ኣባ ኣጐስጢኖስ ተድላ፡ ዘይርሳዕ ኵሉ መዳያዊ ታሪኾም

ምንጪ ስእሊ, DM
ኣባ ኣጐስጦኖስ ተድላ ኣብ ካቶሊካዊ ሕብረተሰብ ጥራይ ዘይኰኑ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ምርኡይ ተራ ዝተጻወቱ ዓቢይ ጸሓፍን መምህርን ልሳነተኛን ካህንን (ካፑቺን) ነበሩ። ብኻልእ ስም’ውን ይጽዉዑ ነበሩ - ኣባ ኣጐስጢኖስ ዘሔቦ።
እዚ ኸኣ ኣብ ሔቦ (ኣከለጉዛይ - ዞባ ደቡብ) ብ26 ሓምለ 1921 ስለ ዝተወልዱ ዝተዋህቦም ጥብቆ ስም እዩ።
ንምዃኑ፡ ሔቦ ኣባ ጁስቲኖ ደ ጃኮቢስ ወይከኣ ኣቡነ ያዕቆብ (1800-1860) ዝተቐብሩሉ ቦታ’ዩ። ንሶም ፈላሚ ሚስዮናዊ ካቶሊክ ኣብ ኤርትራ ክዀኑ እንከለዉ፡ ቅዳሴ ብግዕዝ ዘተኣታተዉ ዓቢይ መራሕ ሃይማኖት ነበሩ። ብዘመን ደጃዝማች ዉበ፡ ኣሕጺርና ንኽንገልጾ፡ ኣባ ጁስቲኖ ደ ጃኮቢስ ኣብ ሰገነይቲ ጽኑዕ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ብምምስራቶም፡ ኣከለጉዛይ መደበር ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣብ ከበሳ ክትከውን ከኣለት ክበሃል ይከኣል።
ናብ ኣባ ኣጐስጢኖስ ክንምለስ. . .
ንሶም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ መንደፈራ ዝነበረ ሰሚናርዮ ድሕሪ ምውድኦም ኣብ ኣስመራ ትምህርቲ ክህነት ፍልስፍናን ስነ-ሃይማኖትን ተማህሩ። ኣብኡ ኸኣ’ዮም ብ12 ነሓሰ 1951 ክህነት ዝተቐበሉ።
ክህነት ድሕሪ ምቕባሎም፡ ኣብ ስራሕ ክዋፈሩ ዝጀመርሉ እዋን ኣብ ኤርትራ ለውጥታት ይተኣታቶ ነበረ። ጉዳይ ኤርትራ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወዲኡ፡ ቀዳማይ ኣሰምብለያ - ባይቶ ዝተመስረተሉ፣ ተድላ ባይሩ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዝተመርጽሉ፡ ኤርትራ ብመንገዲ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ዝተቘረነትሉ (1952)፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኸኣ ኣብ ቀንዲ ከተማታት ኤርትራ ዝኣተውሉ እዋን ነበረ።
ኣባ ኣጐስጢኖስ፡ ብዓይኒ ካልኦት
ኣባ ዓንደማርያም ተስፋሚካአል ኣብታ ብዛዕባ ታሪኽ ቤተክርስትያን ምሕላብ ደሪሶማ ዘለዉ ሓዳስ መጽሓፎም (La chiesa di Mehelab. Eritrea - cento anni di fede e carità) ኣስፊሮሞ ከም ዘሎዉ፡ ኣባ ኣጐስጢኖስ ብ1955 ኣብ ምሕለብ ዝርከብ መደበር ሚስዮን ንኽምህሩ ተላእኩ።
እቲ ሽዑ ንብዙሓት ዘዛርብ ዝነበረ ዛዕባ ኣባ ኣጐስጢኖስ ኣብ ምሕለብ ዝነበሩሉ እዋን (1955-1957) ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ቋንቋ ትግረ ብግቡእ ኣጽኒዖም ክመልክዎን ክምህሩሉን ብምኽኣሎም ነበረ። ካብ ሽዑ’ዩ ኣብ ቋንቋታት ዝነበሮም ፍሉይ ተውህቦ ክገሃድ ዝጀመረ።
ድሒሮም ኣብ ህይወቶም ከም ዘመስከሩዎ፡ ብርክት ዝበሉ ቋንቋታት ኤርትራ፡ ኣምሓርኛ፡ ጣልያንኛ፡ እንግሊዘኛ፡ ዓረብኛ ዝፈልጡ፡ ጽሑፋት ላቲን ኰነ ግእዝ ክጥቀምሉን ክመራመሩሉን ክትንትኑን ዝኽእሉ ካህን ነበሩ።
ኣባ ዓንደማርያም ከም ዝብልዎ፡ ኣባ ኣጐስጢኖስ ኣብ ምሕለብ ኰነ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ካቶሊክን ኰነ ትምህርቲ ዓለምን ክቡርን ሕፉርን ሰብ ነበሩ። ደቂ ዓዲ በቲ ሚዛናውን ውሕሉልን ዘረባኦም፡ ምእመናን በቲ ዘይርሳዕ ስብከቶም፡ ተመሃሮ ኸኣ ብኣስተምህሮኦም የድንቕዎም ከም ዝነበሩ ይገልጹ።
ኣብ ምሕለብ ዝነበርሉ እዋን ሓደ ተመሃራዮም ዝነበረ ዝዝክሮ ጕዳይ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ኣብ ሓምሻይ ክፍሊ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ምዕጻው ትምህርቲ ብኣባ ኣጐስጢኖስ ብቛንቋ ትግረ ዝተደርሰት ተዋስኦ ከም ዝተዋስአ የዘንቱ።
እቲ ተመሃራይ ንጉሰ ሃይለ መንስዓይ’ዩ። ንጉሰ ኣብቲ ዝሰዓበ ክፋል ህይወቱ በታ ብንእሽቶኡ ዝተዋስኣላ ድራማ ተመሲጡ ከም ጸሓፊ-ተዋስኦን ገጣማይን ኰይኑ ኣብ ማሕበር ትያትር ኣስመራ ዕዙዝ ተራ ዝነበሮ ዜጋ’ዩ።
ንጉሰ ከም ዘዘንትዎ፡ እታ ተዋስኦ ብሓደ ሸነኻ ብዛዕባ ሚስዮናውያን ዘተኣታተዉዎ ለውጥታት ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ ሸነኻ ድማ ደቀባት ሒዞምዎ ዝጓዓዙ ባህልን ልምድን ነበረት። ኣብታ ተዋስኦ፡ ንጉሰ ከም ወኪል ገባር ህዝቢ ኰይኑ፡ ካልእ ብጻዩ ድማ ከም ወኪል ሚስዮን ኰይኑ ኣብ ክርክር ክኣትዉ ይዝከሮ።
እታ ንመጀመርታ ግዜ ዝቐረበት ድራማ ብደቂ ዓዲ ዓቢ ኣድናቘት ረኸበት፡ ብዙሓት ሰባት ከኣ ከም ዘዛረበት ንጉሰ ይገልጽ። ኣብቲ እዋን’ቲ ተዋስኦ ብርቂ ፍጻመ ነበረ። ኣባ ኣጐስጢኖስ ድማ ክኢላን ኣድማዕን ኣስፊሖም ዝሓስቡን መምህር ምንባሮም ኣመስከረት።
ዶክ. (ኣባ) ገብረየሱስ ሃይሉ፡ ዓቢይ ካህን ካቶሊክ ጥራይ ዘይኰኑስ ዓቢ ጸሓፊ ነበሩ። ብዙሕ ግዜ በታ “ሓደ ዛንታ” ዘርእስታ - ብዛዕባ ሓደ ኤርትራዊ ዓስከር ጣልያን ኣብ ውግእ ጣልያን/ሊብያ - ዝደረስዋ መጽሓፍ’ውን ይዝከሩ’ዮም።
ኣባ ገብረየሱስ ብዛዕባ ኣባ ኣጐስጢኖስ ከምዚ ዝስዕብ በሉ ... “ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ በጺሐ’የ። ኣብ ጕዕዞይ ከም ኣባ ኣጐስጢኖስ ዘኣመስለ መስተውዓልን ምዕቡልን ሰብ ኣጓኒፉኒ ኣይፈልጥን” ኢሎም ብኣድንቘት መስከሩሎም።
ኣባ ኣጎስጢኖስ ካብ ምሕላብ ናብ ሰበኻ ከረን ተመዲቦም ሃዋርያዊ ኣገልግሎቶም ቀጸሉ። ብጾቶም ካፑቺንን ምእመናንን ኣብ ልዕሊኦም ዝነበሮም ኣኽብሮትን ኣድናቘትን እናዓዘዘ ከደ።
ኣብ ፍሉይ ስርሓት ንኸገልግሉ ይምዘዙ ስለ ዝነበሩ፡ ብ1958 ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ኮሌጅ (ዘርኣ ክህነት) ከም ምኽትል-ዳይረክተር ኰይኖም ንኸገልግሉ ተመዚዞም ንኢጣልያ ተላእኩ።
ኣብቲ ዘመን’ቲ፡ ኣብ ቫቲካን ብርክት ዝበሉ ተመሃሮ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ይርከቡ ነበሩ።
ኣባ ኣጐስጢኖስ ኣብ ቫቲካን
ብተፈጥሮኦም፡ ኣባ ኣጐስጢኖስ ኣብ ዝኣተዉዎ ስራሕን ሓላፍነትን ተጊሆም ዝሰርሑ ካህን ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ቫቲካን’ውን ኣብ ምዕባለን ክንክንን ተመሃሮ ነጠፉ።
ኣባ ኣጐስጢኖስ ኣብ ቫቲካን ዝነበርሉ እዋን ኣብ ራድዮ ቫቲካን’ውን ከም ዋና ሓላፊ ኰይኖም ኣገልጊሎም’ዮም። ራድዮ ቫቲካን ፈላሚ ፈነወኣ ብ12 ለካቲት 1931 ኰይኑ፡ ቀንዲ ዕላማኣ ድማ ዜና ቫቲካን ሓበሬታ ምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ ናብ መላእ ዓለም ተስፋ እምነት ብምብጻሕ ንፍጻመታት ብብርሃን ወንጌል ትርጕምን ፍታሕን እትህብ ራድዮ እያ። ኣብቲ እዋን’ቲ እቲ ንኢትዮጵያ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መደብ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ጥራይ ነበረ።
ኣብ ኣጐስጢኖስ ተዛረብቲ ትግርኛ’ውን ትምህርቲ ወንጌል የድልዮም’ዩ ኢሎም ብምምጓት እቲ ዝነበረ መዓልታዊ ናይ ፍርቂ ሰዓት መደብ 15 ደቒቕ ብኣምሓርኛ፡ 15 ደቒቕ ብትግርኛ ንክኸውን ቀየርዎ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ቫቲካን ዝነበርሉ እዋን ኣብ ከክልተ ዓመት ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ጣልያንኛ፡ እንግሊዘኛ፡ ፈረንሳይኛ “ናይ ሓበሻ ገዳም እስጢፋኖስ ኣብ ቫቲካን” ዝጽዋዕ መጽሔት የሕትሙ ነበሩ።
ብ1962-1963 ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ካልኣይ ዓለምለኻዊ ኣኼባ (Concilio Ecumenico Vaticano) ንዝተረኽበ ልኡኽ ኢትዮጵያ ከም ኣስተርጓሚ ኰይኖም’ውን ኣገልገሉ።
ምምላስ ናብ ኤርትራ
ብ1964 ኣባ ኣጐስጢኖስ ካብ ኢጣልያ ንኤርትራ ምስ ተመልሱ ኣብ ገጅረት፡ ክህነት ዝተቐበልሉ ገዳም፡ ኣተዉ። ኣብ ገዳም ገጅረት ድማ ንፈለስቲ ፍልስፍናን ስነ-ሃይማኖትን ክምህሩን፡ ብዓቢኡ ኸኣ ሓላፊ ናይቲ ኮሌጅ ኰይኖም ከካይድዎን ጀመሩ።
ክእለትን ጥበብን ኣባ ኣጐስጢኖስ ዓቢ ስለ ዝነበረ፡ ከምኡ’ውን ኣርሒቘም ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ስለ ዝነበሮም ስርሖም እናሰላሰሉ ተወሳኺ ሓድሽ ፕሮጀክት ካብ ምድህሳስ ዓዲ ኣይውዕሉን ነበሩ ይበሃል።
ኰይኑ ድማ ምስቶም ካልኦት ኣመንቲ ክርስትና - ኣብያተ ክርስትያናት ኦርቶዶክስን ከኒሻን - ርክብ ብምምስራት ክርስትያናዊ ስርሓት የሰላስሉ ነበሩ፤ ኣብ ሕውነትን ሓድነትን ዝተመስረተ መንፈስ ንኽዓስል ከኣ ማሕታ ከም ዝነበሩ ሰነዳት ይምስክሩ።
ኣብቲ ዝሰዓበ ዘመን’ቲ፡ ማለት ዘመነ ደርግ፡ ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ሰባት ይእሰሩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣባ ኣጐስጢኖስ ድማ ሓልዮቶምን ሕያውነቶምን ገደብ ስለ ዘይነበሮ፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርትታት ብምብጻሕ ንብዙሓት እሱራት ከም ኣቦ ነፍሲ ኰይኖም ሃዋርያዊ ኣገልግሎቶም ይልግሱሎም ከም ዝነበሩ ኣብ መዛግብ ቤተክርስትያን ሰፊሩ ይርከብ።
ንሽጉር ምርዳእ፡ ንዝተኣስረ ምበጽሕ፡ ንዝሓዘነ ምጽንናዕ፡ ግፉዕ ፍትሒን ኽረክብ ምጕያይ መለለዪታት ኣባ ኣጐስጢኖስ ከም ዝነበሩ ምእመናንን ደቂ ማሕበሮምን ይምስክሩ።
ኣባ ተወልደብርሃን ጸጋይ ኣብ ኢንሳክሎፒድያ አትዮፒካ ዝጸሓፍዎ ሓተታ ከም ዝሕብሮ፡ ብ4 ጥሪ 1975 ኣባ ኣጐስጢኖስ “ሰበኻ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኢትዮጵያ” ዝበሃል ሓድሽ ማሕበር ኣብ ምምስራት ተራ ከም ዝነበሮም፣ ቀዳማይ ኣመሓዳሪ ናይቲ ማሕበር ኰይኖም ድማ ከም ዝተመርጹ ይምስክሩ።
ነቲ ማሕበር የካይድሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ደርግ ከም ዝኣሰሮም እቲ ሓተታ የዘንቱ።
ማእሰርቲ ኣባ ኣጐስጢኖስ
ደርግ ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ እዋን ኤርትራ ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት ከም ዝተሸመመት ዝዝከር’ዩ። ህጹጽ ኣዋጅ ተኣዊጁ፡ ኣብ ወኪዱባ፡ ኦምሓጀርን ካልኦት ከባቢታትን ሰላማውያን ሰባት ዝተቐትልሉ፡ ጸኒሑ ኣብ ኣቝርደት 200 ሰባት ዝጸነትሉ ዘመን ነበረ።
እቲ ዝኸፍአ ጸገም ውግእ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት (ጀብሃን ሻዕብያን) ተወልዐ። በዚ ኸኣ ብዙሕ ሰብ ሓዘነ።
ኣባ ኣጐስጢኖስ ብጓሂ ተዋሒጦም ስቕ ኣይበሉን። ዕርቂ ኣብ መንጐ ኣሕዋት ንኽዓስል ምስ ዓበይቲ ዓዲ ይመኽሩን ይዝትዩን ከም ዝነበሩ መዛግብ ቤተ-ክርስትያን ይሕብሩ።
ደርግ ኣብ ኣስመራ ሰባት ይቐትል ስለ ዝነበረ ፍጹም ሸገርገር ተፈጥረ፣ ኣባ ኣጐስጢኖስ ግን ነቲ መዕቈቢ ዝደለየ ህዝቢ ኣብ ገዳም ገጅረት፡ ዋላ’ኳ ንገዳማውያን ጥራይ ዝተሓዝአ ቦታ እንተነበረ፡ የዕቍብዎ ነበሩ።
ደርግ ንኸምስል ዓበይቲ ዓዲ ዓዲሙ ናይ ሰላም ኣንፈታት ክጀማምር ብኻልእ ሸነኹ ድማ ወተሃደራቱ ዓድታት የቃጽሉን ሰላማውያን ሰባት ይውድኡን ነበሩ።
ኣባ ኣጐስጢኖስ ምስ ካልኦት ዓበይቲ ዓዲ ሓቢሮም ኣብቶም ብደርጋውያን ዝካየዱ ዝነበሩ ኣኼባታት ተረኺቦም ብትብዓት ዓገብ ዝብሉ ካህን ምንባሮም ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ ነበረ። ሓደ ካብቲ ዘእሰሮም ምኽንያት ከኣ ኣብ ኣኼባታት ከይፈርሁ ነቲ ኣብ ባይታ ኤርትራ ዝነበረ ሓቂ ሒዞም ንመራሕቲ ኣኼባ ይምክቱዎም ምንባሮም ብዙሕ ሰብ ይምስክረሎም’ዩ።
ደርግ በቲ ኣባ ኣጐስጢኖስ ዘልዕልዎ ዝነበሩ ዛዕባታት ተቘጢዖም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣራተኛ ክፍለ ጦር (ኣዲስ ኣበባ) ንሽድሽተ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን (1975-1981) ኣሰርዎም።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓጸልጸል ስለ ዝበሉ ጸገማት ጥዕና ኣስዓበሎም። ብሰነ 1982 ክንክን ጥዕና ንኽረኽቡ ንዓዲ ጣልያን ተጓዕዙ። ሽዑ ዕድመኦም 61 በጺሑ ነበረ። ኣብኡ እናተሓከሙ ስርሖም ናብ ስነ-ጽሑፍ ገጹ ዘምበለ። መዝገበ-ቃላት ትግርኛ ንኸዳልዉ ኸኣ ተዓጥቁ።
ኵነታት ጥዕናኦም ስለ ዘይተመሓየሸ እቲ ዝጀመርዎ ፕሮጀክት ካልኦት ንኽውድእዎ ኣሰጋግርዎ። እንተ ንሶም ግን ንሃገሮም ክምለሱ ወድእዎ።
ብኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምልጋስ መሬት ዓዶም ክረግጹን ህዝቦም ክርእዩን ንኤርትራ ኣተዉ። ኣብ ኣስመራ ክልተ ሰሙን ጸኒሖም ኣብ መበል 67 ዕድመኦም ካብዛ ዓለም ብ26 ሕዳር 1989 ተሰናበቱ።
“ቋንቋ ሓበሻ” ዘርእስታ መጽሓፎም ድሕሪ ስንብታኦም ብ1994 ተሓትመት። ኣብ መጽሓፎም ምሉእ ታሪኽ ህይወቶም ሰፊሩ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







