እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ፡ ‘ንሳልሳይ ኲናት ዓለም ዝመርሕ' ውሳነ ባይደን ከቢድ ቍጥዐ ፈጢሩ
ፕረዚደንት ባይደን ንዩክረይን ሂብዎ ዘሎ ሓድሽ ፍቓድ ንተጠቃምነት ፍሉይ ሚሳይላት ኣመሪካ ንመጥቃዕቲ ሩስያ፡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ቍጥዐ ኣለዓዒሉ።
“ተሰናባቲ ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣመና ተዅታዂ፡ ቀመር ኣልቦ፡ ከቢድ ሳዕቤናት ዘኸትል ውሳነ ወሲዱ’ሎ” ክብል መርበብ ሓበሬታ መንግስታዊ ጋዜጣ ሩስያ ሮሲያስካያ ሎሚ ንግሆ ዘርጊሑ።
ኣባል ባይቶን ኣቦ መንበር ሊበራል-ዲሞክራሲያዊ ሰልፊን ሊዮኒድ ስሉስኪ ብወገኑ፡ እዚ ውሳነ “ናብ ኣተሓሳሳቢ ዕርገት እቲ ኵነታት ዝመርሕን ሓደገኛ ሳዕቤን ዘኸትልን ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ፡” ክብል ገምጋሙ ኣቕሪቡ።
ሰናተር ሩስያ ቭላድሚር ዣቦሮቭ፡ “ንሳልሳይ ኲናት ዓለም፡ ዝመርሕ ፍሉይ ስጕምቲ” ክብል ነቲ ውሳነ ገሊጽዎ።
ዘቘጥዕ እዩ፤ ዘገርም ግን ኣይኰነን ኢሉ። ኮሶሞሞልስካያ ፕራቭዳ ዝተባህለት ደጋፊት መንግስቲ ምዃና ትግለጽ ጋዜጠ ሩስያ፡ “ርግጽ ምዕራግ እቲ ኵነታት እዩ፡” ኢላ ጽሒፋ።
ዝዀነ ኰይኑ ግን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ሰበስልጣን ሩስያን እንታይ ከምዝብሉን ዝህብዎ ግብረመልስን እዩ ወሳኒ። ፑቲን ዛጊት ዝዀነ ምላሽ’ኳ እንተዘይሃበ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ብዙሕ ተዛሪቡ እዩ።
ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ‘ኣብ ኣጠቓቕማ ሚሳይላት ነዊሕ ርሕቀት ዝነበረ ገደብ ኣይተልዕሉ፤ ዩክረይን በዞም ሚሳይላት ንውሽጢ መሬት ሩስያ ክትሃርም ኣይትፍቀዱ፡’ ብምባል ንምዕራባውያን ንጹር መልእኽቲ ከተሕልፍ ጸኒሓ እያ።
ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ እዚ ክኸውን እንተተፈቒዱ ሞስኮ ከም "ቀጥታዊ ተሳትፎ" ሃገራት ኔቶ ኣብ ኲናት ዩክረይን ክትሪኦ ምዃና ኣጠንቂቑ ነይሩ።
"እዚ ማለት ሃገራት ኔቶ፡ ምስ ሩስያ ብቐጥታ ይዋግኣ ኣለዋ ማለት'ዩ" ክብል ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
ኣብ ዝቐጸለ ወርሒ ፑቲን ኣብ ሰረተ-እምነት ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ሩስያ ዝግበር ለውጢ ኣተንቢሁ ነይሩ። እቲ ሰነድ ሃገሩ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ክትውስን ዘኽእል ቅድመ ኵነት ዘቐመጠ እዩ።
እዚ ብሰፊሑ፡ ንኣመሪካን ኣውሮጳን፡ ዩክረይን መሬት ሩስያ ብነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላተን ክትሃርም ክፈቕዳ ከምዘይብለን መጠንቀቕታ ከምዝለኣኸ እዩ ተተርጒሙ።
ክስዕብ ዝኽእል ስጕምቲ ቭላድሚር ፑቲን ምግማት ኣጸጋሚ እዩ፤ እንተዀነ ኣመታት ክህብ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ሰነ ምስ ሓለፍቲ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ዩክረይን ብምዕራባውያን ብዝቐረበ ኣጽዋር መሬት ሩስያ ዒላማታት ገይራ ክትሃርም ዕድል እንተተዋሂባ፡ ሩስያ እትህቦ ግብረመልሲ ተሓቲቱ ኣብ ዝመለሰሉ፤ “መጀመርታ፡ ብርግጽ ስርዓተ ምክልኻል ኣየርና ከነመሓይሽ ኢና፤ በዚ ድማ ሚሳይላቶም ክንድምስሶ ኢና" ኢሉ ነይሩ።
"ካልኣይ፡ ከምዚ ዝበለ ኣጽዋር ናብ ዞባ ኲናት ብምቕራብ ንመሬትና ወቒዑ ጸገም ክፈጥረልና ይኽእል'ዩ ዝብል ሓሳብ እንተሃልዩ፤ ንምንታይ ከ ንሕና ተመሳሳሊ ኣጽዋር ሂብና ነቶም ኣባና ሽግር ዘውርዱ ዘለዉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ተኣፈፍቲ መሳለጥያታቶም ብኻልእ ከምዝህረም ዘይንገብር? ኢልና ኢና ንኣምን።"
ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ጸረ- ምዕራባውያን ዝዀኑ ሓይልታት ብምዕጣቕ ዒላማታት እዘን ሃገራት ከምዝውቃዕ ምግባር ሩስያ ክትሓስበሉ ዝጸንሐት ጉዳይ እዩ።
ቀንዲ መሻርኽቲ ፑቲን ዝዀነ ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ሩስያ ኣብዚ ጉዳይ ክትሓስበሉ ከምዝጸንሐት የመላኽት።
ሉካሸንኮ ምስ ሰበስልጣን ምዕራብ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ከምዝተዘራረበ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንሱ፡ “ኣጠንቂቐዮም እየ፤ ‘ኣቱም ሰባት፡ ኣብ ጉዳይ እዘን ሚሳይላት ነዊሕ ርሕቀት ተጠንቀቑ'” ከምዝበሎም ይገልጽ።
"ሑቲ የመናውያን ናብ ፑቲን ከይዶም ኣብ ልዕሊ መራኽብ ከቢድን ዘስካሕክሕን መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ዘኽእሉ ኣጽዋር ገማግም ባሕሪ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።"
“ንሱ ድማ ስርዓት ሚሳይል ባስቲዮን ብምቕራብ ነቲ ንዘለንስኪ ዝተዋህበ ኣጽዋር ብሑቲ ኣቢሉ ሕነኡ እንተፈድዩ - ሓንቲ ነፈርቲ እትጽዕን ዓባይ መርከብ ኣሜሪካ ይዅን እንግሊዝ እንተተሃሪማ፤ ደሓር እንታይ ይኸውን?"
እዚ ኰይኑ ግን፡ ገለ ካብቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ሩስያ ዝርአ ዘሎ ግብረመልሲ ነዚ ስግኣታት ንምንእኣስ ዝዓለመ ይመስል።
"ዕጡቓት ሓይልታት ሩስያ ድሮ [ቅድሚ ሕጂ] ኣብ ገማግም ባሕሪ ክሪሚያ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበሩ እዋን፡ ንሚሳይላት ኤቲኤሲኤምኤስ ኣብርዒኖም እዮም” ክብል ንጋዜጣ ኢዝቨስቲያ መግለጺ ዝሃበ ሓደ ወተሃደራዊ ክኢላ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ውሳነ "ክኽልሶ" ከምዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ።
እዚ ከምዚ ዝበለ ልዙብ ኣዘራርባ፡ ብዙሕ ዝተለምደ ኣይኰነን።
ድሕሪ ክልተ ወርሒ ፕረዚደንት ባይደን ካብ ስልጣኑ ወሪዱ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ክህሉ’ዩ።
ተመራጺ ፕረዚደንት ትራምፕ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንዩክረይን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ካብ ፕረዚደንት ባይደን ኣመና ተጠራጣሪ ምዃኑ እዩ መንግስቲ ሩስያ ዝኣምን።