እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጓል ኢሎን መስክ ሽማን ጾታኣን ትቕይር ኣላ
ጓል ኢሎን መስክ፡ ድሕሪ ሕጂ “ብዝዀነ መገዲ ወይ መልክዕ ምስ ኣቦይ ክራኸብ ኣይደልን” ብምባል ሽማን ጾታኣን ንምቕያር ሕጋዊ መስርሕ ጀሚራ።
እዛ ጓል 18 ዓመት ‘ትራንስጀንደር’ ኰይና ክትጸንሕ እንከላ፡ ድሕሪ ሕጂ ጓል ኣንስተይቲ ክትኸውን ከም እትደልን ቪቪያን ጂና ዊልሰን ብዝብል ሽም ክትጽዋዕ ከም እትደልን ገሊጻ።
ንሳ፡ ዛቪር ኣሌክሳንደር መስክ ብዝብል ክትጽዋዕ ዝጸንሐት ኮይና፡ ሽማን ምስክር ወረቐት ልደታን ንምቕያር ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ሳንታ ሞኒካ እያ ምንቅስቓስ ጀሚራ ዘላ።
ጠለብ እዛ ውልቀሰብ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ከም ዝጀመረ ሰነዳት ቤት ፍርዲ የመልክቱ።
እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ኣቦን ጓልን ተፈጢሩ ዘሎ ቅርሕንቲ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
ወናኒ ቴስላን ስፔስ ኤክስን ቢልየነር ኢሎን መስክ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።
መስክ፡ ንኣደ ቪቪያን ካናዳዊት ጸሓፊት ጀስቲን ዊልሰን፡ ካብ 2000 ክሳብ ዝተፋትሕሉ ግዜ 2008 [ኣ. ኣ] ተመርዕዩዋ ነይሩ።
በዅሪ ወዶም ኔቫዳ ብ2002 ዝተወልደ ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ሰሙናት ብሃንደበት ሞይቱ።
እቶም መጻምዲ፡ ክልተ መናቱን ካልኦት ሰለስተ መናቱን ቈልዑ’ውን ኣለውዎም። መስክ ድማ ካልኦት ክልተ ቈልዑ ኣለውዎ።
ደቁ፡ ዋላ’ውን ኣቦኦም ፍሉጥ ሰብ እንተዀነ ንባዕሎም ብዙሕ ክፍለጡ ኣይገበሩን።
ብሰንበት ኣብ ዝተኸብረ መዓልቲ ኣቦታት፡ መስክ ንዅሎም ደቁ ከም ዝፈቱ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።
ጓሉ ካብኡ ክትርሕቕ ምውሳና ንዝምልከት ግን ዛጊት ዝሃቦ ርእይቶ የለን።