎርድ ብኣሰልጣኑኡ ክንቀፍ እዚ ናይ መጀመርታኡ ኣይኰነን።

ኣብ ድሮ ዝሓለፈ ሓድሽ ዓመት፡ ኣብ ኣኼባ እታ ጋንታ ዘንጊዑ ድሕሪ ምምጽኡ ዩናይትድ ኣብ ዎልቭስ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ፕሪምየርሊግ ኣብ ተቐያሪ ከፍ ኢሉ ተራእዩ ነይሩ።

ኣጥቃዓይ ራሽፎርድ ተቐይሩ ምስ ኣተወ ድማ እታ ጋንታ ዝተዓወተትሉ ሸቶ ኣቝጺሩ።