ሬሳ ብጥይት ዝተቐትላ ጸለምቲ ንሓሰማ ዝሃበ ሰራሕተኛ ኣብ ቤት ፍርዲ መስኪሩ

ብህይወት ክልተ ጸለምቲ ደቀንስትዮ ዝተኸሰሰ ጻዕዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሰራሕተኛ ሕርሻ፡ ኣካላተን ንቐለብ ሓሰማታት ክኸውን ክገብሮ ተገዲዱ ምዃኑ ተዛሪቡ ክብል ጠበቓኡ ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰሜናዊ ግዝኣት ሊምፖፖ፡ ከባቢ ፖሎክዋነ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ፡ ክልተ ጸለምቲ ደቀንስትዮ - ማርያ ማክጋቶን 45 ዓመት፣ ሉቺያ ንድሎቩን 34 ዓመት - መግቢ ክምእርራ ምስ ከዳ ብጥይት ተቐቲለን። ኣድሪያን ደ ዌት ከኣ ሓደ ካብቶም ብቕትለት ተኸሲሶም ዘለዉ ሰለስተ ሰባት እዩ።

መርትዖ ንምእላይ ኣብ ዝተገብረ ፈተነ ብዝመስል ኵነታት ድማ ሬሳአን ንሓሳሙ ከምዝተዋህበ ተገሊጹ።

እቲ 20 ዝዕድመኡ ጻዕዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ ደ ዌት፡ መስርሕ ፍርዲ ብሰኑይ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ወሃቢ ምስክርነት ኰይኑ ብምቕራብ፡ ኣስራሒኡ ወናኒ ሕርሻ ዛካርያ ጆን ኦሊቨር ነተን ክልተ ደቀንስትዮ ብጥይት ከምዝቐተለን ቃል ሂቡ።

እተን ግዳያት ዝዀና ክልተ ጸለምቲ ደቀንስትዮ ዝተቐትላሉ፡ መዓልቱ ክወድቕ ቀሪቡ ተባሂሉ ቀለብ ሓሰማ ክኸውን ንዝተደርበየ ፍርያት ጸባ ክኣርያ እየን ናብቲ ሕርሻ ቀሪበን።

ኣብቲ ሕርሻ ተቘጻጻሪ ኰይኑ ዝዓዪ መንእሰይ ደ ዌት፡ ሬሳታተን ናብቲ መኽዘን ሓሰማታት ክድርቢ ኣብ ዝተገደደሉ እዋን ኣብ ጸቕጢ ከምዝነበረ ክምስክር እዩ ክብሉ ድማ ጠበቓኡን ዓቃቢ ሕጊን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ቤት ፍርዲ ምስክርነቱ እንተተቐቢሉ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ክስረዝ እዩ።

እዚ ጉዳይ ኣብ መላእ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ቍጥዐ ፈጢሩ፣ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓሌታዊ ወጥሪ ኣጋዲዱን እዩ።

ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዘብቅዕ ልዕሊ 30 ዓመት'ኳ እንተገበረ፡ ብፍላይ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ከምዚ ዓይነት ወጥሪ ሰፊሕ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

መብዛሕትኡ ብሕታዊ መሬት ሕርሻ ገና ኣብ ኢድ ውሑዳን ጸዓዱ ዘሎ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት ሕርሻ ኸኣ ድኻታትን ውሑድ ክፍሊት ዝረኽቡን ጸለምቲ እዮም።

እዚ ድማ ኣብ መንጎ ጸለምቲ ከቢድ ቂምታን ቅርሕንትን ይፈጥር፤ ብኣንጻሩ ብዙሓት ጸዓዱ ሓረስቶት ልዑል መጠን ገበን [በቶም ጸለምቲ] ከምዝፍጸም የማርሩ።

50 ዝዕድመኡ ዊልያም ሙሶራ ዝተባህለ ካልእ ሰራሕተኛ ሕርሻ ሳልሳይ ተኸሳሲ ኣብዚ ጉዳይ እዩ። ንሱን እቲ ወናኒ ሕርሻ ዝተባህለ ወዲ 60 ዓመት ኦሊቨርን ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ኰይኖም ገና ገበነኛታት ኣይተባህሉን።

እዞም ሰለስተ ሰባት፡ ነቲ ምስተን ኣብቲ ሕርሻ ዝተቐትላ ደቀንስትዮ ዝነበረ በዓል ቤታ ነታ ሓንቲ - ሰብኣይ ንድሎቩ - ጥይት ብምትኳስ ብፈተነ ቅትለት፣ ከምኡ'ውን ፍቓድ ዘይብሉ ብረት ብምሓዝ፣ መርትዖ ንምሕባእን ፍትሒ ንምዕንቃፍን ብምፍታን ከኣ ነቲ ሬሳታት ኣብ መኽዘን ሓሰማ ደርብዮም ዝብል ክሲ'ውን ቀሪቡሎም ኣሎ።

ኣቶ ሙሶራ ዜጋ ዚምባብወ ኰይኑ፡ ዘይሕጋዊ ስደተኛ ዝብል ብመሰረት ሕጊ ኢሚግሬሽን ደቡብ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ክሲ ቀሪቡሉ ኣሎ።

መስርሕ ፍርዲ ቅድሚ ምጅማሩ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሊምፖፖ ብደገፍትን ኣዝማድን ግዳያት ቅጽጽ ኢሉ ነይሩ። ኣብ ቅድሚት መስርዕ መናብር ኮፍ ኢላ ዝነበረት በዓልቲ ቤት ኦሊቨር እውን፡ ንብዓታ ክትደርዝ ትረአ ነይራ።

ኣባላት ናይቲ ቅድሚ ሕጂ እቲ ሕርሻ ክዕጾ ዝጸውዐ ተቓዋሚ ሰልፊ 'ኢኮኖሚክ ፍሪደም ፋይተርስ' እውን ኣብቲ ቤት ፍርዲ ተረኺቦም ነይሮም።

እቲ ፍርዲ ንዝመጽእ ሰሙን ተሰጋጊሩ'ሎ።