ጾታዊ ዓመጽ ካብ ዝፍጽሙ ሰባት ንምክልኻል፡ ሕጊ 1860 ክለምስ ዝሓቱ ተሓለቕቲ

ፑርኒማ ሞትዋኒ ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ጭንቀት ዝነበረት ድሙ ምስ ሰምዐት፡ ብኡንብኡ ናይ እንስሳታት ሓኪም ቘጸራ ሒዛትላ።

እታ ድሙ "ኣዚያ ደኺማ፡ ፈሪሓ፡ ኣብ ከቢድ ቃንዛ ከም ዝነበረት ርዱእ እዩ ነይሩ፡" ትብል እታ ተሓላቐዒት ሰባዊ መሰላት።

ተቐማጢት ሙምባይ ፑርኒማ፡ "መጕዳእታ ከቢድ ስለ ዝነበረ ክልተ ግዜ ክትስፈይ ነይርዋ፡" ኢላ።

ሓኪም እንስሳት ኣብ ጸብጻቡ፡ መጕዳእቲ እታ ጓል ኣርባዕተ ወርሒ ድሙ፡ "ጾታዊ ርክብ ወይ ብሓይሊ ዘጋጥም ስንባደ፡" ዘስዓቦ'ዩ ክብል ኣስፊሩ።

ፑርኒማ፡ ናይዚ ተሓታቲ መን ምዃኑ ክትርዳእ ግዜ ኣይወሰደላን። ምኽንያቱ ጐረቤት ናይ ሓደ እትፈልጦ ሰብ፡ ሓደ ሰብኣይ ነታ ድሙ ናብ ገዝኡ ክወስዳ፡ ድሒሩ ኣብ ደገ ክገድፋ ርእዩ እዩ።

እዚ ውልቀሰብ ብሕጊ ተሓታቲ ክኸዉን ከም ዘለዎ ዝኣመነት ፑርኒማ፡ ብመሰረት ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝነበረ ሕጊ - ሕጊ ዘይባህርያዊ ገበናት - ክሕተት ትጽቢት ብምግባር ናብ ፖሊስ ከይዳ።

ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ጾታዊ ዓመጽ እንስሳታት ካብ ዓሰርተ ዓመት ክሳብ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ የቕጽዕ ነይሩ።

ኣብ ሓምለ 2024 ግን ህንዲ ነቲ ናይ ቀደም ሕግታት ብምስራዝ 'ባራቲያ ንያያ ሳንሂታ' ዝተባህለ ሓድሽ ሕጊ ኣተኣታትያ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ፑርኒማ ኣብቲ ሓፈሻዊ ሕጊ ምክልኻል ጭካነ ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ክትምርኰስ ነይርዋ።

በዚ ሕጊ እቲ ዝለዓለ መቕጻዕቲ 50 ሩፒ ጥራይ ($0.60) እዩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ተደጋጋሚ ገበን እንተተፈጺሙ እቲ መቕጻዕቲ ዕጽፊ ይኸዉን።

ኣብ ህንዲ ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ብዙሕ ሪፖርት ኣይግበርን፤ እዚ ድማ ንዓቐን ናይቲ ጸገም ምርዳእ በዳሂ ይገብሮ።

ምስክር ወይ ቅዳሕ ናይቲ ፍጻመ ምስ ዝህሉን ትዅረት ተሓለቕቲ መሰላት እንስሳት ምስ ዝረክብን ጥራይ እዩ እቲ ጕዳይ ናብ ፖሊስ ዝውሰድ።

ልዕሊ 200 ትካላት ምክልኻል እንስሳታት ዝሓቖፈ ፈደረሽን ፊያፖ፡ ካብ 2010 ክሳብ 2020 ኣብ ዘለው ዓመታት ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ካብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 1000 ክስታት፡ እቶም 83 ጾታዊ ባእታ ከም ዝነበሮም ይግምት።

ኣብ ክልተ ሲሶ ካብዞም ጾታዊ ዓመጻት፡ ዝዀነ ናይ ፖሊስ ዝቐረበ ጥርዓን የብሎምን።

ካብ ቢሮ ሃገራዊ መዛግብቲ ገበን (NCRB) ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ካብ 2019 ክሳብ 2022፡ ኣስታት 1000 ጕዳያት "ኣንጻር ስርዓት ተፈጥሮ ምስ ሰብኣይ፡ ሰበይቲ ወይ እንስሳ" ጾታዊ ርክብ ከም ዝተፈጸመ የመልክት።

ካብዚ ግን ክንደየናይ'ዩ ኣብ ልዕሊ እንስሳት ተፈጺሙ ዝብል ዝርዝር ሓበሬታ የለን።

ፊያፖ፡ እቲ ቢሮ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ግህሰት እንስሳታት ዝምልከት መረዳእታ ምምዝጋብ ክጅምር መምርሒ ክህብ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደልሂ ጥርዓን ኣቕሪቡ።

ብተወሳኺ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ እንስሳት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት ተሓተትቲ ዝገብር ሕጊ ዘይባህርያዊ ገበናት ዳግም ክምለስ ክገብር ሓቲቱ።

"እቲ ናይ ቀደም ሕጊ ንጾታዊ ዓመጽ ብንጹር ዝገልጾ ኰይኑ፡ ከም ዘስካሕክሕ ገበን ክኣ እዩ ዝርአ ነይሩ፡" ትብል ሓላፊት ክፍሊ ሕጊ ፊያፖ ቫርኒካ ሲንግ።

"እቲ ተኸሳሲ ኣብ ቀይዲ እንተዘይኣትዩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ እንስሳ ዳግም መጥቃዕቲ ክፍጽም ስለ ዝኽእል፡ እቲ እንስሳ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ ብዝብል ፖሊስ ንክኣስሮ ዝቐለለ እዩ ነይሩ፡" ኢላ።

እቲ ቤት ፍርዲ "እቲ ዝለዓል ጕዳይ ዓብዪ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ፡" ብዝብል ይሰማማዕ።

መንግስቲ ድማ ነዚ ኣብ ግምት ከእትዎ መምርሒ ሂቡ፡ "ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ክውስን፡" ሓቲቱ።

ንፍሉይ ገበን ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ብዝርዝር ዝገልጽ ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ግን፡ ተሓለቕቲ ንገበነኛታት ክሕተቱ ይቃለሱ ከም ዘለዉ ይዛረቡ።

እቲ ነባር ሕጊ ክምለስ እንተዘይክኢሉ ድማ እቲ ሕጂ ኣብ ግብሪ ዘሎ ክድልድል ይደልዩ።

ድሕሪ ብዙሕ ቃልስን ናብ መደብር ፖሊስ ምምልላስን፡ ፑርኒማ ብዛዕባ እታ ድሙ ጥርዓን ከተቕርብ ከም ዝኸኣለት ትዛረብ።

እንተዀነ፡ ኣብ እንስሳታት ዘለዋ ኣተሓሳስባን ብመሰረት ሕጊ ጸረ ጭካነ ዝወሃብ ዝተሓተ መቕጻዕትን "ፖሊስ ከምዚ ዓይነት ጕዳያት ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ተገዳስነት የብሎምን፤ ጾታዊ ዓመጽ እንስሳታት መስሓቕ ገይሮም እዮም ዝርእዩዎ፡" ኢላ።

እቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ፡ ሰባት ከም ዝፈለጡ ስለ ዝተገንዘብ ካብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ገዛ ወጺኡ ከይዱ፤ ኣብ ቀይዲ ድማ ኣይኣተወን።

እታ ፑርኒማ 'ግሬስ' ኢላ ዝሰመየታ ድሙ፡ ብሰንኪ እቲ ዝበጽሓ መጥቃዕቲ ብቫይረስ ስለ ዝተለኸፈት፡ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ሞይታ።

እቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ እንተዝኣቱ'ዉን ብዋሕስ ዝፍትሓሉ ዕድል ቀሊል ምዀነ ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ፑርኒማ ትዛረብ።

ኣብ ታሕሳስ 2024፡ ኣብ ሙምባይ መዕቈቢ እንስሳት እተመሓድር ተዋሳኢት ጃያ ባታቻርያ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ጥራይ ዝገበረ ከልቢ ዝተፈጸመ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብስልኪ ተነጊሩዋ።

እቲ በዳሊ፡ ነቲ ከልቢ ክምግቦ ብዝብል ምስምስ ናብ ገዝኡ ከም ዝወስዶን "ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ህጻናት ክቕንዞ ከም ዝረኸቡዎን፡" ትገልጽ።

ጃያ ብዛዕባ እቲ ከልቢ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምጥቃዕ፡ ፖሊስ እቲ ከባቢ ብመሰረት እቲ ዘሎ ሕጊ ጸረ ጭካነ ክኸሱዎ ገይራ።

እቲ ሰብኣይ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ፤ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ግን ብዋሕስ ወጺኡ።

"እዞም ደቂ ተባዕትዮ ክፋል ሕብረተሰብና እዮም፤ ብግቡእ ምስ ዘይቅጽዑ ድማ ንኻልኦት እውን ክጐድኡ ይኽእሉ፡" ትብል።

ተሓለቕቲ መሰላት፡ ዓመጽቲ ንኻልኦት እንስሳታት ጥራይ ዘይኰነስ ንደቂ ሰባት እውን ዒላማ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ብምግላጽ፡ ንድሕነት ኵሉ ሰብ ብዝብል ክኽሰሱ ከም ዘለዎም ይምጕቱ።

ዓለምለኻዊ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ገለ ኣብ ልዕሊ እንስሳት መጥቃዕቲ ዝፍጽረሙ ሰባት ንሰባት'ዉን የጥቅዑ'ዮም።

ኣብ 2019 ኣብ ጆርናል ኦፍ ዘ ኣመሪካን ኣካዳሚ ኦፍ ሳይክያትሪ ኤንድ ዘ ላው ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ካብ 1975 ክሳብ 2015 ኣብ ኣመሪካ ምስ እንስሳታት ብዝተኣሳሰር ዓመጽ ማእሰርቲ 456 ማእሰርቲ መርሚሩ።

በዚ መሰረት፡ 31.6 ሚእታዊት ኣብ ልዕሊ እንስሳት ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸሙ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ኣባጽሕን'ዉን ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ርእዩ።

ብነሓሰ 2024፡ ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ዞባ ቡላንድሸሄር ኣብ እትርከብ ቁሸት፡ ሓደ ሓላፊ ስራሕ መንግስቲ፡ ንሓንቲ ጤልን ጓል 10 ዓመት ጓሳ እታ ጤልን ብምዕማጽ ተኸሲሱ።

ጠበቓ ቫሩን ካውሺክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሓደ ቈልዓ፡ ኣብቲ ጐኒ ካብ ዝነበረ ገዛ ኰይኑ ብመስኰት ንዅሉ ተግባራት እቲ ሰብኣይ ርእዩዎን ቀሪጽዎን። ነተን ቪድዮታት ድማ ንኣቦ እታ ጓል ኣርእይዎ፤ እዚ እንተዘይኸዉን ነይሩ እዚ ዓብዪ ገበን ፈጺሙ ኣይምወጽአን፡" ኢሉ።

እቲ ሓላፊ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ጾታዊ ዓመጽ ምፍጻም ዋሕስ ዘይብሉ ገበን ስለ ዝዀነ ፍርዲ ይጽበዮ ከም ዘሎን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝርከብን ሓቢሩ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያን ካናዳን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ጾታዊ ዓመጽ እንስሳታት ከም ገበን እዩ ዝቝጸር።

ኣብ ኵለን እዘን ሃገራት ገበነኛ ብማእሰርቲ ክቕጻዕ ይኽእል።

እዚ ከከም ኵነታቱን ግዝኣትን ኣብ ኣውስትራልያን ኣመሪካን ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ዘቕጽዕ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ እዋን መግዛእቲ ህንዲ [ብብሪጣኒያ] ዝነበረ ሕጊ ዘይባህርያዊ ገበናት ኣብ ፓኪስታን፡ ባንግላድሽን ኔፓልን ኣብ ግብሪ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ሕጊ ኣብ ህንዲ ቅድሚ ምእላዩ'ዉን እንተዀነ፡ ተጣበቕቲ መሰላት እንስሳታት፡ ነቲ ኣማራጺ ሕጊ ጸረ ጭካነ ንምሕያልን ጾታዊ ዓመጽ ደው ንምባልን ጐስጓስ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

መንግስቲ ህንዲ ብርግጽ ነዚ ጠለብ ምላሽ ሂቡሉ እዩ፤ ኣብ 2022 ኣብቲ ጸረ ጭካነ ሕጊ ብፍሉይ ጾታዊ ዓመጽ ዝብል ብምውሳኽ ኣመሓይሹ ኣዳልዩዎ። እንተዀነ ኣብ ባይቶ ስለ ዘይቀረበ፡ ተጣበቕቲ መሰላት እንስሳታት ክሳብ ሕጂ ስጕምቲ ክወስድ ይጽበዩ ኣለዉ።

"ጽኑዕ ሕጊ እንተሃልዩን ሰባት ብዛዕብኡ እንተፈሊጦምን፡ ምናልባት ሰባት ነዚ ጽዩፍ ገበናት ካብ ምፍጻም ክዓግቶም ይኽእል'ዩ፡" ትብል ፑርኒማ።