ከተማ ሳንፍራንሲስኮ፡ ፖሊስ 'ቀተልቲ ሮቦታት' ክጥቀሙ ክትፈቅድ'ያ

ቦምባ ዝድርቢ ሮቦት ቅልጽሙ ይዝርግሕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቦምባ ዝድርቢ ሮቦት ቅልጽሙ ይዝርግሕ

ቦርድ ተቖጻጸርቲ ኣሜሪካዊት ከተማ ሳንፍራንሲስኮ፡ ፖሊስ እታ ከተማ ክቐትሉ ዝኽእሉ ሮቦታት ክጥቀሙ ክፍቀደሎም ብድምጺ ወሲኑ።

እቲ ስጉምቲ፡ ፖሊስ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ነተጕቲ ዝተዓጠቑ ሮቦታት ከዋፍሩ ዝፈቅድ እዩ።

ኣብቲ ርእሶም ዝኸኣሉ ኣጽዋር ንምእጋድን ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ሰብኣዊ ቁጽጽር ንምዕቃብን ዝሰርሕ ጉጅለ ‘ስቶፕ ኪለር ሮቦትስ’ ትሰርሕ ዶክተር ካትሪን ኮኖሊ ግን፡ እቲ ስጉምቲ ደቂ ሰባት ካብ ቁጽጽር ከርሕቖም ዝኽእል "ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎ ስጉምቲ" ከምዝኾነ ትገልጽ።

ፖሊስ እታ ከተማ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ቀታሊ ሓይሊ ዝተዓጠቑ ሮቦታት ከምዘየዋፈረ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኮይኑ ግን፡ ኣብ መጻኢ ቀታሊ ሓይሊ ሮቦት ክጥቀም ዝኽእለሉ ተርእዮታት ክህሉ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

"ሮቦታት ዓመጽቲ፡ ዕጡቓት ወይ ሓደገኛ ጠንቂታት ዘለዎም ዝተዓረዱ ህንጻታት ንምፍራስ ነታጒ ክዕጠቑ ከምዝኽእሉ" ወሃቢ ቃል ፖሊስ እታ ከተማ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ "ዓቕሚ ናይቶም ንህይወት ዘጥፍእ ሓደጋ ከስዕቡ ዝኽእሉ ጎነጻውያን፡ ዕጡቓት ወይ ሓደገኛ ጥርጡራት ንምድርማስ፡ ወይ ኣንፈቶም ክስሕቱ ንምግባር" ሮቦታት ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

ተጣበቕቲ ናይቲ ስጉምቲ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ጥራይ ከምዝውዕል ይገልጹ።

ተቓወምቲ ግን፡ እቲ በዓልመዚ ኣብ ሓይሊ ፖሊስ ዝያዳ ምትእትታው ወተሃደራውነት ከስዕብ ከምዝኽእል ይገልጹ።

ብሰሉስ ኣብ ዝተገብረ እማመ፡ መኮንናት ጎነጽ ንምቁጽጻር ዘኽእሉ ካልኦት ኣማራጺ ሜላታት ድሕሪ ምጥቃም ጥራይ ቀታሊ ሓይሊ ዝተዓጠቑ ሮቦታት ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ እዩ እቲ ስጉምቲ ተወሲኑ።

እቲ ቦርድ ወሲኹ፡ ውሱናት ቁጽሪ ዘለዎም ላዕለዎት መኮንናት ጥራይ ንኣጠቓቕማኡ ፍቓድ ክህቡ ከምዝኽእሉ እውን ኣቐሚጡ'ሎ።

ከምዚ ዓይነት ቀታሊ ሮቦት ድሮ ኣብ ካልእ ክፋላት ኣሜሪካ ኣብ ጥቕሚ እናወዓለ ይርከብ።

ኣብ 2016 ፖሊስ ዳላስ፡ ቴክሳስ፡ ነቲ ክልተ መኮንናት ዝቐተለን ካልኦት ሓያሎ ድማ ዘቑሰለን መንጣጋይ ወይ ተሓቢኡ ዝትኵስ ሰብ ንምቕታል ሲ-4 ነታጒ ዝዓጠቐ ሮቦት ተጠቒሞም ነይሮም።

ፖሊስ ሳንፍራንሲስኮ፡ ኣብዚ እዋን ቀታሊ ሓይሊ ዝተዓጠቐ ሮቦት ከምዘይብሉ'ኳ እንተሓበረ፡ ኣብ መጻኢ ግን እቲ ስጉምቲ ከድሊ ከምዝኽእል ይገልጽ።

"ንነፍሲ ​​ወከፍ ክሕሰብ ዝኽእል ኩነታት ወይ መኮንናት ከጋጥሞም ንዝኽእል ፍሉይ ኩነታት ክግምት ዝኽእል ዝኾነ ፖሊሲ የለን። ፖሊስ ሳንፍራንሲስኮ፡ ተመጣጣኒ ምላሽ ንምሃብ ድሉው ክኸውንን ዓቕሚ ክህልዎን ኣለዎ" ይብል እቲ ወሃቢ ቃል።

መንግስቲ ፌደራል ንኣኽበርቲ ሕጊ እቲ ከባቢ ንምሕጋዝ፡ ወተሃደራዊ ደረጃ ዘለዎም መሳርሒታት፡ መኸወሊ ዩኒፎርም፡ ሳንጃን ኣጽዋር ዝተዓጠቓ መካይንን ክዕድል ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ ዓመት ዝጸደቐ ሕጊ ግዝኣት ካሊፎርንያ ግን፡ ሓይልታት ፖሊስ እታ ከተማ ወተሃደራዊ ደረጃ ዘለዎም መሳርሒታት ክዝርዝሩን ንኣጠቓቕምኦም ፍቓድ ክሓቱን ይጠልብ።

ኣባል ‘ስቶፕ ኪለር ሮቦትስ’ ዝተባህለ ነቲ ውሳነ ዝቃወም ምንቅስቓስ ዝኾነት ዶክተር ካትሪን ኮኖሊ፡ እዚ ስጉምቲ "ካብ ግዜ ናብ ግዜ ደቂ ሰባት ካብ ኣጠቓቕማን ከምኡ’ውን ካብ ሳዕቤን ኣጠቓቕማ ሓይልን ክርሕቁ ክገብሮም ይኽእል'ዩ" ብምባል ትምጉት።

ብተወሳኺ እቲ ስጉምቲ፡ "ካብ መጀመርትኡ ቀታሊ ሓይሊ ንምጥቃም ውሳነታት ንምውሳን ቀሊል" ክገብሮ ይኽእል'ዩ ዝብል ስክፍታ ከምዘለዋ ትዛረብ።