መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ዝከላኸል ክታበት ኤችፒቪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክታበት ኤችፒቪ (ህዩማን ፓፒሎማቫይረስ)፡ መልከፍቲ መንሽሮ ክሳብ ማህጸን ብ 90 ሚእታዊት ክከላኸል ከምዝኽእል መጽናዕቲ ይሕብር።
መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝረኣዩ ዓይነታት መንሽሮ ብብዝሒ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዝስራዕ ኮይኑ፡ ዓመታዊ ልዕሊ 300 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ይቐትል።
ክታበት ኤችፒቪ ብኸመይ እዩ መንሽሮ ዝከላኸል?
ክታበት ኤችፒቪ፡ ንትሸዓተ ዓይነታት ኤችፒቪ ይከላኸል።
ንክልተ ዳርጋ ኵሎም መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ዘስዕቡ፡ ከምኡ'ውን ንመብዛሕትኡ መንሽሮ መቐመጫ ዘስዕቡን ንገሊኦም ናይ መራብሒ ኣካላት፣ ኣእምሮን ክሳድን መንሽሮ ዝፈጥሩን ይከላኸል።
ዋላኳ ሰብሞያ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝጽበዩ እንተዀኑ፡ እቲ ክታበት ብውሑድ ን 10 ዓመት ረኽሲ ኤችፒቪ ይከላኸል።
እቲ ክታበት ረኽሲታት መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ብ 90 ሚእታዊት ይቕንስ ከምዘሎ መጽናዕቲ ይገልጽ።
ክታበት ኤችፒቪ ንመን ክወሃብ ይኽእል?
ክታበት ኤችፒቪ ኣወዳትን ኣዋልድን ቅድሚ በቲ ቫይረስ ምልካፎም እንተወሲዶምዎ ኣዐርዩ ውጽኢታዊ ይኸውን።
ምኽንያቱ እቲ ክታበት ረኽሲ እዩ ዝከላኸል እምበር እቲ ቫይረስ ሓንሳብ ናብ ሰብነትና ምስ ኣተወ ከወግዶ ኣይክእልን።
እቶም ቫይረሳት ብሰፊሑ ስለዝረኣዩ፡ እቲ ክታበት ቈልዑ ቅድሚ ጾታዊ ስምዒቶም ምዕባዩ ክወስድዎ ኣለዎም።
እቲ ክታበት ብሓደ ወይ ክልተ ዶዝ ክወሃብ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ። ትሑት ዓቕሚ ምክልኻል ዘለዎም ድማ ክልተ ወይ ሰለስተ ዶዝ ክውስዱ ይኽእሉ።
ኤችፒቪ እንታይ እዩ?
ኤችፒቪ (ህዩማን ፓፒሎማቫይረስ)፡ ልሙዳት ጕጅለ ቫይረስ ዝጽውዑሉ ሽም እዩ።
ልዕሊ 100 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኤችፒቪ ኣለዉ፤ ውሑዳት ጡብ ኣድጊ ዝመስል ምልክት ዘርእዩ እኳ እንተዀነ መብዛሕትኦም ግን ምልክት ኣየርእዩን።
እዚኦም ኣብ ኢድ፡ እግሪ፡ መራብሒ ኣካላት ወይ ውሽጢ ኣፍ ክረኣዩ ይኽእሉ።
መብዛሕትኦም ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዘይፈልጡ ኰይኖም፡ ሰብነቶም ብዘይ ሕክምና ነቶም ቫይረሳት የጥፍኦም።
ልዑል ሓደጋ ዘስዕብ ኤችፒቪ ግን ዘይንቡር ዕብየት ቲሹታት ብምፍጣር ካንሰር ከስዕብ ይኽእል።
ኤችፒቪ ንመን የጥቅዕ? ብጾታዊ ርክብ ከ ይመሓላለፍዶ?
እዚ ቫይረስ ኣዝዪ ተመሓላላፊ ብምዃኑ፡ ብቐሊሉ ዝርከብን ብናይ ቆርበት ምትንኻፍ ብቐሊሉ ዝላባዕን እዩ።
ክሳብ 80 ሚእታዊት ሰባት ኣብ 25 ዓመቶም ብኤችፒቪ ይልከፉ።
መብዛሕትኡ እዋን ካብ 18 ኣዋርሕ ክሳብ 2 ዓመት ይጸንሕ።
እቲ ቫይረስ ብፈሳሲ ዝመሓላለፍ ብዘይምዃኑ ብጾታዊ ርክብ ኣብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ዝምደብ ኣይኰነን።
እንተዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ብምትንኻፍ፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ክመሓላለፍ ይኽእል።
ዝርግሐ ክታበት ኤችፒቪ ኣብ መላእ ዓለም እንታይ ይመስል?
ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ 90 ሚእታዊት ሞት መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ኣብ ትሑትን ማእከላይን ኣታዊ ዘለወን ሃገራት እዩ ዘጋጥም።
ኣብዘን ሃገራት እቲ ሕማም ምልክታት ክሳብ ዘርኢን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ክሳብ ዝበጽሕን ኣይፍለጥን።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ 2020 ዝርግሐ ክታበት 90 ሚእታዊት ብምብጻሕ፡ ነቲ ቫይረስ ኣብ ዝቕጽል ሚእቲ ዓመት ከጥፍኦ ከምዝዓለመ ቅድም ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን 140 ሃገራት ክታበት ኤችፒቪ የተኣታትዋ ከምዘለዋ እውን ጠቒሱ።
ዝለዓለ ኤችፒቪ ክሳድ ማህጸን ኣብ ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ሃገራት (24 ሚእታዊት) ዝረአ ኰይኑ፡ ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያንን (16 ሚእታዊት)፡ ምብራቕ ኣውሮጳ (14 ሚእታዊት) ከምኡ ድማ ደቡብ ምብራቕ እስያ (14 ሚእታዊት) ብበዝሒ ከምዝረኣይ ውድብ ጥዕና ዓለም ረድእ።
እኹል መደባት ምመያ ዘይምህላው፤ ውሱን ቀረብ ኣገልግሎትን ክታበት ኣብ ምውሳድ ዘሎ ጥርጣረን ነቲ ጸገም ኣበርክቶ ዝገብሩ እዮም።
ሩዋንዳ ኣብ ኣፍሪቃ ወፍሪ ክታበት ካብ ዝጀመራ ቀዳሞት ሃገራት ሓንቲ እያ። ኣብ 2011፡ ኣዋልድ ክኽተባን ደቂ ኣንስትዮ ክምርመራን ዘኽእል ትልሚ ጀሚራ።
ኣብ ቀዳማይ ዓመት ናይቲ ወፍሪ ካብ 10 ኣዋልድ ነተን 9 ተበጻሒ ብምዃን ድማ ብሰብ ሞያ ኣብ ኣፍሪቃ ከም መርኣያ ትውሰድ።
ዋላ'ኳ ክታበት መንሽሮ ክሳድ ማህጸን ብዘደንቕ ደረጃ ዝከላኸል እንተዀነ፡ ንዅሎም ዓይነታት ኤችፒቪ ግን ኣይከላኸልን።
ደቂ ኣንስትዮ ድማ ካብ 25 ዓመተን ጀሚሩ ስሩዕ ምርመራ ክገብራ ኣድላዪ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







