እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚኒስተር ምክልኻል ቻይና ካብ መዝነቱ ተኣልዩ
ንኣዋርሕ ህጣሙ ጠፊኡ ዝጸንሐ ሚኒስተር ምክልኻል ቻይና ሊ ሻንግፉ ብወግዒ ካብ መዝነቱ ከምዝተኣልየ ተገሊጹ።
እቲ ንክልተ ኣዋርሕ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተኸዊሉ ዝጸንሐ ጀነራል ስለምንታይ ከምዝተኣልየ ኣይተገልጸን። መተካእትኡ ከምዝተሸመ ዝገልጽ ሓበሬታ'ውን የለን።
ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓያለ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ዝርከብዎም ሓለፍቲ ካብ መዝነቶም ከምዘውረደ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኲን ጋንግ ብተመሳሳሊ ኩነታት ንኣዋርሕ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተኸዊሉ ድሕሪ ምጽናሕ ተኣልዩ ነይሩ።
ክልቲኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ካብ ቤት ምኽሪ (ካቢነ ሚኒስተራት) እታ ሃገር'ውን ከምዝእለዩ ተገይሮም ኣለዉ።
መንግስታዊ ተለቪዢን ሲ-ሲ-ቲ-ቪ ከምዘቃልሖ፡ ላዕለዋይ ኮሚተ ሃገራዊ ባይቶ ቻይና ክእለዩ ንዝቐረበሉ ውሳነ ኣጽዲቑዎ'ሎ።
እቲ ስጉምቲ፡ ቻይና ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን ከተአንግዶ ትዳሎ ዘላ ኣኼባ ሓለፍቲ ምክልኻል ሃገራት ወጻኢ ብዘይ ሚኒስተር ምክልኻል ክትሳተፍ ዝገብር'ዩ።
ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ጀነራል ሻንግፉ ምስ ዕድግን ምምዕባልን መሳርሒታት ዝተሓሓዝ ብልሽውና ተጠርጢሩ ይምርመር ከምዝነበረ ሓቢሩ ነይሩ።
ብ29 ነሓሰ ኣብ ሓደ ኣብ ርእሰከተማ በጂንግ ዝተኻየደ ኣኼባ ሃገራት ኣፍሪቃ'ዩ ንመወዳእታ ግዜ ንህዝቢ ተራእዩ።
ድሕረ ባይታ ጀነራል ሊ ሻንግፉ ካብ ምህንድስና ሳተላይትን ምውንጫፍ ሮኬት ሰነጠፈርን'ዩ ዝብገስ። ብዘይገለ ሓጎጽጎጽ ድማ'ዩ ኣብ ሰራዊትን መንግስትን እታ ሃገር ዕብየት ስልጣን ተጓናጺፉ።
ኣብ 2018 ሓላፊ ወተሃደራዊ ዕድግን ምምዕባልን ንብረት ኣብ ዝነበረሉ፡ ካብ ሩስያ ነፈርቲ ውግእን ኣጽዋርን ገዚኡ ብዝብል ዒላማ እገዳ ኣመሪካ ኮይኑ ነይሩ።
በቲ ስጉምቲ ዝተቖጥዐ ጀነራል ሊ፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ምክልኻል ናይቲ ዞባ ምስ ኣመሪካዊ መዘናኡ ሎይድ ኣውስቲን ምርኻብ ተሓሲሙ ነይሩ።
ከምቲ ቅድሚኡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተኣልየ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ኲን ጋንግ ጀነራል ሊ ብፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ፍቱው ከምዝነበረ ዝግለጽ።
ሚኒስተር ጋንግ፡ ኣብ መዝነቱ ሸውዓተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽንሑ'ዩ ወሪዱ።
ስለምንታይ ከምዝተኣልየ ብወግዒ'ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ሓዳሩ ወጻኢ ጾታዊ ዝምድና ነይሩዎ ተባሂሉ ከምዝተኸሰሰ ዎል ስትሪት ጆርናል ዝተባህለ ጋዜጣ ኣመሪካ ጸብጺቡ ነይሩ።
ብድሕሪኡ'ውን፡ ክልተ መራሕቲ ኣገዳሲ ኣሃዱ ኑክሌራዊ ኣጽዋር እታ ሃገር ካብ መዝነቶም ተኣልዮም ብካልኦት ተተኪኦም እዮም።