ነዊሕ ዕድመ ብምፅናሕ ክብረወሰን ዓለም ዝሰበረ ከልቢ - ቦቢ

ቦቢ ንዓሰርተታት ዓመታት ብህይወት ዝፀንሐ ብዕድመ ዝዓበየ ከልቢ ብዝብል ክብረወሰን ዓለም ተቖፃፂሩ።

እቲ 30 ዓመት ዕድመ ዘቑፀረ ፖርቹጋላዊ ከልቢ ብመዝገብ ክብረወሰን ዓለም እቲ ዝነውሐ ዕድመ ብህይወት ዝፀንሐ ከልቢ ተሰይሙ። ቦቢ ንሓደ ክፍለ ዘመን ንዝጸንሐ ክብረወሰን እዩ ኣመሓይሹ ዘሎ።

ቦቢ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 12 ክሳብ 14 ዓመት ዕድመ ክፀንሑ ካብ ዝኽእሉ ዓሌት ከልቢ እዩ።

እዚ ዜና ዝወጽአ ድማ 23 ዓመት ብህይወት ዝፀንሐ ካልእ ዓሌት ከልቢ እቲ ዝዓበየ ብህይወት ዘሎ ዝብል ክብረወሰን ካብ ዝወሃቦ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ጥራይ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ብዕድመ ዝዓበየ ከልቢ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነበረን ‘ብሉይ’ ብዝብል ዝፍለጠን ኮይኑ፡ ኣብ 1939 ኣብ መበል 29 ዓመትን ሓሙሽተ ወርሑን ሞይቱ።

ቦቢ ድማ ክሳብ 1 ለካቲት 2023 ኣብ ዝነበረ እዋን 30 ዓመትን 226 መዓልትን ዕድመ ኣቑፂሩ ነይሩ።

መዝገብ ክብረወሰን ዓለም - ጊነስ ከምዝሕብሮ ዕድመ ናይዚ ከልቢ ኣብ ፖርቹጋል ብዘሎ ሃገራዊ ማሕበር ሓካይም እንስሳታት ተረጋጊፁ እዩ።

ቦቢ ምሉእ ዘበኑ ምስ ሓደ ስድራቤት ኣብ ጥቓ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ፖርቹጋል ኣብ እትርከብ ቁሸት ኮንከይሮስ ዝነብር ዘሎ እዩ።

ቅድሚ ኣስታት 31 ዓመታት ክውለድ ከሎ፡ ምስኡ ሰለስተ ካልኦት ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ቆልዓ ሸሞንተ ዓመት ዝነበረ ሊዮነል ኮስታ፡ ወለዱ ዘዕብይዎምን ዝከናኸንዎምን እንስሳታት ኣዝዮም ብዙሓት ከምዝነበሩ ይዛረብ። ንሳቶም ዝበልዕዎ መግቢ እዮም ዝምግቡዎ።

"ዕሹግ መግቢ እንስሳታት ወይ ቁራጽ ስጋ፡ ቦቢ ዝኾነ ይኹን ነፂጉ ኣይፈልጥን። መግቢ ኣየማርፅን" ይብል ኮስታ።

ኮስታ ከምዝብሎ ቦቢ ኣብ 2018 ብሰንኪ ጸገም ምስትንፋስ ሃንደበት ወዲቑ ናብ ሆስፒታል ካብ ምእታዉ ወፃኢ ኩነታት ጥዕናኡ ጽቡቕ እዩ። ምስጢር ነዊሕ ዕድሚኡ ድማ እቲ ዝነብረሉ ዘሎ "ህዱእን ሰላማውን ሃዋህው" ምዃኑ ከምዝኣምን ይዛረብ።

ምናልባት እውን ናይ ዘርኢ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል፤ ምኽንያቱ ኣዲኡ ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኣ እያ ብህይወት ፀኒሓ።

ኣብዚ ግዜ ግን ብሰንኪ ዕድመ ገጢምዎ ዘሎ ናይ ምንቅስቓስን ምርኣይን ፀገሙ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ።