ንሕልፈት ዝተፈርደ ነርስ ብሞት ተወሰኽቲ 100 ሕሙማት ይጥርጠር

ብመርፍእ ልዑል ዓቐን መድሃኒት እናተሳሕበ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Tracy A. Woodward/The Washington Post via Getty Images

ኣብ ምዕራብ ጀርመን 10 ሕሙማት ብምቕታል ዝተፈረደ ነርስ ነበር፡ ምስ ሞት ልዕሊ 100 ተወሰኽቲ ሕሙማት ምትሕሓዝ ክህልዎ ከም ዝኽእል ሓደ ብዓል ስልጣን ገሊጹ።

ኣብ ኣቸን ዝርከብ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ካትያ ሽለንከርማን-ፒትስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ኣብ ሞት ካልኦት ተወሰኽቲ 100 ሕሙማት ኢድ ከይህልዎ፡" የጻርዩ ከም ዘለዉ ገሊጻ።

እቶም ተጠርጢሮም ዘለዉ ግዳያት ብዙሓት ኰይኖም፡ ድሕሪ ናይ ሬሳ መርመራ ምግባር ግን ኣብ መደምደምታ ክብጻሕ ከም ዝከኣል እታ ዓቃቢት ሕጊ ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር፡ ኣብ ኣቸን ዝርከብ ዞባዊ ቤትፍርዲ፡ ነቲ ብግልጺ ስሙ ዘይተገልጸ ነርስ፡ ብ10 ገበናት ቅትለትን 27 ገበናት ፈተነ ቅትለትን ተኸሲሱ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ ንሕልፈት ከም ዝተፈረደ ይዝከር።

እቲ ቤትፍርዲ እዚ ኣብ ወርልሰን ዝርከብ ሄስፒታል ዝሰርሕ ዝነበረ ነርስ፡ ነቶም ሕሙማት ብዘይ ናይ ዝዀነ ዶክተር ኣፍልጦ ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ይህቦም ከም ዝነበረረ'ዩ ተረጋጊጹ።

ጠንቂ ሞት ናይ መብዛሕትኦም'ውን ብብዝሒ መድሃኒት ብምውሳዶም ዝሰዓበ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቲ ነርስ ነቲ መድሃኒታት ሓድሓደ ግዜ ብተደጋጋሚ ኣከታቲሉ ይህቦም ከም ዝነበረን ተኸሳሲ እዚ ሞት ከስዕብ ዝኽእል ሳዕቤን ከም ዘለዎ ይፈልጥ ምንባሩን ገሊጾም።

ደያኑ፡ እቲ ተግባራት ብውልቃዊ ዘይምርግጋእን ኣብ እዋን ናይ ለይቲ እብረ፡ ቀንዲ ኣዛዚ ኰይኑ ናይ ምቕራብ ድሌትን ዝተደፋፍአ ምዃኑ ገሊጾም።

እቲ ነርስ፡ እቲ መድሃኒት እቶም ሕሙማት ንኽድቅሱን ካብ ቃንዛ ክገላገሉን ኢሉ ከም ዝሃቦም ብምግላጽ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት ነጺግዎ'ኳ እንተ ነበረ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ግን እቲ ነርስ ኣብ ልዕሊ እቶም ብርቱዕ ክንክን ዝደልዩ ሕሙማት ድንጋጸ ከም ዘይብሉ ብምሕባር፡ "ኣነ ቀንዲ ወሳኒ ሞትን ህይወትን'የ፡" ኢሉ ክዛረቦም ከም ዝተሰምዐ መረጋገጺ ክረኽቡ ክኢሎም፣ ከም መርትዖ'ውን ኣቕሪበሞ።

እቲ ቤትፍርዲ ካብ ታሕሳስ 2023 ክሳዕ ግንቦት 2024 ዝተፈጸመ ነገራት ጥራይ'ዩ መርሚሩ። እቲ ነርስ ከኣ ካብ 2020 ጀሚሩ ኣብቲ ሆስፒታል ይሰርሕ ብምንባሩ ቍጽሪ ግዳያት ክዛይድ ከም ዝኽእል'ዩ እቲ ኣመታት ዘሎ።

በዚ ዝሰዓበ ጥርጣረታት ሬሳ ናይ ኣስታት 60 ካብ 2020 ጀሚሮም ኣብቲ ሆስፒታል ዝሞቱ ክምርመር ትእዛዝ ምስ ተወሃበ፡ ድሮ ኣብ ልዕሊ 27 ሬሳታት መርመራ ተኻይዱ ናይ ሰላሳ ዝዀኑ ከኣ ብሕጂ ክካየድ'ዩ።

ብተወሳኺ፡ ናብ ሆስፒታል ወርሰን ቅድሚ ምስግጋሩ ኣብ ዝሰርሖ ዝነበረ ሕክምና'ውን ተመሳሳሊ መርመራታት ክካየድ ምዃኑ ፖሊስ ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ ሬሳ ናይ ሓንቲ ኣብ 2018 ዝሞተት ጓል 94 ዓመትን ኣብ 2015 ዝሞተ ወዲ 78 ዓመትን ሞቶም እዚ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ነርስ ብዝሃቦም መድሃኒት ዝሰዓበ ከይከውን ይምርመር ኣሎ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ እቲ ነርስ ተወሳኺ ክስታት ንምምስራት መርትዖታት ኣብ ምእካብ ይርከቡ፣ እንተዀነ ኵሉ እቲ መርትዖታት ቅድሚ 2027 ክጻፈፍ ከም ዘይክል'ዩ ግምታት ዘሎ።

ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ሓደ ኔል ሆገል ዝተበሃለ ነርስ ኣብ ሰሜን ጀርመን 85 ሕሙማት ምቕታሉ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ኣብ 2019 ንሕልፈት ከም ዝተፈረደ ዝዝከር'ዩ።