ግሪኽ ብዛዕባ እታ ዝጠሓለት ጃልባ ንምጽራይ ዝቐረበ ሕቶ ዕሽሽ ኢላቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ግሪኽ ብዛዕባ እታ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብምጥሓላ ምኽንያት ሞት ብዙሓት ሰባት ዝኾነት ጃልባ ንምጽራይ ነፋሪት ንምልኣኽ ዝቐረበላ ሕቶ ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ምላሽ ከምዘይሃበት ሰበ ስልጣን ዶባት ሕብረት ኣውሮጳ ገሊጾም።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ 82 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝፍለጥ ኮይኑ ካልኦት 500 ሰባት’ውን ጥሒሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመላኽት።
ግሪኽ ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምቅላል ጻዕሪ ብዘይምግባራ ክትንቀፍ ጸኒሓ ኣላ።
እታ ኣዝያ ተጨናኒቓ ዝነበረት ናይ ዓሳ ጃልባ ካብ ሊብያ ተበጊሳ ብዕለት 13 ሰነ 2023 [ኣ.ኣ] ንጉሆ ብመገዲ ዓለም ለኻዊ ማያት ተጠቒማ ናብ ኣንፈት ግሪኽ ትጓዓዝ ከምዝነበረት ተፈሊጡ።
እታ ጃልባ ብነፋሪት ትካል ዶባት ሕብረት ኣውሮጳ ተራእያ ነይራ።
እቲ ትካል ኩነታት እታ ዝጠሓለት ጃልባ ንምጽናዕ ነፋሪት ክልእኽ ከምዝደሊ ንሓለዋ ዶባት ግሪኽ እኳ መልእኽቲ ሊኢኹ እንተነበረ ዋላ ሓንቲ ምላሽ ከምዘይረኸበ ገሊጹ።
ሰበ ስልጣን ግሪኽ ነታ ዝጠሓለት ጃልባ ንምድሓን ቅልጡፍ ምላሽ ኣይሃቡን ንዝብል ነቐፌታ ነጺጎሞ።
ትንተና ቢቢሲ ከምዘመላኽቶ ግን እታ ጃልባ ቅድሚ ምግልባጣ ንኣስታት 7 ሰዓታት ብናህሪ ትሕምበብ ከምዝነበረት የርኢ።
ሓለዋ ዶባት ግሪኽ ነቲ ብትካል ዶባት ሕብረት ኣውሮጳ ዝቐረበሉ ክሲ ዛጊድ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።
ሰበ ስልጣን ግሪኽ እታ ጃልባ ካብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ፓይሎስ ንኣንፈት ደቡባዊ ምዕራብ ኣስታት 80 ኪሎ ሜትሮ ከምዝኸደት ገሊጾም ነይሮም።
ካብቲ ሓደጋ ልዕሊ 100 ሰባት ዝድሓኑ ኮይኖም ንሳቶም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብታ ዝጠሓለት ጃልባ ብሓፈሻ 100 ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 750 ሰባት ተሳፊሮም ከምዝነበሩ ገሊጾም።
ሚኒስተር ውሽጢ ሃገር ፓኪስታን ራና ሳኑላሕ ኣብታ ዝጠሓለት ጃልባ 350 ፓኪስታናውያን ተሳፊሮም ከምዝነበሩ ሓቢሩ።
ግብጻውያንን ሶርያውያንን’ውን ካብ ሞንጎ እቶም ግዳይ ግልበጣ ጃልባ ከምዝኾኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







