እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮንጎ: ዕጡቓት ናብ ርእሰ-ከተማ ከም ዝምርሹ ይገልጹ፣ ሕቡራት ሃገራት ድሮ ኣማኢት ሞይቶም ይብል
መራሒ ናይቶም ንኸተማ ጎማ ዝተቘጻጸሩ ዕጡቓት፡ መጥቃዕቶም ክሳብ ርእሰ-ከተማ ክንሻሳ ክቕጽል ምዃኖም ገሊጹ።
እቲ ንኤም23 ዘጠቓለለ ኪዳን ዝመርሕ ዘሎ ኮርኒል ናንጋ፡ ናይ መወዳእታታ ዕላማኦም ንመንግስቲ ፕረዚደንት ፌሊክስ ትሺሰኬዲ ንምዕላው ከም ዝዀነ ሓቢሩ።
ገና ዘይተረጋገጹ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ እቶም ብሩዋንዳ ከም ዝድገፉ ዝንገረሎም ዕጡቓት፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ንዝቐርበሎም ዘሎ ምሕጽንታ ዕሽሽ ብምባል ናብ ከተማ ቡካቩ ገጾም ይግስግሱ ኣለዉ።
በቲ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ ምብራቓዊ ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከተማ ጎማ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ብውሕዱ 700 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ስቴፋን ዱጃሪክ፡ ዓመጽቲ ኤም23 ንርእሰ ከተማ ግዝኣት ሰሜን ኪቩ ኣብ ዝሓዙሉ እዋን፡ 2800 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ሓቢሩ።
ሕጂ እቶም ዓመጽቲ ናብ ደቡብ ናብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኪቩ ዝዀነት ቡካቩ ገጾም ይግዕዙ ከም ዘለዉ ይግለጽ።
ቡካቩ ኣብቲ ብማዕድናት ሃብቶም ዝዀነ ምብራቓዊ ክፋል ናይታ ሃገር ንጎማ ስዒባ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ እያ።
ፕረዚደት ትሺሰኬዲ፡ ጎማ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ድሕሪ ምውዳቓ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ዝተታሕዘ መሬት ካብ ዕጡቓት ንምምላስ፡ "ሓያልን ዝተወሃሃደን ጸረ መጥቃዕቲ፡" ይካየድ ከም ዘሎ ገሊጹ።
"ብሓደ ነገር ርግጸኛታት ኵኑ፣ ዴሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ክትዋረድ ወይ ክትጭፍለቕ ኮቶ ኣይክትፈቅድን እያ - ክንቃለስ ኢና፣ ክንዕወት ድማ ኢና፡" ክብል ትማሊ ረቡዕ ተዛሪቡ።
እቲ ውግእ ንኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ቤተ-ንብረቶም ክሓድጉ ከም ዘገደደን ነቲ ድሮ ኣብ ሕማቕ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝጸንሐ ኵነታት ዝበኣሰ ከም ዝገብሮን ውዱብ ሕቡራት ሓቢሩ።
ኮርኒል ናንጋ - መራሒ ናይቶም ዕጡቓት - ጎማ ብሓደስቲ ኣመሓደርቲ ከም እትምራሕን ዳግማይ ኣገልግሎት ንምሃብ ኣብታ ከተማ ከም ዝጸንሑን ብሓሙስ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።
እቲ ግጭት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምጕህሃሩ፡ ቀረብ መብራህትን ማይን ናይታ ከተማ ተቛሪጹን ሕጽረት መግቢ ተራእዩን እዩ።
ኮርኒል ናንጋ፡ "እቲ ናይ ሓርነት ምረሻና ክሳዕ ክንሻሳ ክንቅጽሎ ኢና፡" እኳ እንተ በለ፡ ክንሻሳ ግን 2,600 ኪሎሜተር ርሒቓ ስለ እትርከብ፡ ተግባራዊ ናይ ምዃን ተኽእሎኡ ትሑት ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።
እንተዀነ፡ ብርዋንዳ ዝድገፉ ሓይልታት ኣብ 1997 ንመራሒ ዛየር ዝነበረ መብቱ ሰሰ ሰኮ ክሳዕ ክንሻሳ ብምጥቃዕ፡ ካብ ስልጣኑ ክኣልዩዎ ክኢሎም ምንባሮም ይዝከር።
ርዋንዳ ብቐጣዊ መንገዲ ወተሃደራዊ ደገፍ `ኣይገበርኩን` ኢላ እኳ እንተ ከሓደት፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ግና ነቐፌታታት ይገጥማ ኣሎ።
ኣብቲ ኪዳን ኣውራ ሓይሊ ከም ምዃኑ ዝግለጽ ኤም23 ብተወለድቲ ቱትሲ ዝምራሕ ኰይኑ፡ መሰል ናይቶም ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝነብሩ ውሑዳን ንምቅላስ ብረት ከም ዘልዓለ እዩ ዝገልጽ።
ካብ ዓሌት ቱትሲ ዝዀነ ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ ድማ መንግስቲ ዲ.ሪ.ኮንጎ ነቶም ኣብ 1994 ኣብ ህልቂት ርዋንዳ ዝተሳተፉ ተወለድቲ ሁቱ ከለላ ከም ዝሃበቶም እዩ ዝወቅስ።
ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ዞባዊ ውድብ ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃን ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት እኳ እንተ`ለወን፡ ነቲ ብዕጡቓት ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ደው ከብልኦ ግን ኣይከኣላን።
ዛጊት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኡ ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ኣብቲ ግጭት ተቐቲሎም፣ 13 ካብኦም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተላእኩ ወተሃደራት እዮም።
ፕረዚደንት ካጋመ ትማሊ ረቡዕ፡ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ብሞት እቶም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዕጡቓት ተሓተትቲ ኤም23ን ሓይልታት ርዋንዳን እዮም ድሕሪ ብምባሉ፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ ክገጥሙ ድልዋት ምህላዎም ገሊጹ።
ካጋመ ብሓይለ-ቓል ኣብ x ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ራማፎሳ ነቲ ሓድሕዶም ብውልቂ ዝተዘራረቡዎ ከም ዝጠምዘዞ ከሲሱ።
"ደቡብ ኣፍሪቃ ሰላማዊ ፍታሕ ንምስፋን ኣበርክቶ ትገብር እንተዀይና ማሕረ፣ እንተዘየሎ ግን ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ኣውሓሲት ሰላም ወይ መንጎኛ ግደ ክትወስድ ዘኽእላ ባይታ የብላን። ደቡብ ኣፍሪቃ ንሕንሕ እንተ መሪጻ፡ ርዋንዳ`ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ መልሲ ክትቅርበሉ እያ፡" ኢሉ።
እተን ብዘይ ብእኡ`ውን ቅርዕው ዝምድና ዘይጸንሐን ሃገራት፡ እዚ ዝለዋወጥኦ ዘለዋ መግለጺታት ንዝጸንሐን ወጥሪ ኣዕብዩዎ ኣሎ።
ካጋመ እቲ ዞባዊ ዓቃቢ ሰላም፡ "ኣውሓሲ ሰላም ኣይኰነን፣ ኣብቲ ኵነታት ባይታ የብሉን፡" ምባሉ፡ መራሕቲ ሃገራት ደቡባዊ ሸነኽ ኣፍሪቃ ንዓርቢ ርክብ ከካይዱ እዮም።
ፕረዚደንት ደ.ሪ.ኮንጎ ትሺሰከዲ፡ ብኣንጻር ካጋመ፡ ነቶም "ኣብ ጐድንና ኰይኖም ዝዋግኡ ዘለዉ፡" ዝበሎም ወተሃደራት ደቢባዊ ኣፍሪቃን ዓቃብ ሰላም ሕብራት ሃገራትን ዘለዎ ክብሪ ገሊጹ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ከምኡ`ውን፡ ኣመሪካን ቻይናን ዝርከብአን ብዙሓት ሃገራት ሓይልታት ርዋንዳ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ክጽውዓ ጸኒሐን ኣለዋ።
ዓባይ ብሪጣንያን ጀርመንን ድሕሪ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ኤም23 ንርዋንዳ ክገብርኦ ዝጸንሓ ደገፍ ከቋርጽኦ ከም ዝኽእላ የጠንቕቓ ኣለዋ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዴቪድ ላሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ክልተአን ሃገራት ተላፊነን ንርዋንዳ ዓመታዊ ክህብኦ ዝጸንሓ 40 ሚልዮን ዶላር ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ገሊጹ።
ጀርመን ንርዋንዳ ክትህቦ ተመባጺዓቶ ዝነበረት ሓገዝ ብኣጋኡ ሰሪዛቶ ኣላ።