ዙር ርዋንዳ 2024፡ ሎሚ መጋረጅኡ ይቕንጥጥ ኣሎ - ኣብ ዙር ርዋንዳ ካብ ዝተመዝገቡ ክብረወሰናት ገሊኡ

መበል 16 ዙር ርዋንዳ ሎሚ ኣብ ከተማ ኪጋሊ ብዝካየድ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር መጋረጅኡ ይቕንጥጥ ኣሎ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ኪጋሊ ዝለአኸልና ጸብጻብ እነሆ።

ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ታሪኽ ዙር ርዋንዳ ንመጀመርታ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዓይነት ውድድር ኰይኑ፡ ብፈሉይ ኣብ ናይ ግዜ ኣብ ናይ ጋንታን ዘይጽብጸብ በይኑ ውድድር ኰይኑ ክተሓዝ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

እዚ ዝተገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት ጋንታታት ዝተፈላለያ ዓይነታት ብሽክለታ ሒዘን ስለዝመጽኣ ኣብ ሞንጎ ጋንታታት ብሰንኪ ጉድለት ናይ ብሽክለታ ገፊሕ ጋግ ንከይህሉ ብምሕሳብ ከምዝዀ ኣዳለውቲ እቲ መደብ ገሊጾም።

ንኣብነት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንክሮኖሜተር ዝዀና ብሽክለታ ከምዘይብላን እቶም ተቐዳደምቲ’ውን ብናይ ገዛእ ርእሶም ብሽክለታ ይወዳደደሩ ከምዘለዉ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ገሊጾም።

በዚ መሰረት ኣብ ናይ ሎሚ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወጽአ ጋንታታት ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን ክወስዳ’የን፤ ንጋንታን ንብጫ ማልያን ዝቁጸር ግዜ ካብ ካልኣይ መድረኽ’ዩ ክጅመር።

ብሓፈሻ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ፈረንሳ ኣርባዕተ ግዜ ንቱር ዲ ፍራንስ ዝተዓወተሉ ክሪስ ፍሩም ሓደ ካብቶም ኣብዚ ውድድር ዓቢ ኣቓልቦ ዝተውሃቦምን ኣዒንቲ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ስሒቡ ዘሎን ተቐዳዳማይ'ዩ።

ምስ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ዝወዳደር ክሪስ ፍሩም ዓሚ'ውን ምስታ ጋንታ ብምዃን ኣብዚ ውድድር'ኳ እንተተሳተፈ፡ ኣብራኹ ንስካቶታት ብዓል ሄኖክ ሙሉብርሃን ክጻወራ ኣይክኣላን።

ኣብ ብጫ ማልያ ካብቲ ንውድድሩ ብ28 ሰዓታት 58 ደቂቕን 1 ካልኢትን ብምውዳእ ዕዉት ብጫ ማልያ ዝዀነ ሄኖክ ሙሉብርሃን ብ28 ደቂቕን 35 ካልኢትን ድሒሩ መበል 28 ካልኢትን መበል 24 ኮይኑ'ዩ ውድድሩ ዛዚሙ።

ክሪስ ድሩም ትማሊ ምሸት ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ኣብ እምባታት ጣልያን፡ ስጳኛን ፈረንሳን ዝሓፈሶ ዓወት ኣብታ 'ሃገረ ኣእላፍ እምባታት' ተባሂላ ትጽዋዕ ርዋንዳ ንኽደግሞ ምስ ጋንትኡ ድሉው ከምዘሎ'ዩ ገሊጹ።

ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ 2.1 መዐቀኒ ምስ በረኸ ቀዳማይ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እቲ ውድድት ክኸውን ዝኸኣለ መርሃዊ ቅዱስ ብወገኑ፡ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ጎኒ ክሪስ ፍሩም ኰፍ ኢሉ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ነቲ ኣብ ርዋንዳ ዝለመደቶ ዓወት ንምድጋምን ክብራ ንምዕቓብን ድልውቲ ከም ዘላ ገሊጹ።

ካብዞም ሎሚ ዓመት ብጫ ማልያ ንምውሳድ ኣብ 20 ጋንታታት ዝወዳደሩ ዘለዉ 100 ተጻወትቲ እቶም ሸሞንተ ኣብ ናይ ዓለምና ከቢድ ጸወታ ዝብሃል ቱር ዲ ፍራንስ ተጻዊቶም ዝፈልጡ'ዮም።

ክሪስ ፍሩም ዓሰርተ ግዜ፡ ጁልያን ሳይሞን ሸሞንተ ግዜ፡ ፔር ላቶር ሓሙሽተ ግዜ፡ ጽጋቡ ግርማይ ሰለስተ ግዜ፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ፓውል ኦሰሊንን ፋብያን ዶብሊን ከኣ ነፍሲ ወከፎም ሓሓደ ግዜ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ተወዳዲሮም።

እዚ ከኣ ዙር ርዋንዳ ንኣፍሪቃውያን ጥራይ ዘይኮነ ንኩሎም ተቀዳደምቲ ዓለምና ክጻወትዎ ዝሓልምዎ ውድድር ምዃኑ ዘርኢ'ዩ።

እታ ንቻምፕዮና ዓለም 2025 ንምእንጋድ ፈላሚት ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን ተሓርያ ኣብ ምድላው ዘላ ርዋንዳ ኸኣ፡ ንጽፉፍነት ናይቲ ውድድር ርኢኻ እዚዶ በዚሕዋ ዘብል'ዩ።

ሎሚ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ከኣ ንገለ እቲ ሻምፕዮና ዓለም 2025 ዝካየደሉ ጽርግያ ሒዙ'ዩ ተኻይዱ።

ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 18 ኪሎሜተር ብዝሽፍና ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ጀሚሩ ንኹለን ዞባታት እታ ሃገር ብምርጋጽ 750 ኪሎሜተር ብምሽፋን ኣብ ኪጋሊ ክዛዘም'ዩ።

ኣብ ዙር ርዋንዳ ተሰኒዶም ዘለዉ ክብረ ወሰናት

ዙር ርዋንዳ ኣብ 2009 ብዩሲኣይ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ውድድር ከካይድ ካብ ዝጅምር ንደሓር ብሓፈሻ ብናይ 1209 ተቐዳደምቲ ተሳታፍነት 754 ዝተፈላለዩ ተቐዳደመቲ ኣብዚ ውድድር ተጻዊቶም እዮም።

ኣብ 2024 ዙር ርዋንዳ፡ ርዋንዳ 14 ተጻወትቲ፡ ቤልጂም 11 ተጻወትቲ፡ ኤርትራ 11 ተጻወትቲ ፈረንሳ 8 ተጻወትቲ ኢትዮጵያ ከኣ 7 ተጻወትቲ ብምስታፍ ብቕደም ተኸተል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓሙሻይ ተሰሪዐን ኣለዋ።

ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰሎሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንመርሃዊ ቅዱስ፣ መትከል እዮብ፣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፣ ናሆም ዘርኣይን ያፌት ሙሉጌታን ኣሰሊፋ ነቲ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዘለዋ ዓብላልነት ንምርግጋጽ'ያ ትወዳደር ዘላ።

ብዘይካ እዞም ሓሙሽተ፡ ሻምፕዮን ኤርትራ 2021 ዳዊት የማነን ዩኤል ሃብተኣብን ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ይሳተፉ ኣለዉ።

ቻምፕዮን ኤርትራ 2023 ዓወት የማነ’ውን ምስታ ብኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ዝቖመት ጋንታ ናይ ዩሲአይ ብምዃን ብባንዴራ ኤርትራ ዝወቀበት ማልያ ገይሩ ክወዳደር’ዩ።

ምስታ ብኤርትራዊ ብዓለ ጸጋ እትውነንን ብኣኽሊሉ ሃይለ እትስልጥንን ኮንቲነታል ጋንታ መይስታርስ ከኣ ኤርትራዊ ዳዊት ተወልደብርሃን ክውዳደር'ዩ።

ካብ 2009 ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ ብሓፈሻ 226 ተጻወትቲ ከተሰልፍ እንከላ ፈረንሳ ብ99 ኤርትራ ከኣ ብ93 ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኣለዋ።

ርዋንዳዊ ጀያን ቦስኮ ኣብ ዙር ርዋንዳ ካብ 2012 ክሳብ 2023 ብሓፈሻ 12 ግዜ ኣብዚ ውድድር ብምስታፍ ክብረ ወሰን ሒዙ ዘሎ ተጻዋታይ'ዩ፡ ኤርትራዊ መትከል እዮብ ከኣ ኣብዚ ውድድር 10 ግዜ ብምስታፍ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።

ኤርትራ ኣብ ኩሉ ተሳተፎ ናይ ዙር ርዋንዳ 26 ጌዜ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ነቅ ዘይብል ክብሪ ክትሕዝ እንከላ ርዋንዳ ብ19 ዓወታት፡ ፈረንሳ ብ11 ዓወታት ይስዕባኣ።

ኮሎምብያዊ ጆናታን ሬስሬፖ ኣብ ዙር ርዋንዳ ብ6 ናይ መድረኽ ዓወት ክብረ ወሰን ክሕዝ እንከሎ መትከል እዮብን ርዋንዳዊ ቫለንስ ንዳዮሰንጋ መፍሲ ወከፎም ሓሓሙሽተ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ይስዕብዎ።

ኣብ ዙር ርዋንዳ ብሓፈሻ 22 ሃገራት እንተወሓደ ሓደ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊበን ኣለዋ።

ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ 5 ጌዜ ብጫ ማልያ ብምዕዋት ክትመርሕ እንከላ (ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2010፡ መርሃዊ ቅዱስ 2019፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን 2020 ከምኡ ከኣ 2022 ሄኖክ ሙሉብርሃን 2023) ርዋንዳ ብኣርባዕተ፡ ደቡብ ኣፍሮቃ ብክልተ ብጫ ማልያ ይስዕባኣ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ክልተ ቅድሚ ሕጂ ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ ዝወሰዱ ይሳተፉ ኣለው፡ መርሃዊ ቅዱስን ኣብ 2017 ዝተዓወተ ርዋንዳዊ ጆሴፍ ኣረሩያን።

ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ውድድር ናይ መድረኽ ዓወት ካብ ዘመዝገቡ ከኣ ሽዱሽተ ተጻወትቲ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ይጻወቱ ኣለዉ - መትከል እዮብ፣ መርሃዊ ቅዱስ፣ ኣልጀራያዊ ዓዘዲን ላጋብ፡ ርዋንዳውያን ሞየስ ሞጉሻን ጆሴፍ ኣረሩያን።

መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2012 ኣብ ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ናይ መድረኽ ዓወት ኣብ ዘመዝገበሉ ወዲ 18 ዓመት 10 ወርሕን'ዩ ነይሩ። በዚ ኸኣ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝንኣሰ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገብ ዝብል ክበረ ወሰን ሒዙ ኣሎ፡ ኣብ 2020 ወዲ 18 ዓመትን 11 ወርሕን ኣብ ዝነበረሉ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ቢንያም ግርማይ ከኣ ኣብ ካልኣይ ተሰሪዑ ኣሎ።