ኤርትራውያን ኣብ ቃለመሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ እንታይ ይብሉ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ19 ከምኡ'ውን 23 ሓምለ 2025 ኣብ ዓለማዊ፡ ኣህጉራዊ፡ ዞባውን ዘቤታውን ጉዳያት ዘተኰረ ሰፊሕ ቃለመሕትት ምስ ማዕከን ዜና ሃገሩ ኣካዪዱ ነይሩ።
እዚ ቃለመሕትት'ዚ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኲናትን ደበና ኲናትን ኣንጠጥይሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምክያዱ፡ ካብ ኤርትራውያን ዘይኰኑ ሰባትን መራኸቢ ብዙሓንን ከይተረፈ ፍሉይ ኣቓልቦ ረኺቡን ብዙሕ ትንታነታት ክወሃበሉን እውን ተራእዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ ነዚ ቃለመሕትት ከመይ ከም ዝተመልከቱዎ ንሰለስተ ኤርትራውያን ኣዘራሪቡ ኣሎ።
ዶ/ር ተስፋኣለም ሃብተ ተመራማሪ ድሕረ-ምረቓ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊቨርፑል፡ ኣብቲ ኣብ ሓደ ክፋል ንኽልተ ሰዓታት ዝኸደ መደብ፡ ካብ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሕቶታት ዘይሓልፍ ብምንባሩ፡ "ካብ ቃለመሕትት ክትብሎ ኣስተምህሮ፡" ክትብሎ ከም ዝቐልል ይገልጽ።
"እቲ መደብ ድሮ ዝተዳለወ፡ ካብ ዘረባኡ ዝነቐለ ሕቶታት ዘይብሉ፡ ሓንቲ ሕቶ ሓቲቶም ን20 ደቓይቕ ባዕሉ ክሳዕ ዝውድእ ዝጽበዩዎ፡" ምንባሩ ንኣቀራርባ ናይቲ ቃለመሕትት ብምንቃፍ፡ "ጋዜጠኛታት ኣብ ልቢ ህዝቢ ዘሎ ሕቶታት ሒዞም መጺኦም በዳህቲ ሕቶታት ክሓቱዎ፡" ዘየኽእል ስለ ዝዀነ፡ "ከም መራሒ ሃገር፡ ተሓታትነት፡ ግሉጽነት፡ ሓላፍነት ከም ዘየሎ እዩ ዘርእየካ፡" ኢሉ።
ዶ/ር ተስፋኣለም ብዘይካ ኣብ ክልተ/ሰለስተ ጉዳያት ኣብ ዝተረፈ ዝበዝሕ ሓድሽ ነገር ከም ዘይረኸበሉ ይገልጽ።
ኣብ ሮያል ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ - ሽወደን ናይ ማስተርስ ትምህርቱ ዝከታተል ዘሎ ኢንጅነር ጀናይ ገብረገርግስ፡ ብሕልፊ ኣብ ጉዳይ ዲፕሎማስያዊ መደባትን ምስ ኢትዮጵያ ዝተሓሓዝ ነጥቢታትን ኣገዳሲ ኰይኑ ከም ዝረኸቦ ይሕብር።
ኤርትራ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ስርሓት ክትነጥፍ እኳ እንተ ጸንሐት፡ ብሕልፊ ኣብዚ ግዜ'ዚ ግን ሓዪላ ከም ዝወጽአት ይገልጽ። ቃለመሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ኤርትራ፡ ነቲ ዲፕሎማሲ ትቕልሶ ኣብ ዘላትሉ መድረኽ፡" ዝመጽአ ብምዃኑ ብፍሉይ ከም ዝርእዮ ይገልጽ።
ኢንጅነር ጀናይ ቀጺሉ፡ "ጉዳይ ጽምዶ ብገለ ወገናት ጸቢብን በላጻውን ገይርካ ዝግለጽ ዝነበረ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብደረጃ ዞባ፡ ኣህጉርን ሓያላት ዓለምን ብስፍሓት ዝግበር ዘሎ ምዃኑ፡" ከም ዘብርሆ ሓቢሩ።
ኣብ ዳላስ ኣመሪካ ዝምቕማጡ፡ ኣብ ሩዋንዳ ሪልስቴትን ማኑፋክቸሪንን ሓዊሱ ኣብ ሓያሎ ጽላታት ወፍሪ ዘካይድ ዘሎ ኢንጅነር ዮናስ ሓጐስ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እቲ ካብ 2018 ኣትሒዙ ተኣኪቡ ዘይፈልጥ ካቢነ ምኒስተራት ስትራተጅያዊ ውጥን ኣውጺኡ፡ መለክዒ ትግባረታቱ ኣቐሚጡ፡ ምክትታልን ገምጋምን ክገብረሉ ዝግባእ ከም ዝነበረ የብርህ።
"እዚ ዝተዛረቦ፡ ካቢነ ሓድሕዱ ክዛተየሉ ዝግባእ እዩ ነይሩ። ከም ዝመስለኒ፡ እቶም ምኒስተራት'ውን ከም ሰቦም እዮም ምሳና ኣብ ተለቪዥን ዝሰምዑዎ፡" ኢሉ።
ዓለማዊ ስርዓት ንኤርትራ ክሳብ ክንደይ እዩ ዝጸልዋ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሓያሎ ቃለመሕትታቱ ንዓለማውን ኣህጉራውን ጉዳያት ሰፊሕ ሸፈነ ይህቦ እዩ።
ኣብዚ ዳሕረዋይ ቃለመሕትቱ፡ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ሓምሳ ዓመታት ቃልሲ ዝረኸበቶ ናጽነትን ልኡላውነትን፡ በቲ እንኮ ቀጽራዊ ስርዓተ ዓለም ከም ዝተሃስየን ናብ ዕላማኡን ባህጉን ክበጽሕ ከም ዘይከኣለን፡ ነቲ ኣመሪካ ብሓፈሻ ኣብዚ 80 ዓመታት ዝፈጸመቶ "ጌጋታት" ከም ጠንቂ ገሊጹ ነይሩ።
ሓያሎ ኤርትራውያን ከኣ ዓለማዊ ስርዓት፡ ኤርትራ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምዕባለ ከይተምጽእ ክሳዕ ክንድኡ ዝኽልክላ ድዩ ኢሎም ክሓቱ ይስምዑ።
ዶ/ር ተስፋኣለም፡ ኣህጉራዊ፡ ዓለማውን ታሪኻውን ከይድታት ንኤርትራ፡ "ከፊላዊ ጽልዋ ኣይገብራላን ማለት ኣይኰነን፡" ይብል።
"ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ክጕዕጸጽን ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ክኸፍልን ዝገበረ፡ ሽዑ ዝነበረ ጅኦ-ፖለቲካዊ ኵነታትን ስነሓሳባዊ ረብሓታትን ናብ ፖለቲካውን ዕጥቃዊ ቃልስን ክንከይድ ገዲዱና እዩ። እዚ ክትጐስዮ ኣይትኽእልን፡" ይብል።
ኢንጅነር ጀናይ'ውን፡ ዓለማዊ ኣሰላልፋታት ንኤርትራ ኵሉ ግዜ ግዳይ ከም ዝገብራ ይሰማማዕ።
ኣብ 1950ታት ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝነበረ ጆን ፎስተር ዳላስ፡ "ብዓይኒ ፍትሒ ክርአ ከሎ፡ ርእይቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ ነይሩ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ንስትራተጅያዊ ረብሓ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ንስለ ኣህጉራዊ ጸጥታን ሰላምን፡ ኤርትራ ምስታ መሓዛና ዝዀነት ኢትዮጵያ ክትቊረን ኣገዳሲ ይኸውን፡" ዝበሎ ብምጥቃስ፡ ፍትሓዊ ሕቶ ናጽነት ኤርትራ ተጐስዩ፡ ነታ ሃገር ን50/60 ዓመታት ንድሕሪት ከም ዝመለሰ ኢንጅነር ጀናይ የብርህ።
"እንተዀነ፡" ይብል ተስፋኣለም፡ "ንዓኡ ጥራይ ዲና እና'ቋሰና ክንነብር? ናጽነት ካብ እንረክብ 34 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ብኽንድ'ቲ እቲ ፕረዚደንት ዝገልጾ ጽልዋ ኣለዎ ኣይብልን፡" ይብል።
"ኤርትራ ኣዝያ ተነጺላ፣ ካብቲ ዘሎ ዓለማዊ ቍጠባ ተገሊላ፣ እቲ ዝበዝሕ ዓለማዊ ቍጠባዊ ምትሕቝቛናት ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ ክንብል ኣይንኽእልን። ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ንኣሽቱ ሃገራት ኣብ ውሽጠን ክገብርኦ ዝኽእላ ኣለወን።"
ቀጺሉ፡ "ኣብ ኤርትራ ሓረስታይ ከይሓርስ፡ ነጋዳይ ከይነግድ፡ ጓሳ ከይጓሲ፡ መምህር ከየስተምህር፡ ነዳቓይ ከይነድቕ፡ ዜጋ ገዛኡ ከይሰርሕ ዓለማዊ ስርዓት ክሳዕ ክንድኡ ኣይጸልዎን እዩ፡" ይውስኽ።
ኢንጅነር ጀናይ፡ ኤርትራ ኣብ ኣገዳሲ ጂኦ-ፖለቲካዊ ቦታ ብምህላዋ ካብ ዓለማዊ ኵነታት ክትንጸል ከም ዘይትኽእልን ንውሽጣዊ ጉዳያታ ብቐጥታ ከም ዝጸልዎን፣ "ድሕሪ ናጽነት'ውን ብጉዳይ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ተሳቢቡ፡ ኤርትራ ግዳይ ዘይፍትሓዊ ተደጋጋሚ እገዳ፡" ከም ዝዀነት የብርህ።
"ኣብ ዕደና ዘድልያ ንዋት፡ ኣብ ሕርሻ ድዅዒ ከይተረፈ ከይተእቱ። ከምኡ'ውን ስርዓተ ባንኪ ከይተማዕብ፡ ልቃሕ ከይትልቃሕ፡ ዜጋታታ 2 ካብ ሚእቲ (ካናዳ ሆላንድ ዝገበረኦ) ከይከፍሉ፡ ናይ ወጻኢ ትካላት ከየውፍራ ምስንኻል፡ ፍርያት ካብ ዕዳጋታት ዓለም ከይቀርብ ዕድላት ምዕጻው፡ ጸለመ ኣብ ሃገር ኤርትራ ብምግባር ንኣውፈርቲ ዘይምትብባዕ ወዘተ፡" ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ዶ/ር ተስፋኣለም፡ እተን ኣብ ድሕረ-መግዛእቲ ዝቘማ ሃገራት፡ ካብቲ መግዛእታዊ ሓድግታት እንታይ ወሲደን ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኤርትራ ነቲ ዝነበረ መግዛእታዊ መዋቕር ብምልኡ ርዒሞም ብኻልእ ውሽጣዊ መግዛእቲ ዝቐየርዎ፡ ሓድሽ ፓለቲካዊ-ወተሃደራዊ ደርቢ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኢንጅነር ዮናስ ብወገኑ፡ "መለኽቲ ስርዓታት፡ ናይ ፖሊሲ ውድቀታቶም ንምሽፋን ናብ ግዳም ናይ ምውጻእ ሜላ ይጥቀሙ። እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጥቀመላ ዘሎ፡ ኵሉ ዜጋ ንህላውነት ኤርትራ ዋጋ ስለ ዝኸፈለ፡ እታ ሃገር ዳግማይ ርእዩ ከይስእና፡ ካብቲ ባዕሉ [ኢሳይያስ] ዝፈጠሮ ግዳማዊ ጸላኢ ይከላኸለላ ኣሎ ብዝብል ተጸሚሙ ምእንቲ ክጻወሮ፡" ኵሉ ሳዕ ንዓበይቲ ሓይልታት ከም ዝጠቅስ ይገልጽ።
ተጠቃምነት ጸጋታት ኣፍሪቃ ብመንጽር ውሽጣዊ ኵነታት ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, MOI
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መግለጺኡ፡ ጸገም ኤርትራ ይዅን ኣፍሪቃ ካብ ደገ ዝመጽአ ምዃኑ ብምምልካት፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ካብ "መግደፍን ድጐማን" ከይተገላገላ ጸገማተን ይዅን ጸገማት እታ ኣህጉር ክፍታሕ ኣይክእልን፡" ኢሉ።
ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ፡ ብፍላይ ንባህሪያዊ ጸጋታት ዝምልከት ኣተሓሳስባን ኣጠቓቕማን ድማ ብሓፈሻ ነቒፉ። ጸጋታት ኣፍሪቃ፡ ንኒጀር ከም ኣብነት ብምርቋሕ፡ ጸጋታቱ ክዝመት እዩ ጸኒሑ ድማ ኢሉ፣ "እዚ ድማ ነታ ክፍለ ዓለም ንድሕሪት ኣትሪፉዋ ዘሎ እዩ፡" ክብል ወቒሱ።
ዶ/ር ተስፋኣለም፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣፍሪቃ ብጸጋታት ዝሃብተመት ክነሳ፡ ተጠቃሚት ጸጋታታ ክትከውን ብዘይምኽኣላን ዝደኸየት ኣህጉር ምዃናን ዝገለጾ፡ "ወድዓዊ ትዕዝብቲ ምዃኑ፡" ይገልጽ'ሞ፡ "ናብ ኤርትራ ከነምጽኦ ከለና ግን፡ ህዝቢ ኤርትራኸ ብሓቂ ወናኒ ጸጋታቱ፡ ወናኒ ባህርያዊ ሃብቱ ድዩ ዘሎ?" ክብል ዝሓተቶ ጋዜጠኛ ከም ዘይነበረ ይገልጽ።
ኢሳይያስ፡ ኣፍሪቃ ንጥረ-ንዋይ ናይ ምምስራሕ ዓቕሚ ከየጥረየት ሸማቲት ውዱእ ፍርያት ትኸውን ኣላ ዝበሎ፡ ንኤርትራ ኣእቲኻ ክርአ ከሎ፡ በቲ ንኻልኦት ሃገራት ዝነቐፈሉ መንገዲ ኤርትራ ኣብ ጸጋታታ ዝተመርኰሰ ኢንዱስትርያዊ ምዕባለን ቍጠባዊ ዕብየትን ከተረጋግጽ ከም ዘይከኣለት እዩ ዝግለጽ።
ኢንጅነር ዮናስ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንኣፍሪቃ "ከዋርድን ክጸርፍን ሞራል ክህልዎ ኣይክእልን፡" ይብል።
ዮናስ ነቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምስራሕን ምጽጋንን መካይን፡ ከምኡ'ውን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝገለጾ ጠቒሱ፡ እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ትካላት ዝነበሮም ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከይሰርሑ ከም ዝተገብረ ይገልጽ።
"ኣብ ከባቢ ጎዳይፍ መካይን ዘፍሪ ዝነበረ ትካል ኤሪ-ባስ፡ ካብ ጀርመን ኣትዩ ኣብ ደቀምሓረ ምስ ኵነታት ኤርትራ ዝኸዳ መካይን ዘገጣጥም ዝነበረ ትካል ተሲንማ፡ ካብ ቀደም ኣትሒዘን ፍሉጣት ዝነበራ ትካላት ከም ሳታዮ፡ ብእንዳ ሓረጎት ዝፍለጥ ኩባንያ ኣውቶቡስ ኣስመራ፡ ገመልን ካልኦትን ዝበዝሓ ተዓጽየንን ገሊአን ተዳኺመንን እየን።"
ቀጺሉ፡ "ብውልቀ ሰባት ዝውነና ዝነበራ ናይ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን ድሕሪ ኮቪድ ምሉእ ብምሉእ ደው ከም ዝብላ ተገይሩ፣ ትካላት መካኒክ'ውን ተዓጽዩ። ሕጂ በተን ውሑዳት ብመንግስቲ ዝውነና ከም ሓራት ዝኣመሰላ ትካላት፡ ጠለብ ህዝቢ ብዘየማልእ ደረጃ ክካየድ ተወሲኑ፡" ይውስኽ።
ኢንጅነር ጀናይ፡ "እዚ ዓሰርተ ግዜ ከም መወከሲ ዝቐርብ ናይ ግዜ ጣልያን ፋብሪካታት፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዘይተሓደሰን ዓንዩ ዝጸንሐን፡" ምዃኑ ይገልጽ።
"ኣብ ግዜ ጥልያን ልዕሊ 344 ፋብሪካታት ነይረን። መንግስቲ ኤርትራ 40ን ገለን እዩ ተረኪቡ። ዓንዩ ከኣ እዩ ጸኒሑዎ፡" ይብል'ሞ፡ ድሕሪ ናጽነት'ውን ኣብ ኣለቡ ዝተሃንጸ ፋብሪካ ምምስራሕ ባናንን ኮሚደረን፡ ኣብ ሓልሓለ ዝተተኽለ ዝኣመሰሉ ኣብነታት ብምግላጽ፡ ብዝያዳ፡ "ቅድሚ እቲ ትካላት፡ ዓቕሚ ሰብ ክህነጽ፡" ስለ ዝግብኦ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘስፍን ከም ቤት-ትምህርቲ፡ ሕክምና ወዘተ ዝኣመሰሉ ክሳዕ ርሑቕ ገጠራት ከም ዝተሃንጸ ይምጕት።
ኢንዱስትሪያዊ ዓቕሚ ኤርትራ፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ ብደረጃ ኣፍሪቃ ዝነበሮ ተወዳዳርነት ልዑል ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ንኣብነት እንዳ ካሽያኒ፡ እንዳ ደናዳይ፡ እንዳ ባራቶሎ፡ እንዳ መሎቲ፡ እንዳ ሚረንጊን እንዳ ደሮሲን ዝኣመሰሉ ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ከተማታት ኤርትራ ዝተተኽሉ ፋብሪካታት ኵሎም ምስ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝተኣሳሰሩ - ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለታት ነይሮም።
እዚ መግዛእታዊ ሓይሊ ዘተኣታተዎ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ ንቝጠባ ኤርትራ ክብ ኣቢሉዎ ነይሩ።
ዕዳጋ ፈጢሩ ንደቀባት ብደሞዝ ኣብ ስራሕ ዘሳተፈ፡ ንብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ካብ ክድምና ኣገላጊሉ ኣብ ንኣሽቱ ዋኒናት ምውናን ዘብጽሐ፡ ትሕተ-መዋቕራት ሰሪሑ ምንቅስቓሳት ህዝቢ ዝፈጠረ፡ ትካላት ብምህናጽ (ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብያተ ሕክምና፡ ህንጻታት ኣብያተ-ጽሕፈታት፡ ሆቴላት፡ ጽርግያታት) ዕድላት ስራሕ ዝኸፈተ፡ ብሓጺሩ ኣብ ህይወት ዜጋታት ዓይነታዊ ለውጢታት ከም ዘተኣታተወ ይእመን።
ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ኵነታት
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቃለመሕትቱ፡ ኣብ ሃገራት እዚ ዞባ ዝዀና ሶማል፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ውዲታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ሓይልታትን ከም ዘሎ ብምምልካት፡ ነዚ ውዲታት'ዚ ክንገጥመሉ ዘኽእል ንቕሓት ግን "ተጠርዩ'ሎ፡" ክብል ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገሩ ምስ ኵሎም ጐረባብታ ኣድማዒ ጽምዶ ብምግባር ርጕእ ዞባ ክፍጠር ትሰርሕ ከም ዘላ ኣመልኪቱ።
ዶ/ር ተስፋኣለም ሃብተ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሊቨርፑል፡ ኣብ ዞባዊ ዛዕባታት ናይ ትሕዝቶን ቃናን ለውጢ ከም ዘስተውዓለ፣ "ካብ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣብ ቃለመሕትታቱን መደረታቱን ዝሰማዕናዮ፡ ጃንዳ ዋሽንግቶንን ወያነን ዝብሉ ኣስማት ኣይሰማዕናን፣ ናብ ከም ኢማራት ዓረብ ዝኣመሰለት ዞባዊት ሓይልን ሓድሽ 'ኣሻቓሊኡ' ብልጽግናን ተቐዪሩ ኣሎ፡" ይብል።
"እቲ ተበዲዑ ኣመሪካ የላን፡ ትወድቕ ኣላ ክብል ዘቋሽሽ ዝነበረ፡ ብኣኽብሮት ዝመስል ቃና ተተኪኡ፡ ኣብኦም [ኣመሪካ]'ውን ተስፋ ዘለዎ ይመስል። ዝገረመኒ ድማ ካልእ ቀዳምነታቶም ክሳዕ ዝውድኡ ከይተሃወኽና ክንጽበዮም ኢና ምባሉ እዩ፡" ኢሉ።
ኢንጅነር ዮናስ ሓጐስ፡ ኢሳይያስ ካብቲ መሰረታዊ ድሌት ዓባይቲ ሓይልታት ወጺኡ ከም ዘይፈልጥ እዩ ዝምጕት። ትራምፕ ናብ ስልጣን መጺኡ ንቐጠር እገዳታት ከንብረላ ከሎ፡ "ምስ ቀጠር ዝቐረበ ዝምድና ዝነበሮ ኢሳይያስ እዩ። እታ ኵነታት ኣንቢቡ ግን ምስ ኣመሪካን ስዑድያን ወጊኑ፡" ይብል።
"ኢማራትን ስዑድያን ንሻን ክሽልሙኻ እንከለዉ እንታይ ስለ ዝገበርካ እዩ? ንጹር ነገር እዩ። ኣብታ ንስልጣኑ ክትመጽእ እንከላ ተመሳሲሉ እዩ ዝነበር። ንናቶም ረብሓ ክሳዕ ዘይተንከፈ ድላዩ እንተ በለ ጸገም የብሉን።"
ኢንጅነር ጀናይ ገብረገርግሽ ግን ብኣንጻሩ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝነበረ ስርዓት ብምትሕሓዝ፡ ብሽርሒ [ሓያላን ሃገራት] እቲ ጽምዶ ይዝረግ ስለ ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ኤርትራ ኣብዚ ዞባ ረቲዓ ወጺኣ እያ፡" ይብል።
ኢትዮጵያን ሃዋሁ ኲናትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ቃለመሕትት፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያን ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ጉዳይ ዝለዓለሉ ዘሎ ኵነታት ኢትዮጵያን ምስኡ ዝዛመዱ ዛዕባታትን'ውን ሰፊሕ ምላሽ ተዋሂቡዎ ነይሩ። ብቐንዱ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ መግለጺታት፡ "ናይቶም በሃልቱ ኣጀንዳ ኣይኰነን፡" ክብል ንታሪኻዊ ነጥቢታት ጠቒሱ ብሰፊሑ ገሊጹ።
ኢንጅነር ጀናይ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ቃለመሕትት ገይሩ ከም ዝርእዮ ይገልጽ። ኢትዮጵያ ብመንገዲ ቀዳማይ ምኒስተራ ኰነ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍታ፡ "ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደፍር ተዅታዂ ዘረባታትን ትረኻታትን" ብዜናዊ ወፈራ ተተሓሒዛትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ቃለመሕትት ኢሳይያስ "ዓዲ ወዓሉ" ብምባል ከም ዘብርሆን ነቲ ትረኻ መልክዕ ከም ዘትሓዞን ይሕብር።
ዶ/ር ተስፋኣለም፡ ብወገን ኢትዮጵያ ምድላው ንዂናት ከም ዘሎ ወግዓዊ ከም ዝገበሮ ምብግላጽ፡ "ኣሻቓሊ ዝመስል ናይ ጐንጺ ደበናታት ከም ዘሎ ኣርእዩኒ፡" ይብል።
"ኣቢይን ካልኦት ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እንታይ ይሓስቡ ይነግሩና ኣለዉ። ሓደ ኢትዮጵያዊ ደርቢ ብዛዕባ 'ዓባይ ኢትዮጵያ' እንታይ ይሓስብ ንፈልጥ ኢና። እዚታት ካብ ኢሳይያስ ነጋሪ ኣይንደልየሉን። ከም መራሒ ነዚ ንምግታእ እንታይ ይግበር ኣሎ፡ ዘይከውን እንተዀይኑ እንታይ ምድላው ኣሎ ኢና ካብኡ እንጽበዮ።"
ቀጺሉ፡ "ሃገር ንምድሓን ክንጥቀመሉ ዝግባእ ህዝባዊ ትካላት እንታይ ኰይኑ ኣሎ ካብ ኵሉ ዝተሰወረ ኣይኰነን፤ ህዝቢ ከም ዝጸንት፡ ቍጠባ ከም ዝበርስ፡ ዓዲ ከም ዝባድም እንተ ገይርካ ከም መራሒ እቲ ክትገብሮ ዝግባእ በዂሩ ኣሎ፡" ይውስኽ።
ጀናይ እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተዋህበ መገልጺ፡ ንህልው ኵነታት ብንጹር ስእሊ ዝህብ፣ ህዝቢ ንዝዀነ እንተታት፡ እቲ ኵነታት በሪህሉን ተረዲኡዎን ክጸንሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ።
"ከምቲ ፕረዚደንት፡ 'ኣይትጥንቀቕን ማለት ኣይኰነን፣ ዓሻ'ውን ክሃርመካ ይኽእል'ዩ'፡ ዝበሎ፡ እቲ ምድላው ኣገድሲ ኰይኑ፡ ኵነታት ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ብምእታውን ዓቕሞም ክጋነን ከም ዘይብሉን ምስ ዝብል መገልጺ ፕረዚደንት እሰማማዕ፡" ኢሉ።
ዘቤታዊ ጕዳያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ካልኣይ ክፋል ብዛዕባ ዘቤታዊ ቀዳምነታት፡ ሃብቲ ዓሳ፡ መልዕሎ፡ ጽርግያን መጓዓዝያን፡ ግደ ድያስፖራ ኣብ መደባት ልምዓት፡ ዲፕሎማስን ሜድያን ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ጉዳይ ሱዳንን ኢትዮጵያ'ውን ተላዒሉ ነይሩ።
ዶ/ር ተስፋኣለም፡ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ "ዝበዝሕ ግዜ ከም ላቔባ ናይቲ ዞባዊ፡ ኣህጉራውን ዓለማውን ዛዕባታት፡" ኰይኑ ከም ዝመጽእ፣ "ልኡኽ ህዝቢ ዝዀነ፡ ምቝልልን ክብሪ ዘለዎን መሪሕነት እንተ ዝኸውን፡ ንዘቤታዊ ኵነታት እዩ ዝያዳ ቀዳምነት ክህብ ዝግባእ፡" ይገልጽ።
ጀናይ ብኣህጉራውን ዞባውን ኵነታት ክጅምር ኣድላዪን እዋናውን ምንባሩ ብምግላጽ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ከም ዝገለጾን ንምትእስሳሩ ብዝግባእ ከም ዘብርሆን ይሕብር።
ኣውፋሪ ኢንጅነር ዮናስ፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ክዛረብ እንተዀይኑ፡ "ነቲ ህዝቢ ተስፋ ንምቝራጽ እዩ ዝመስል። ደጋጊመ እነግረኩም ኣለኹ፣ እንታይ ኰይኑ ዘይርድኣኩም ዝብለና ዘሎ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ፡" ይብል።
"ትሕተ-ቕርጺ የሎን፣ ፋብሪካታት እንተ ነይረን ሕጂ የለዋን፣ ጸዓት ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ማይ እንተ ደሊኻ ናብ ማይ ዘለዎ ኪድ፣ ቢዝነስ እንተ ደሊኻ ናብ ቢዝነስ ዝካየደሉ ቦታ ኪድ፣ ካልእ ሕልሚ እንተ'ልዩካ ካብዚ ጥፋእ ዝብለና ኰይኑ እዩ ዝርኣየኒ።"
ተስፋኣለም'ውን ነቲ ቅድሚ ሕጂ ፕረዚደንት፡ ኣብ ብዙሕ ቃለመሕትቱ "የሎን፡ ክግበር ክኽእል ኣለዎ፡" ዝበሎ ብምጥቃስ፡ "ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት ዘርኢ እዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ሮያል ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ - ሽወደን ናይ ማስተርስ ትምህርቱ ዝከታተል ዘሎ ኢንጅነር ጀናይ ገብረገርግስ ካብዚ ዝተፈለየ ሓሳብ እዩ ዘለዎ፡ ንኤርትራ ናብ ከምዚ ዘቃልዑዋ፡ "ፈጠርቲ ሽግር ኣለዉ። ነቲ ውጽኢት ድማ ንሶም እዮም ዝሕተትሉ። እቲ ጅኦ-ፖለቲካ፡ ቀጻሊ ኣብ ልኡላውነት፡ ውሽጣዊ ሰላምና፡ ኣብ ቀጻሊ ኲናት ስለ ዘእተዉና ካብኡ እዩ ዝመጽእ፣ ንዓኡ ንምፍታሕ ድማ ፕረዚደንት መርሓ-ጐደና ምዕባለ ኣቐሚጡ እዩ፡" ኢሉ።
ኢንጅነር ዮናስ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዘካየዶም ቃለመሕትታት ተመሳሰልቲ ኰይኖም ከም ዝረኸቦም ይገልጽ፣ "እቲ ሓቂ ድማ ባዕሉ ይነግረና ኣሎ፡" ይብል።
"ካብቶም ዓድና ጽቡቕ ኣሎ እናበሉ ዝነግሩና ደገፍቱ ንላዕሊ [ኢሳይያስ] እቲ ሓቂ ይነግረና ኣሎ፣ ብውሕዱ ኣይሓሰወን።"
ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ብዙሕ ጽላታት ዘውፍር ዘሎ እንጅነር ዮናስ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዓበይቲ ትካላት ሃኒጾም ነተን ሃገራት የማዕብሉወን ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ኤርትራዊ ዓቕሚ-ሰብ ኣብ ዓዱ ባይታ እንተ ዝረክብ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ኣብ ካልኦት ሃገራት ከም ዘመስከረ ገሊጹ።
እንጅነር ጀናይ፡ "ኣብ ኤርትራ ቀዳማይ ኣገዳሲ፡ መስርሕ ሃገራዊ ህንጸት እዩ፣ ቅድም መንነትን ሰብን ኢኻ ትሃንጽ። ብድሕሪኡ ኢኻ ህንጻ እትሃንጽ። ናይ ሓጺር እዋን ስራሕ ከኣ እዩ። ህዝብን ሃገርን ከይሃነጽካ እትኸዶ ነገር ኣብ ሓደ ለይቲ ክፈርስ ይኽእል እዩ። በዚ ከኣ ጐረባብትና ጽቡቕ ኣብነት እየን፡" ይብል።
ተስፋኣለም፡ "እቲ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ-ወተሃደራዊ ደርቢ ኣይጠመየን። ኣብ ከብዲ ጽጉብ የሎን ጥሙይ እዩ ኰይኑ ዘሎ፡" ኢሉ።
"ኢሳይያስ ሓደ ናቱ ኢምብራጦርያ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ፡" ዝበለ ዮናስ፡ "ገባርን ሓዳግን ንሱ ጥራይ እዩ፣ እቲ ካልእ ድማ ኣገልጋሊ እዩ። መራሒ ዝበሃል ካብ ሓደ ደረጃ ናብ ካልእ ዝሓሸ ደረጃ ዘሰጋግር እዩ። ንዝኽእሉ ሰባት ኣኻኺቡ ባይታ ዝፈጥር እዩ፡" ክብል ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







