ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሶርያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 22 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ርእሰከተማ ደማስቆ ሓደ ግብረሽበራዊ ኣብ ቤተክርስትያን ብዘፈንጀሮ ቦምባ፡ ብውሕዱ 22 ሰባት ተቐቲሎምን 63 ሰባት ተጐዲኦምን።

ብሰንበት ምሸት ኣብታ ድዋይላ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እትርከብ ቤተክርስትያን ነቢይ ኤልያስ ኦርቶዶክስ ግሪክ፡ ሓደ ተፈንጃሪ ዝተዓጠቐ ውልቀሰብ፡ ዝተዓጠቖ ቦምባ ቅድሚ ምፍንጃሩ፡ ተዅሲ ከም ዝኸፈተ ምኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ሶርያ ገሊጹ።

እቲ ውልቀሰብ ምስ ጅሃዳዊ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ምትእስሳር ከም ዘለዎ ዝተሓበረ ኰይኑ፡ እቲ ጕጅለ ግና ነዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ኣይወሰደን።

ዝተዘርግሑ ኣሳእልን ቪድዮታትን፡ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተክርስትያን ከቢድ ጕድኣት ዝወረዶ መንበረ-ታቦት፡ ብዝተሰባበረ መስትያት ዝተሸፈነ መናብርን ኣብ መናድቕ ዝተነጽገ ደምን የርእዩ።

ሎውረንስ ማማሪ ዝተባህለ ምስክር ዓይኒ፡ "ሓደ ዝተዓጠቐ ሰብ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ (ቤተክርስትያን) ብምእታው ክትኵስ ጀሚሩ። ቅድሚ ርእሰ-ቕትለት ምፍጻሙ ሰባት ደው ከብልዎ ፈቲኖም ነይሮም፡" ብምባል ብዛዕባ እቲ ህሞት ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ኣብ ጥቓ እታ ቤተክርስትያን ኣብ ዝርከብ ሹቕ ዝነበረ ካልእ ምስክር ዓይኒ ድማ ተዅሲ ከም ዝሰምዐ፡ ድሒሩ ድማ ንመስትያት ናይቲ ቤተክርስያን ኣብ ኣየር ዝበታተነ ነትጕ ከም ዝሰምዐ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ እስላማውያን ዕጡቓት ጕጅለ ሓያት ታሕሪር ንባሻር ኣልኣሳድ ብምዕላው፡ ነቲ ን13 ዓመታት ዝተኻየደ ኣዕናዋይ ሓድሕድ ኵናት ካብ ዝኽምብቱ ንደሓር፡ ኣብ ደማስቆ መጥቃዕቲ እንክፍጸም እዚ ፈላማይ እዩ።

ፓትሪያሪክ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ግሪክ ኣንጾክያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እከይ ኢድ ሎሚምሸት ንህይወትና ቀዚፉ፣ ኣብ እዋን መለኮታዊ ቅዳሴ ሰማእታት ኰይኖም ናይ ዝሞቱ ፈተውትና ህይወት ቀዚፉ፡" ኢሉ።

ኣብ ቀንዲ ኣፍደገ እታ ቤተክርስትያን ዝተፈጸመ እዚ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ህይወት ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ-እምነትን ጥቕኡን ዝነበሩ ሰባት ከም ዝቐዘፈ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ግዝያዊ ብዓልመዚ ሶርያ፡ "ንቅድስና ቤተክርስትያንና ብምጥሓስ ንዝተፈጸመን ገና'ውን ይፍፀም ንዘሎን ነገር ምሉእ ሓላፍነት ንኽወስዱን ውሕስነት ዜጋታት ከረጋግጹን፡" እቶም ፓትሪያርክ ጸዊዖም።

ምኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ሶርያ ኣናስ ካጣብ፡ እዚ ተግባር "ዝተዀነነ ገበን" ብምባል፡ ነዚ ዘጻሪ ፍሉይ ጕጅለ ሰብሞያ ምርመራ ከም ዝጀመረ ተዛሪቡ።

'እዞም ተግባራት ግብረሽበራዊ ስቪላዊ መንግስቲ ሶርያ ሰላም ንምምጻእ ዝገብሮ ጻዕሪ ኣይገትኦን፡" ኢሉ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶርያ ጌር ፔደርሰን፡ ሶርያውያን "ግብረሽበራውነት፡ ጥሩፍነት፡ ትንኰያን ንዝዀነ ማሕበረሰብ ዒላማ ዝገብር ተግባር ንምዅናን ሓደ ክዀኑ፡" ጸዊዑ።

ግዝያዊ ፕረዝደንት ኣልመህ ኣል ሳሃራ ንእስላማዊ ጕጅለ ሱኒ ሓያት ታሕሪር ዝመርሕ ክኸውን ከሎ፡ እዚ ጕጅለ ቅድም ክብል ምስ ኣልቃዒዳ ዝምድና ዝነበሮን ብሕቡራት ሃገራት፡ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ግብረሽበራ ዝተባህለን እዩ።

እቲ ፕረዝደንት፡ ብሃይማኖትን ብሄርን ውሑዳን ዝዀኑ ንምሕላው ብተደጋጋሚ ዝተመባጽዐ እኳ እንተዀነ፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ህይወት ሰባት ዝቐዘፉ መጥቃዕትታት ተፈጺሞም ኣለዉ።

እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ኣብ ሶርያ ክርስትያንን ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖትን ንዝዀኑ ውሑዳን ብተዳጋጋሚ ዒላማ ገይሩ።

እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ)፡ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ምዕራባዊ ሶርያ ክሳብ ምብራቓዊ ዒራቕ ዝተዘርግሐ 88,000 ትርብዒት መሬት ብምሓዝ፡ ኣስታት ሸሞንተ ሚልየን ሰባት ብጭካነ ይገዝእ ነይሩ።

ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ጕጅለ ዋላ እኳ ኣብ 2019 ወተሃደራዊ ስዕረት እንተ ኣጋጠሞ፡ ኣይኤስን መላፍንቱን ዝፈጠርዎ ስግኣት ከቢድ ኰይኑ ከም ዝቕጽል የጠንቕቕ።

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ዝተሓተመ ጸብጻብ፡ እቲ ጕጅለ ናይ ሶርያ ናይ ስግግር እዋን ተበሊጹ ዝፍጽሞም መጥቃዕትታት ከዛይድን እታ ሃገር ማእከል ምልመላ ዕሱባት ተዋጋእቲ (ናይ ወጻኢ ሃገር) ክገብራን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

እስላማዊ መንግስቲ፡ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ካብ 1,500 ክሳብ 3,000 ዕጡቓት ከም ዘለዎ ይግመት። ቀንዲ መራሕቲ እቲ ጕጅለ ሓዊሱ ዝበዝሑ ዕጡቓቱ ኣብ ሶርያ ዓስኪሮም ይርከቡ።

ልዕሊ 9,000 ተዋጋእቲ እቲ ጕጅለ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ሶርያ ተኣሲሮም ይርከቡ። ካልኦት ምስ ኣይኤስ ርክብ ዘለዎም 40,000 ሰባት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ተሓይሮም ዝርከቡ ዝበዝሑ ህጻናትን ደቂኣንስትዮን እዮም።