ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ‘ኢትዮጵያ ልኡላውነት ሶማልያ ክሳብ ዘየኽበረት ዝርርብ ዝበሃል የለን'

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ኣንካራ ቱርኪ ዝተኻየደ ዝርርብ ዝፈሸለ፡ ኢትዮጵያ ‘ልኡላውነት ሶማልያን ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያን’ ስለዘየኽበረት ምዃኑ ገሊፁ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ብቀዳም 11 ነሓሰ 2016 [ግ] ኣብ ሃገራዊ ተሌቪዥን ኣብ ዝተፈነወ መደረኡ፡ "ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ልኡላውነት ሶማልያ ኣብ ምኽላእ ጸኒዓ ኣላ" ኢሉ።

"ኣብ ዝርርብ ኣንካራ፡ ኢትዮጵያ ንሶማልያ ከም ልኡላዊትን ናጻን ጐረቤት ሃገር ክትቅበላ ፍቓደኛ ከምዘይኰነት ደምዲምና ኢና። ከምኡ ክሳብ ዘይገበረት ድማ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ኣይንዛተን ኢና።"

ኣብ መንጐ መንግስታት ኣዲስ ኣበባን ሞቓድሾን ወጥሪ ዝነገሰ፡ ኢትዮጵያ ምስታ ካብ ሶማልያ ተነጺላ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ ሰነድ ምርድዳእ ድሕሪ ምፍራማ እዩ።

እዚ ስምምዕ እዚ፡ እቲ ብኢትዮጵያ ናይ ህላወ ጉዳይ ተባሂሉ ዝግለፅ፡ ወደብ ባሕሪ ክትረክብ ዘኽእላ ኰይኑ፡ ሶማሊላንድ ድማ ከም ካሕሳ ካብ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ‘ልኡላውነት’ ትፅበ።

ሶማልያ ነቲ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ሃርጌሳን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ‘ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን’ ዝጥሕስ ምዃኑ ብምግላጽ ብትሪ ክትቃወሞ ጸኒሓ።

ነዚ ስዒቡ፡ ብሓልዮት መንግስቲ ቱርኪ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣንካራ ክልተ ልዝብ ኣካይዶም።

እቲ ካልኣይ ዙር፡ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ዝሓለፈ ሰሉስ 7 ነሓሰ 2016 [ግእዝ] ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ብዘይ ፍረ እዩ እዩ ተዛዚሙ።

እንተዀነ፡ ሳልሳይ ዙርያ ዘተ፡ ን 7 መስከረም 2017 ክካየድ ቈጸራ ተታሒዙ ኣሎ።

እዚ ኰይኑ ግን ፕረዚደንት ሓሰን ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኢትዮጵያ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገራ እንተዘይኣኽቢራ፡ ሕጂ’ውን እቲ ልዝብ ውጽኢት ከምዘይህልዎ ገሊጹ።

“ኢትዮጵያ ንልኡላውነትን ናጽነትን ሶማልያ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ክትህብ ፍቓደኛ ኣይኰነትን። እዚ ክሳብ ዝዕረ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ይዅን ካልእ ኣይንዛረብን ኢና። ምኽንያቱ እዚ ንኣህጉራዊ ሕግታት ዝጥሕስ'ዩ" ክብል ፕረዚደንት ሓሰን ኣብ ኣንካራ ቱርኪ ዝተኻየደ ክልተ ዙርያ ዝርርብ ዝፈሸለሉ ምኽንያት ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ዘስምዖ መደረ ስዒቡ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ዛጊድ ዝተባህለ ነገር የለን።

ኣዲስ ኣበባን ሃርጌሳን፡ ነቲ ሰነድ ምርድዳእ ምስ ተፈራረማ፡ ሞቓድሾ ካብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ እቲ ስምምዕ ንኸይትግበር ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣካይዳ።

ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን 22 ታሕሳስ 2016 [ግእዝ] ነቲ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራማ፡ ሶማልያ ምስ ቱርኪን ግብጽን ዘይተገልጸ ወተሃደራዊ ስምምዕ ፈሪማ።

እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማልያ ፍልልያት ዝፈትሕን ዝምድና ናብ ንቡር ዝምለስን ዝርርብ ንምክያድ ድልውቲ ምዃና ቅድሚ ሕጂ ክትዛረብ ጸኒሓ እያ።

ብተወሳኺ፡ ሶማልያ ነቲ ጸገም ብቀጥታዊ ዝርርብ መፍትሒ ካብ ምርካብ ናብ ካልኦት ሃገራት ክትወስዶ ትመርጽ ክትብል ኢትዮጵያ ትኸስስ።

ኣብ መወዳእታ ሰነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ መልስን መብርህን ብዛዕባ ጉዳይ ሶማልያ ተዛሪቡ።

“ካብ ሃገር ናብ ሃገር እናኸድካ ምኽሳስ ዘድሊ ኣይኰነን፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መጺኦም ክንዘራረብ ድሉዋት ኢና” ኢሉ።