እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስክር ወረቐት ልደት ወይ መለለዪ መንነት ብዘይምህላው ብዛዕባ ዝፍጠር ሃገር ኣልቦነት እንታይ ትፈልጡ?
ብዙሓት ሰባት፡ ምስክር ወረቐት ልደቶም፡ ወይ ተመሳሳሊ ሰነዳት ከም ብዋዛ ክወስዱዎ ይኽእሉ እዮም። ንዝነውሐ እዋን ኣብ ሳንዱቕ ተቐሚጦም እውን ክዀኑ ይኽእሉ።
ግን ድማ፡ ከምዚ ዓይነት ሰነዳት ዘይብሎም ሰባት፡ ህይወት ኣዝያ ዝኸበደት ወይ ርጕጽነት ዝጐደላ ክትኸውን ትኽእል እያ።
እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝጸሉ ይግመት። እዚኦም ድማ፡ ሃገር ኣልቦ ተባሂሎም ይግለጹ። ወዲ 25 ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኣርኖልድ ንኩቤ ድማ ሓደ ካብቶም እዮም።
ኣርኖልድ፡ ካብ መንግስቲ ዘውጽኦ ሰነዳት ስለ ዘይብሉ፡ ኣብ ጐደናታት ኣብ ጥቓ ጆሃንስበርግ ኣብ እትርከብ ከተማ ቴምቢሳ መካይን ብምሕጻብ መነባብሮኡ ይመርሕ።
ኣብ ጆሃንስበርግ ተወሊዱ፤ ኣቡኡ ድማ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ብምዃኑ ዜግነት ንምርካብ ብቑዕ ይገብሮ።
ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክምዝገብ ምስ ፈተነ ግን ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ከም ዘይብሉ ተገንዚቡ።
ኣቡኡ ቅድሚ ምውላዱ፡ ኣዲኡ ድማ ወዲ 14 ዓመት እንከሎ ስለዝገደፈቶ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ምዃኑ ከረጋግጽ ኣይክለኣን።
"ብጣዕሚ መሪር ነገር'ዩ፡" ይብል። "ብመሰረቱ የለኻን፡ ኣብ ጽላሎት ትነብር ከም ዘለኻ'ዩ። ናይ ባንክ ሕሳብ የብልካን፡ መነባብሮኻ ክትመርሓሉ እትኽእል ጽቡቕ ስራሕ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ፡" ይብል።
ወሲኹ ድማ፡ ጸጽቡቑ ብምሕሳብ፡ ነዞም ሰነዳት ንምርካብ ከም ዝጽዕር ግን በዳሂ ከም ዝዀነ ይዛረብ።
"መሓዙተይ ክርኢ ከለኹ ሕጂ ትምህርቲ ወዲኦም ኣለዉ። ኣነ ግን ካብዚ ንላዕሊ ክመሃር ኣይከኣልኩን። ብዙሕ'ዩ። ኣብ ሓደ እዋን ጭንቀት ውሒጡኒ ነይሩ፡"።
ኣርኖልድ ሓደ ካብቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ብውሑዱ ኣስታት 10 ሽሕ ዝዀኑ ሃገር ዘይብሎም ሰባት ኰይኑ፡ ኣብ ዝተወለድሉ ሃገር ዜግነቶም ከረጋግጹን ህዝባዊ ኣገልግሎት ክረኽቡን ይጽገሙ ኣለው።
ብዛዕባ ሃገር ዘይብሎም ሰባት ዝገልጽ ወግዓዊ ስታቲስቲክስ የለን፤ ምኽንያቱ እዞም ሰባት ህወይቶም ንምምራሕ ዝረኸቡዎ ዓይነት ስራሕ ስለ ዝሰርሑ እዩ።
ስለዚ ነዞም ሰባት ዝምከልት መረዳእታታት፡ ብገምጋማት ከም ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት፣ ዩኤንኤችሲኣርን ትካላት ሲቪላዊ መሰላትን ዝተመኰሰ እዩ።
ዜግነት እንተዘይሃልዩካ፡ ሃገር ዘይብሎም ሰባት ሰነዳት ክረኽቡ ስለ ዘይክእሉ፡ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ሓዊሱ መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ይጽገሙ።
ሃገር ኣልቦነት ብብዙሕ ረቛሒታት ዝመጽእ ኰይኑ፡ ምምሕዳራዊ ዕንቅፋታትን ድኹም ምዕቃብ መዝገብን ይርከብዎም።
ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ብልክዕ ቁጽሪ ሃገር ዘይብሎም ሰባት ክትመዝኖ ኣጸጋሚ እዩ።
ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ክሪስቲ ቺተንጉ ንርእሳ ሃገር ኣይነበራን።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ጥራይ እያ ዜግነት ደቡብ ኣፍሪቃ ረኺባ።
"ኣብ 17 ዓመተይ ሃገር ኣልቦ ምዃነይ ፈሊጠ። ርእሰ መምህር ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርተይ ናብ ቤት ጽሕፈታ ጸዊዓ ብዛዕባይ ዝዀነ ዓይነት ሰነድ ከም ዘይብላን ከመይ ጌረ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ከም ዝኣተኹ ከም ዘይፈትልጥን ነጊራትኒ፡" ክትብል ንቢቢሲ ትገልጽ።
"ኣብ ጆሃንስበርግ ካብ ክልተ ወጻእተኛታት ወለዲ [ክልቲኦም ካብ ዙምባብወ] ተወሊደ፤ ክውለድ ከለኹ ድማ ብኢድ ዝተጻሕፈ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስክር ወረቐት ልደት ተዋሂቡኒ።"
ሰበስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ ግን ዝተሓትመ ምስክር ወረቐት እዮም ዝደልዩ።
ክሪስቲ፡ ሃገር ከም ዘይብላ ምስ ፈለጠት ዜግነት ወለዳ ክትወስድ ከም ዝፈተነት፤ ግን ከኣ እዚ ንምግባር ኣዝያ ከም ዝዘንግዐት ትዛረብ።
"ዜግነት ዙምባብወ ክሓትት ኣይከኣልኩን ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን ጓል 16 ዓመት ስለ ዝነበርኩን ክምዝገብ ኣይፈቐዱለይን። ፓስፖርት ዙምባብወ ንምርካብ ድማ ብኣካል ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክወጽእ ይግባእ፤ ካብታ ሃገር ክኣ ብዘይ ዝዀነ ሰነድ ወአጺ፡ ተመሊሰ ክኣቱ ኣይፍቀደለይን፡" ትብል።
ደቡብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ስነዳ ዘይብሎም ስደተኛታት ከም ዘለውዋ፡ ሰበስልጣን ንዓመታት ንዘይስሩዕ ስደት ንምድራት ክጽዕሩ ጸኒሖም እዮም።
ክሪስቲ፡ ሃገር ዘይብሎም ህጻናት ዜግነት ምሃብ ነቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝወልዱ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ከም ሽልማት ክረአ ይኽእል ምስ ዝብል ኣይትሰማማዕን።
"ዜግነት ዓስቢ ኣይኰነን፤ ሓደ ሰብ ክቡር ህይወት ክነብር ዘኽእሎን ሓደ ሰብ ከም ሰብ ክረአ ዝገብሮን መሰል'ዩ። በዚ መነጽር እንተርኢናዮ፡ ናብ ደሓ መባእታ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ወይ ክንክን ጥዕና ክረክብ ዘይክእል ቈልዓ ዜግነት ብምጋብ እንስእኖ ነገር ከም ዘየለ ንግንዘብ፡"።
ቢቢሲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጕዳያት ኢሚግሬሽን ዝከታተል ክፍሊ ውሽጣዊ ጕዳያት፡ ጕዳይ ሃገር ኣልቦነት ብኸመይ ከም ዝፈትሖ ንምፍላጥ እኳ እንተተወሰከ፡ መልሲ ኣይረኸበን።
ጕዳይ ሃገር ኣልቦነት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጥራይ ዝተፈጥረ ጸገም ዘኰነስ ዓቢ ዓለማዊ ጸገም እዩ።
ኣብ መላእ ዓለም ብገምጋም 4.5 ሚልዮን ዜግነት ዘይብሎም ሰባት ኣለዉ። ገሊኦም ድማ እቲ ኣሃዝ ክሳብ 15 ሚልዮን ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይዛረቡ።
ነቲ ጸገም ንምምካት ስደተኛታት ደቈም ኣብ ዝተወልዱሉ ቦታ ክምዝግቡ ምፍቃድ፡ ከምኡ'ውን ኣዴታት ዜግነተን ናብ ደቀን ከሕልፋ መሰል ምሃብ ሓዊሱ ለውጢ ፖሊሲ ከም ዘድሊ ክኢላታት ይኣምኑ።
"ንዓና ሃገር ኣልቦነት ሕጋዊ ጉዳይ ጥራይ ዘይኰነስ መሰል ኣብ ልምዓት ምስታፍ ዘጠቓልል ጉዳይ'ዩ፡" ይብል ኣብ አኤንኤችሲኣር ዝሰርሕ ሄሱስ ፔረዝ ሳንቸዝ።
"እቲ ብሃገር ኣልቦነት ዝተጸልወ ሰብ ነታ እተአንግድ ዘላ ሃገር ምሉእ ኣበርክቶ ክገብር ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ከበቲ ማሕበረሰብ ጐድኒ ተደፊኦም ዘለው ሰባት ነቲ ህዝብን ንቝጠባን ሙሉእ ንሙሉእ ኣበርክቶ ንክገብሩ ክካተቱ ብምግባር ሃገር ኣልቦነት ክፍታሕ ይኽእል እዩ ኢልና ንኣምን፡"።
ኣርኖልድ ናብ ቴምቢሳ ክምለስ እንከሎ ምስ ህጻናት ናይቲ ከባቢ ኵዕሶ ይጻወት።
ድሕሪ ናይ ዓመታት ቃልሲ ሕጂ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ምዃኑ ዘረጋግጹ ወረቓቕቲ ንምርካብ ዝሕግዞ ጠበቓ ኣለዎ።
ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሱ ኮምፒተር ሳይንስ ክመሃር ይደሊ። ሕጋዊ ሰነዳት ምርካቡ ድማ ናብ ብሩህ መጻኢ ከምርሕ ተስፋ ኣለዎ።