እስራኤል: ኣብ ኢራን ትፃወቶ ዘላ 'ጠላዕ'

ስጕምቲ እስራኤል ካብቲ ከም ሓደጋ ሃለዋታ ገይራ እትቘጽሮ 'ኑዩክለሳዊ ዓቕሚ ኢራን ምድኻም' ክትብል ዝገለፀቶ፡ ልዕሊኡ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኢራን፡ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ሕነ-ዝፈደየት ኰይና፡ ሓለዋ ሰውራ ኣብ ልዕሊ "ዓሰርተታት ዒላማታት፡ ወተሃደራዊ ማእከላትን መዓስከራት ኣየርን፡" መጥቃዕቲ ከም ዘካየደት ገሊጹ።

እቲ ኵነታት ብቕልጡፍ ይጋደድ እዩ ዘሎ፣ ናበይ ከም ዘምርሕ ምግማት ኣይከኣልን።

ድሕሪ ፈዳይ ሕነ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኢራን፡ ናታንያሁ፡ "ገና ካልእ ኣብ መንገዲ ኣሎ፡" ክብል ተሓንዩ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ፡ ዝያዳ መራሕቲ ኢራን ዒላማ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ዝብሉ ግምታት'ውን ኣለዉ።

እስራኤል እቲ መጥቃዕትን ቅትለትን፡ እቲ ስርዓት ሰንከል ክብልን ንህዝባዊ ናዕቢ መንገዲ ክኸፍትን ከም ዝኽእል ክትሕስብ ትኽእል እያ።

እወ፡ ቤንያሚን ናታንያሁ ዝሰፍሐ ዕላማ ኣለዎ።

እቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ንእስላማዊት ሪፓብሊክ ዘውድቕ ናዕቢ ክጅመር ተስፋ ክገብር ይኽእል እዩ።

ንሱ፡ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ "ህዝቢ ኢራን ኣብ ዙርያ ባንዴራኡን ታሪኻዊ ውርሻኡን ዝጥርነፈሉ ግዜ በፂሑ ኣሎ፣ ካብቲ እኩይን ጨቋንን ስርዓት ናፅነትካ ክትእውጅ ተዳሎ፡" ኢሉ።

ብዙሓት ኢራናውያን ብዅነታት ቍጠባ፡ ስእነት ናፅነት ምዝራብ፡ ግህሰት መሰል ደቂ ኣንስትዮን መሰል ውሑዳትን ሕጉሳት ኣይኰኑን።

ርግፅ እዩ፣ መጥቃዕቲ እስራኤል ንመሪሕነት ኢራን ናይ ብሓቂ ስግኣት ይፈጥር ኣሎ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ኣዛዚ ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC)፡ ሓላፊ ስታፍ ዕጡቕ ሓይልታትን ካልኦት ብዙሓት ላዕለዎት ኣዘዝትን ዝቐተለ ኰይኑ፡ ስጕምቲ እስራኤል ገና ኣይተዛዘመን።

ርካሽ ጠላዕ

ናታንያሁ፡ እንተ ወሓደ እዚ እዩ ተስፋ ዝገብር ዘሎ። እዚ ግን ርካሽ ጠላዕ ምጽዋት እዩ - ዓቢይ 'ቍማር'።

ቀዳማይ ነገር፡ ከምኡ ከም ዝኸውን ዝሕብር ዋላ ሓንቲ ምልክት የሎን፣ ዋላ ናዕቢ እንተ ተጀመረ'ውን፡ ከምዚ ዓይነት መስርሕ ናበይ ክመርሕ ከም ዝኽእል ንጹር ኣይኰነን።

ምኽንያቱ፡ እቶም ኣብ ኢራን ዓቢይ ስልጣን ዓትዒቶም ዘለዉ ንዕጡቓት ሓይልታትን ቍጠባ'ታ ሃገርን ዝቈጻጸሩ ሰባት እዮም።

መብዛሕትኦም ድማ ተሪርቲ (ሃርድላይነር) ኣዘዝቲ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኰይኖም፡ ገለ ድማ ካልኦት ዘይተመርጹ ኣካላት እዮም።

ንሳቶም ስልጣን ኣብ ኢዶም ኣእትዮም ስለ ዘለዉ፡ ዕልዋ መንግስቲ ምክያድ ኣየድልዮምን እዩ።

እኳ ደኣኣ፡ ንኢራን ናብ ዝያዳ ግጥም ዝፈጥር ኣንፈት ክወስድዋ ይኽእሉ እዮም።

ካልእ ኣማራጺ

ካልእ ክስዕብ ዝኽእል ውፅኢት ምፍራስ ስርዓት ስዒቡ ድማ ኢራን ናብ ህውከት ዝወስድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብታ ኣስታት 90 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ዘገጥሙ ፍጻመታት ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዓቢይ ፅልዋ ክህልዎም እዩ።

እስራኤል ዝደለየቶ ውፅኢት፡ መሓዛኣ ዝዀነ ኣካል ናብ ስልጣን ክቈናጠት ዝዛዘም ናዕቢ ይመስል።

ኣብዚ ግን እቲ ገዚፍ ሕቶ፡ "መን ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል?" ዝብል እዩ።

ተቓወምቲ ሓይልታት ኢራን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣዝዮም ዝተበታተኑ ኰይኖም፡ ኣብዚ ንፁር ኣማራፂታት የለዉን።

ድሕሪ እቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ናዕቢ፡ ብመብዛሕትኡ ክፋል ኢራን ከም ህቦብላ ዝወሰደ ምንቅስቓስ፡ "ናፅነት ህይወት ደቂ ኣንስትዮ፡" ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ ነይሩ።

ገለ ተቓወምቲ ጕጅለታት፡ ሰፊሕ ፀረ-እስላማዊት ሪፓብሊክ ዝዀኑ ጕጅለታትን ደለይቲ ፍትሕን ዝሓቘፈ ጥምረት ክምስርቱ ፈቲኖም።

እዚ ግን፡ ነቲ ጥምረት መን ይመርሖን ድሕሪ ውድቀት'ቲ ስርዓት እንታይ ይዅን ኣብ ዝብል ብዝተፈጠረ ፍልልይ ነዊሕ ኣይጸንሐን።

መራሕቲ እስራኤል ንገለ ካብዞም ጕጅለታት ከም ማራጺታት ክርእይዎም ይኽእሉ እዮም።

ንኣብነት፡ ኢራን ልኡል ዘውዲ ነበር ረዛ ፓህላቪ - ወዲ ሻህ ኢራን ነበር፡ ኣብታ ሃገር ኣብ 1979 ኣብ ዝተኻየደ እስላማዊ ሰውራ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ እዩ።

ኣብ ስደት ዝነብርን ኣብ ደገ ፅልዋ ብፍጣር ንዕላምኡ ክድግፉን ብንጥፈት ክጽዕር ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እውን ናብ እስራኤል በጺሑ ነይሩ።

ኣብ ገለ ኢራናውያን ተፈታውነት እኳ እንተ ረኸበ፡ እዚ ብቕልጡፍ ናብ ሓይሊ ለውጢ ስርዓት ክቕየር ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ግን ንጹር ኣይኰነን።

ብተወሳኺ፡ ሙጃሂዲን-ኢ-ካልክ (MEK) ዝበሃል ንውድቀት እስላማዊት ሪፓብሊክ ዝድግፍ ግን ከኣ ናብ ንግስነት ምምላስ ዝቃወም ኣብ ስደት ዝርከብ ተቓዋሚ ጕጅለ ኣሎ።

ድሕሪ'ቲ ናይ ስርዓት ለውጢ፡ ናብ ዒራቕ ብምኻድ ኣብ መጀመርታ 1980ታት ምስ ሳዳም ሑሴን ኣብ ኲናት ኣንጻር ኢራን ተጸንቢሩ፡ እዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ኢራናውያን ተፈታዊ ዘይክኸውን ገይርዎም እዩ።

እቲ ጕጅለ ንጡፍ ኰይኑ ይቕፅል ኣሎ። ኣብ ኣመሪካ ድማ መሓዙት ኣለዉዎ፡ ገሊኦም ድማ መቕርብ ዶናልድ ትራምፕ እዮም።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ቀዳማይ ስልጣን ትራምፕ፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝፈጠሩዎ ጽልዋ ዝወሓደ ይመስል።

ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት እውን ኣለዉ፣ ካብ ዓለማዊ ደሞክራሲ (ሴኩላር) ክሳብ ባይቶኣዊ ንግስነት ክምስርቱ ዝደልዩ።

ምሉእ ዕምቈት ናይቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምትንታን ግዜኡ ገና ክኸውን ይኽእል'ዩ፡።

እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ኣብ ዝተኻየደ ምልውዋጥ መጥቃዕቲ፡ ኢራናውያን፡ ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ ነቲ ኵነታት ከም ዕድል ከም ዝርእይዎም ዝሕብር ምልክት ኣይተረኽበን።

ናብ ኢራን ንመለስ

እቲ ቀዳማይ ኣማራጺ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ምቕፃል እዩ።

እዚ ድማ እቲ ዝያዳ ዝደልይዎ ኣማራፂ ይመስል።

እዚ መራሕቲ ኢራን ንደገፍቶም ቃል ዝኣተውዎ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ መጥቃዕቲ እንተቐፂሉ፡ ካብ እስራኤል ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከስዕብ ይኽእል'ዩ።

ቴህራን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንመዓስከራት ኣመሪካ፣ ኤምባሲታትን ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ተገዳስነት ዘለዎም ከባብታት ዒላማ ክትገብር ምዃና ኣፈራሪሓ ነይራ።

እዚ ግን ብቐሊሉ ዝረጋገፅ ኣይኰነን፤ ንኣመሪካ ምጥቃዕ ብቐጥታ ናብቲ ፀዋታ ክትኣቱ ምዕዳም እዩ፤

እዚ ድማ ኢራን እትምርፆ ኣይከውንን።

ካብዞም ኣማራፂታት፡ ንኽልቲኡ ወገን ቀሊል ስለዘየለ ሳዕቤናቶም ንምግማት ኣፀጋሚ እዩ።

እቲ ዶሮና ገና ኣብ ኣየር ስለዘሎ፡ እንታይ ለውጢ ከምዘመፅእ ዛጊድ ንፁር ኣይኰነን።