ኣመሪካ፡ ብዛዕባ እታ ሽዱሽተ ሰባት ሒዛ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት እንታይ ንፈልጥ?

ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ሕክምና መጓዓዝያ ነፋሪት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፊላደልፍያ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ህንጻታት ድሕሪ ምውዳቓ፡ ኣባይትን መካይንን ብሓዊ ኣቃጺላ፡ ካልኦት ኣብ መሬት ዝነበሩ ሰባት'ውን ከም ዝቘሰሉ ተገሊጹ።

እታ ጀት፡ ትማሊ ዓርቢ ምሸት ኣርባዕተ ሰራሕተኛታትን ሓንቲ ሕምምቲ ህጻንን ከምኡ'ውን ኣባላት ስድራ ሒዛ ከም ዝነበረት `ጀት ረስኪው ኤየር ኣምቡላንስ` ዝተባህለ ኵባንያ ነፈርቲ ሕክምና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሽዱሽተ ሰባት ሜክሲካውያን ከም ዝዀኑን ኵሎም በቲ ሓደጋ ከም ዝሞቱን ሰብ መዚ ኣፍሊጦም።

ፕረዚደንት ሜክሲኮ ክላውድያ ሸንባም፡ ብሞት እቶም ግዳያት ከም ዝሓዘነት ብምግላጽ፡ ንስድራ ግዳያት ጽንዓት ተመኒያ።

"ሰብ መዚ ቈንስላ ምስቶም ስድራቤታት ቀጻሊ ርክብ ይገብሩ ኣለዉ፤ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ዝዀነ ይኹን ደገፍ ክገብር ሓቲተዮ ኣለኹ" ክትብል ኣብ ኤክስ ጽሒፋ።

ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ፊላደልፊያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ፊላደልፍያ ኣብ ጥቓ ሩዝቨልት ሞል ብዓርቢ ምሸት ኣዕናዊ ሓደጋ ነፋሪት ኣጋጢሙ" ብምባል፡ እታ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ፊላደልፍያ ዝተበገሰት ናይ ብሕቲ ጀት - ናይ ሕክምና መጓዓዝያ ነፋሪት- ዝነበሩ ሓንቲ ኣደን ጓላን ኣርባዕተ ሰራሕተኛታትን [ኣብራርን ተሓጋጋዚኡን ዝርከቡዎም] በቲ ዘሕዝን ሓደጋ ሞይቶም ክብል ኣረጋጊጹ።

ምዝገባ በረራታት ከም ዘመልክቶ፡ እታ ነፋሪት "ቅድሚ ምውዳቓ ንሓደ ደቒቕ ጥራይ" ኣብ ኣየር ከም ዝነበረት ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ሓቢሩ።

"ብዙሓት ኣብ መሬት ዝነበሩ ሰባት - ኣብ መዕረፊ መካይን፡ ኣብ ጐደናታት፡ ኣብ መካይንን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ኣባይትን - ቈሲሎም" ይብል እቲ መግለጺ።

እንተዀነ "ቍጽሪ እቶም ጕድኣት ዝበጽሖም ገና ኣይተፈልጠን" ኢሉ።

ገሊኦም ናብ ቴምፕል ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ጂንስ ካምፓስ ከም ዝተወስዱ፡ ኣብ ካልኦት ሆስፒታላት ግን ተወሳኺ ሕክምና ዝረኽቡ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ሰብ መዚ ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ቴምፕል ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል-ጂንስ፡ ኣብ እዋን እቲ ሓደጋ ኣብ መሬት ንዝተጐድኡ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝተሓከሙ ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ገሊጹ።

ካብቶም ሰባት እቶም ሰለስተ ተሓኪሞም ክወጽኡ እንከለዉ፡ ብዛዕባ ኵነታት እቶም ካልኦት ሰለስተ ዛጊት ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘይተፈልጠ እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ።

በዚ ሓደጋ ዝስዕብ፡ "ክሳራ ከም ዝህሉ ንፈልጥ ኢና፡" ዝበለ ኣመሓዳሪ ፔንስልቨንያ ጆሽ ሻፒሮ፡ "ዘስካሕክሕ ሓደጋ ኣቭየሽን፡" ክብል ገሊጽዎ።

ኣብታ ነፋሪት ዝነበረት ህጻን፡ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኵነታት ጥዕና ስለ ዝነበራ ኣብ ኣመሪካ ሕክምናዊ ክትትል ክትገብር ከም ዝጸንሐትን ትማሊ ምሸት ናብ ሜክሲኮ ትምለስ ከም ዝነበረትን ወሃቢ ቃል `ጀት ረስኪው ኤየር ኣምቡላንስ ሻይ` ጎልድ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ማዕከን ዜና ኤንቢሲ ሓቢሩ።

ምስታ ህጻን፡ ኣዲኣ፡ ፓይለት፡ ሓጋዚ ፓይለት፡ ሓኪምን ፓራሜዲክን ከም ዝነበሩ'ውን ገሊጹ።

ጎልድ ንኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ወጻኢታት ሕክምና እታ ህጻን ብገባሪ ሰናይ ዝተመወለ እዩ ነይሩ ኢሉ።

"ንኽትድሕን ብዙሕ ተቓሊሳ፣ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ እዚ ትራጀዲ ኣጋጢሙዋ፡" ይብል።

ከንቲባ ፊላደልፍያ ቸረል ፓርከር፡ ሰበስልጣን እታ ከተማ ቍጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ከም ዘይፈልጡ፡ እንተዀነ፡ እታ ከተማ "ንዝዀነ ሰብን ንዅሉ ክጽሎ ዝኽእልን ጸሎት ትሓትት ኣላ፡" ኢላ።

"ፍርስራስ እንተ ርኢኹም ናብ 911 ደውሉ፡ ዝዀነ ነገር ኣይትተንክፉ።"

ፊላደልፍያ፡ ኣብ ኣመሪካ ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረላ ሓምሸይቲ ዝዓበየት ከተማ እያ።

እቲ ሓደጋ ድማ ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከብ ብዓል ሰለስተ ደርቢ ማእከል ዕዳጋ 'ሩዝቨልት ሞል' ሒደት ኣንጎሎታት ጥራይ ርሕቕ ኢሉ እዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ ኣርከን ዘለዎም ኣባይትን ድኳናትን ዝተመልአ እዩ።

ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ እታ ነፋሪት ምስ ወደቐት ብሓዊ ክትነድድ የርእዩ።

መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ ሓደጋ ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ መካይን ከም ዝጐድአን ዝነድድ ፍርስራስ ናብ ጐደናታት ከም ዝሰደደን ገሊጾም።

መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ዘዘራረቦ ውልቀሰብ፡ ኣብቲ ከባቢ መኪና እናዘወረ እንከሎ፡ ዓው ዝበለ ፍንጀራ ከም ዝሰምዐ ገሊጹ።

"ኵሉ ሰብ ከእዊ ጀሚሩ፡" ኢሉ።

ካልእ ምስክር ዓይኒ፡ "እታ ነፋሪት ነቲ ህንጻ ክትሃርሞ ርእየያ፣ ካብኡ ተፈንጂራ፡" ክብል ን'WPVI-TV' ዝተባህለ ማዕከን ዜና እቲ ከባቢ ተዛሪቡ።

ብዛዕባ እቲ ሓደጋ እንታይ ንፈልጥ?

እታ 'ሊርጀት 55' ዝተባህለት ነፋሪት፡ ብኣቋጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ 18፡30 ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሰሜናዊ ምብራቕ ፊላደልፍያ ዝተበገሰት ኰይና፡ 6.4 ኪ.ሜ ምስ ተጓዓዘት እቲ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ምምሕዳር ኣቭየሽን ፈደራል (FAA) ሓቢሩ።

ኤፍ.ኤ.ኤ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ነፋሪት ናብ ሃገራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ስፕሪንግፊልድ-ብራንሰን ሚዙሪ ትጓዓዝ ከም ዝነበረት ገሊጹ።

እቲ ትካል ኣብ መጀመርታ ክልተ ሰባት ኣብታ ነፋሪት ከም ዘለዉ እኳ እንተ ገለጸ፡ ድሒሩ ግን ሽዱሽተ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓበሬታ 'ፍላይትኣዌር' ዝተባህለ በረራታት ዝከታተል መርበብ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ብሜድ ጀትስ ዝተባህለ ኩባንያ እትመሓደር ኰይና፡ ቅድሚ እቲ ሓደጋ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ካብ ፍሎሪዳ ናብ ፊላደልፍያ ከም ዝኣተወት ይሕብር።

ምምሕዳር ኣቪየሽን ፈደራልን ሃገራዊ ቦርድ ድሕነት መጓዓዝያን (NTSB) ነዚ ሓደጋ ይምርምሩ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ምምሕዳሩ ምሉእ ንምሉእ ይከታተሎ ከም ዘሎ ገሊጹ።

"እታ ነፋሪት ኣብ ፊላደልፍያ ፐንሲልቫንያ ክትሕምሸሽ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ዝያዳ ንጹሃት ነፍሳት ጠፊኦም፡" ኢሉ።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ኣብ ዋንሽንግተን ዲሲ ምስ ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ተጋጭያ ብዝወደቐት ነፋሪት ኣብታ ሃገር ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ዝተባህለ ሓደጋ ነፋሪት ከም ዘጋጠመ ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ፡ ሰበስልጣን ኣብ ክልቲአን ነፈርቲ ዝነበሩ 67 ሰባት ኵሎም ከም ዝሞቱ ይገልጹ።