ድሕሪ ዕዉት ትካል ‘ናትና ሄር’ ዘላ ሲና ጸጋዝኣብ መን’ያ?

ሲና ጸጋዝኣብ ኣብ እዋን ምዕዳል ሽልማት

ምንጪ ስእሊ, Sina

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዕዳጋ መለሳ ዝፈጥር ቢዝነስ ምምስራት ዝብል ሕልሚ እዩ ነይሩኒ

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ጽንብል ምዕዳል ሽልማት፡ ‘ኣፍሪካ ኣውትስታንዲን ፕሮፌሽናልስ’ ዝተባህለ፡ ኣብ ጋና ዝመደበሩ ትካል ዘዳለዎ ሽልማት እዚ ዓመት ዝተሸለመት ኤርትራዊት ሲና ጸጋዝኣብ፡ መስራቲትን ማርኬቲን ማናጀርን ትካል “ናትና ሄር” እያ።

እዚ ትካል፡ ኣብ ጸጕሪ ርእሲ ደቀንስትዮ - ኣርቲፊሻል - ኣብ ማሕበረሰብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓቢይ ተፈላጥነት እናጥረየ ዝመጽእ ዘሎ ትካል ኰይኑ፡ ኣብቲ ዝተመሰረተሉ ሕብረተሰብ ዩጋንዳ እውን ቀሊል ዘይብሃል ቦታን ተቐባልነት ረኺቡ ከምዘሎ እዩ፡ እቲ ሽልማት ዝረኸበሉ መግለጺኡ ዝሕብር።

ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ሲና ጸጋዝኣብ፡ ብኸመይ እያ ነቲ ተፈላጥነት እናረኸበ ዝመጽእ ዘሎ ትካላ፡ ኣብ ሃገረ ስደታ - ዩጋንዳ ክትምስርቶን፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣህጉራዊ ትካላት ተፈላጥነት ክረክብ ከተብጽሖ ክኢላን ኣብ ዝምልከት፡ ቢቢሲ ረኺቡ ኣዘራሪብዋ ኣሎ።

ሲና፡ ብቐዳምነት ብዛዕባ’ቲ ኣፍልጦን ሽልማትን ዝሃባ ትካል እያ ትዛረብ፤ ‘እቲ ትካል - ኣፍሪቃ ኣውትስታንዲን ፕሮፌሽናልስ' - ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተፈላለየ ስርሓት ንዝነጥፉ ሞያውያን ሞራል ንምሃብን ንምትብባዕን ኣተኲሩ ከም ዝሰርሕ ትገልጽ።

ሽልማት ብሉጻት ሰብ ሞያ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ቢዝነስ ዝነጥፉ፡ ኣንጸባራቒ ብቕዓት ዘለዎምን ሰብ ሞያ፡ ንምትብባዖምን ንኻልኦት ኣብነት ብዝዀንሉ መገዲ ንምልላይን ብህዝቢ ኣፍልጦ ንምሃብን ዝተዳለወ፡ መደብ ሽልማት ፓን ኮንቲነንታል ምዃኑ እዩ እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ይገልጽ።

እቲ ሽልማት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝቕልቀል ዘሎ ዓለማዊ ቍጠባን ሕብረተሰብን፡ ኣፍሪቃ ዝያዳ ተወዳዳሪት ክትከውን ንዝግበር ሰፊሕ ጻዕርታት ንምድጋፍ ብዝብል ዕላማ ኣብ መላእ ኣህጉር ኣብ ማሕበረ-ቍጠባዊ ንጥፈታት ሞያዊ ብቕዓት ንምትብባዕን ንምድንፋዕን ዝዓለመ ምዃኑ እቶም ኣካየድቲ ይገልጹ።

'ናትና ሄር' ከመይ ተመስሪቱን ዓብዩን?

ሲና ኣብ ስራሕ

ምንጪ ስእሊ, Sina

“ትካልና ናትና ሄር፡ ኣብ ግንቦት 2015 ኣብ ዩጋንዳ ዝተመስረተ እዩ፣ ምስ ጸጕሪ ዝተኣሳሰር ኵሉ ዓይነት ኣርተፊሻል፡ ንብዙሕ ዓይነት ጸጕርን ዝተፈላለየ ባህልን ዝሰማማዕ ብመጽናዕቲ ዝተዳለወ ልዕሊ 300 ዓይነት ኣርተፊሻል የፍሪ” ኢላ ሲና ትገልጽ።

ሓደ ካብቲ ንሽልማት ዘብቅዓ ነጥቢ፡ ‘ዝርጋሐ ዕዳጋ’ ዝብል ምዃኑ ተመልኪቱ’ሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ብዘይካ ኣብ ዩጋንዳ፡ እቲ ትካል ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ዕዳጋታት ከም ከምዝፈጠረን፡” ንምስፋሑ ኣበርቲዓ ኣብ መዳይ ማርኬቲን ትሰርሕ ከምዘላ እያ ትዛረብ - ሲና።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ቢዝነስ ከመይ ኢላ ክትዋፈር ከምዝጀመረት ብኸምዚ ተረድእ፡

“ፈለማ ካብ ኤርትራ ናብ ዩጋንዳ ምስ መጻእኩ፡ ኣብቲ ዕዳጋ ዘስተውዓልኩዎ ሃጓፍ እዩ ናብዚ መሪሑኒ”።

“ኣጋጣሚ ሓደ መዓልቲ እቲ ዝደለኽዎ ዓይነት ‘ሂዩማን ሄር’ ኣብ ዕዳጋታት ካምፓላ ክረክብ ስለዘይከኣልኩ - ሓሲበ” ብምባል፡ ምዕኳዅ እቲ ትካል ፈለማ ብደረጃ ሓሳብ ከመይ ኢሉ ኣብ ኣእምሮኣ ከምዝተወልደ ተዘንቱ።

ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝነበረ ትካላት ጸጕሪ ርእሲ ኮሊላ ነቲ ዝደለየቶ ዓይነት ምስ ቀበጸት፡ ኣብዚ መዳይ ሓደ ክጽናዕ ዝግባኦ ክፍተት ዕዳጋ ምህላዉ ከም ዝተራእያ ንድሕሪት ተመሊሳ ተመኵሮኣ ትገልጽ።

በዚ መሰረት፡ “ኣብዚ ሸነኽ ክምዝመዝ ዝግባኦ ሓደ ዕዳጋ ከም ዘሎ ብኡንብኡ ተገንዚበ” ትብል።

ሞያውያን፡ ብመሰረቱ ንሓደ [ኣብ ዕዳጋ ዘሎ] ህሉው ሽግር ክትፈትሕ ወይ ንዘሎ ሃጓፍ ክትሽፍን ኢልካ ክትነቅል መሰረታዊ ምዃኑ ይመኽሩ።

በዚ መረዳእታ’ዚ ሲና፡ ኣብቲ ዕዳጋ ርኡይ ሃጓፍ ነይሩ፤ ድሌታት ተጠቀምቲ ክምለስ ከምዘድሊን ነዚ ንምፍታሕ ዓቲብካ ምጽናዕን ምስራሕን ዝብል ዕላማ ሒዛ ከምዝነቐለት ትገልጽ።

እዚ ሸነኽ’ዚ፡ “ብግቡእ ተገዲሰ ዕዳጋታት ካምፓላ ዳህሲሰ ምስ ኣጽናዕኩዎ፤ ደጊም ከዐውተኒ ይኽእል እዩ ብዝብል ሓሳብ ሒዘ ጀሚረዮ፤ ኣብዚ ደረጃ ኸኣ በጺሑ፡” ትብል።

እዚ ነቲ ትካል መበገሲ ይዅን እምበር፡ ኣብቲ ሓንሳብ ድርኺት ዝፈጠረለይ፡ ንእሽቶ ሃጓፍ ዓይነት ፍርያት ‘ሂዩማን ሄር’ ጥራይ ተሓጺረ ደው ኣይበልኩን ብምባል፡ “ናብቲ ዕዳጋ ቀስ ብቐስ ብምእታው፡ ኣስፊሐ ተተሓሒዘዮ፡” ትብል።

ሲና፡ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ፡ ከምዘለዎ ቀዲሕካ ምድጋም ትርጕም ከምዘይብሉን፡ ግቡእ ከምዘይኰነን “ኣርባሒ’ውን ኣይኰነን፡” ትብል።

ንሳ፡ “’ቫልዩ ኣድ’ ዝገብር - ወይ መለሳ ዝፈጥር ፍርያት ምቕራብ እዩ ቢዝነስ፡” ኢላ ከም እትኣምን ብምግላጽ፡ ካብቲ ዘሎ ዝተፈላለየ ፍርያት ጸጕሪ ብዓይነቱን ትሕዝቶኡን ዝተፈልየ “ብዝከኣል መጠን ድማ ጸብለል ዝበለ ተመራጺ”፡ ክኸውን ዝኽእል ፍርያት ምቕራብ ኣድላዪ ምዃኑ ትዛረብ።

"ከምኡ እንተዘይኰይኑ ሓንቲ ኣይገበርካን ጥራይ ትቐድሕ ኢኻ ዘለኻ፤ ኣነ ድማ 'እኽእል እየ' ብዝብል ኣጠማምታን ተበግሶን ክሰርሕ ጀሚረ፡” ትብል።

ሲና ኣብቲ ተወሊዳ ዝዓበየትሉ ዝተማህረትሉን ኣስመራ፡ ዝዀነ ምስ ጸጕሪ ዝተኣሳሰር ስራሕን ፍሉይ ትምህርትን ከምዘይነበራን እያ ትገልፅ።

“ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ተማሂረ፡ ኣብ መበል 21 ዙርያ ሳዋ ወሪደ፡ ካብኡ ዝተፈላለየ ብውልቂ ዘካይዶ ስርሓት እዩ ነይሩኒ፡” ኢላ ብምግላጽ፡ “ምስ ጸጕሪ - ከም ጓል መጠን ኣብ ጸጕረይ ይግደስ ነይረ፡ እቲ መሰረታዊ ዝበሃል ንጸጕርኻ ኢልካ ትጥቀመሉ ነገራትን ትገብሮ ምክንኻንን ጥራይ እየ ዝፈልጥ ነይረ።

“ኣብ ኣስመራ ከለኹ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ንጥቀመሉ ዝነበርና - ባዕለይ ይዅን ካልኦት ዝጥቀማሉ - ኣርተፊሻላትን ዓይነታቱን የስተብህል ነይረ፡ ካልእ ፍሉይ ኣፍልጦ ኣይነበረንን” ኢላ ትዛረብ።

እዚ ኣብ ዕድመኣ ዝተዋህለለ ዕቝር ኣስተውዕሎ፡ ኣብቲ ተሰዲዳ ዝኸደቶ ሃገር ንዝተጓነፋ ሃጓፍ፡ ብዘይተሓሰበ መገዲ ብቕጽበት ንኸተለሊ ከምዝጠቐማ እያ ትገልጽ።

“ከም ሰብ ሓደ መዓልቲ ገለ ፍልልይ ዝፈጥር ወይ መለሳ ዘቕርብ ሓደ ቢዝነስ ክህልወኒ ሕልሚ ነይሩኒ እምበር፤ ሓቂ ይሓይሽ ናይ ጸጕሪ ክኸውን እዩ ዝብል ሓሳብ ግን ኣይነበረንን፡” ብምባል ናብቲ ቢዝነስ ኣተኣታትዋኣ ተረድእ።

ነቲ ፍርያታ ኣብ ምስፋሕ ዝኸደቶ መገዲ ክትገልጽ እንከላ ሲና፡ “ሓንሳእ እቲ ትካል ምስ ተመስረተ፡ ኣብ ውሱን ነገር ከይተደረተ፡ ነቲ ኣብ ናይ ሓበሻ ኮሚኒቲ ንጥቀመሉ ዓይነታትን፡ ዩጋንዳውያን ዝጥቀማሉን ዝደልየኦን ግዜ ወሲደ ኣጽኒዐዮ እየ፡” ድማ ትውስኽ።

ብዅሉ መዳያቱ፡ ብዋጋ ከይተረፈ መለሳ ዘለዎ ተወዳዳሪ ፍርያት ክተቅርብ ብዝካየደቶ ጻዕሪ፡ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 300 ዝተፈላለየ ዓይነት ጸጕሪ ርእሲ ኣብ ዕዳጋ ኣቕሪባ’ላ። እዚ ድማ ካብቲ ብ ትካል ‘ኣፍሪቃ ኣውትስታንዲን ፕሮፌሽናልስ’ ሽልማት ዘውሃባ ኣገዳሲ ነጥቢ ምዃኑ ትጠቅስ።

ሲና ጸጋዝኣብ

ምንጪ ስእሊ, Sina

'ዝጀመርካዮ ቢዝነስ ቀጻልነቱ ክትሕሉ ወሳኒ እዩ፡'

ሲና ጸጋዝኣብ፡ ወትሩ ቀጻልነት ኣብ ዘለዎ ስልጠናታት ነብሰ ምዕባለን፡ ብፍላይ ከኣ፡ ምስ ጸጕሪ ርእሲ ደቂ ኣንስትዮ ዝተኣሳሰርን ኣብ ማርኬቲን ዘድሃበ ትምህርቲታት ብምክትታል ዓቕማን ፍርያታን ከም እተዕቢ ትዛረብ።

“ጸጕሪ ብሳይንሳዊ መገዲ ብዕምቈት ንምፍላጡን ንምርድኡን ይዅን ዕዳጋታት ብዕምቈት ንምፍላጡ ለይትን ቀትርን እየ ዝሰርሕ” ትብል።

ካብ ሃገርካ ወጺእካ ኣብ ካልእ ሃገር፡ ሕብረተሰብን ባህልን ከምዚ ዝበለ ትካል መስሪትካ ዕዉት ኴንካ ንኽትቅጽል ዘለዎ ብድሆታት ከተረድእ እንከላ፤ ናብራ ስደት ብዅሉ ሸነኻቱ በዳሂ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ስራሕ ዘጋጥመካ ጸገማት ከከም ዓይነቱ ዝተፈላለየ ምዃኑ ገሊጻ።

“ኣብዚ፡ 'ሀ' ኢልካ ሓደ ትካል ክትከፍት ዘሎ ቢሮክራሲን ካልእን ግድን ክትሰግሮ ዘለካ እዩ - ከም ሰብካ ማለት እዩ..." ትብል እሞ፤

ኣብ ዝተወሰነ ነቲ ናይ ሓበሻ ኮሙኒቲ ዝጥቀማሉ ጥራይ ዘይኮነ ንዩጋንዳውያን ይዅን ዝተፈላለየ ዓይነታት ጸጕሪ ርእሲ ዘለወን ዝሰማማዕ ፍርያት ንምቕራብን ኣብቲ ዕዳጋ ንምእታው ምስ ብዙሓት ከምዝተራኸበትን፡ ኣብኡ ዘሎ ክፍተትን ድሌታተንን እውን ክትፈልጦ ዘካየደቶ ጻዕሪ ዝያዳ በዳሂ ምንባሩ ትገልጽ።

"ዝጀመርካዮ ቢዝነስ ቀጻልነቱ ንኽትሕሉ ወሳኒ እዩ፡" ትብል።

ብዙሕ ሰጊራ ድማ፡ ኣብዚ እዋን ናትና ሄር ከም ሓደ ዩጋንዳዊ ትካል ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺቡ፡ ‘ብራንድ ኦፍ ዘ ዪር 2023’ ዝብል ኣፍልጦ ከምዝረኸበ እውን ሓቢራ።

ሲና ጸጋዝኣብ፡ “ኣብ ቢዝነስ ዓለም፡ ናተይ እትብሎ ሓደ ኣቐዲሙ ዘይነበረ ፍርያት ይዅን ካብቲ ዝነበረ ብገለ ሸነኽ መለሳ ዝፈጥር ፍርያት ከተቕርብ እንተኽኢልካ” ክትዕወት ከምዝከኣል ብምግላጽ፡ ብፍላይ ደቀንስትዮ፡ ካብቲ ንነብሰን ዝጥቀማሉ ነገራት ነቒለን እውን ከመሓይሻኦን ከማዕብላኦን ብምሕሳብ ጥራይ፡ ዕዉታት ‘ኢንተርፕረነርስ’ ክዀና ከም ዝኽእላ ንተመኵሮኣ ምርኵስ ገይራ ትመክር።