እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዓረብ-እስራኤላውያን ስለምንታይ ይእሰሩ ኣለዉ?
ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ዓረብ ዜጋታት እስራኤል፡ ብዛዕባ እቲ ኲናት ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዘካፈልዎም ትሕዝቶታት ምኽንያት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።
ሓንቲ ካብኣቶም ስምይቲ ደራፊትን ተፅዕኖ ፈጣሪት ዳላል ኣቡ ኣምነህ እያ።
ዳላል፡ ንኽልተ መዓልታት ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምፅንሓ ብረቡዕ ብዋሕስ ተፈቲሓ፤ ክሳዕ ሰኑይ ድማ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ትርከብ።
ንሳ፡ "ዘራጊ ባህሪ" ብዝብል ከም ዝተኸሰሰት ጠበቓኣ ኣቢር ቤከር ሓቢራ። ፖሊስ፡ ጽሑፋታ ኣብ ሰዓብታ ዓመፅ ከለዓዕል ከም ዝኽእል’ዮም ዝገልፁ።
"ብዘይካ ኣምላኽ ካልእ ተዓዋቲ የለን" ዝብል ዓረባዊ ጭርሖን ምስሊ ባንዴራ ፍልስጤምን ዘለዎ ትሕዝቶ ብምክፋላ’ያ ኣቓልቦ ፖሊስ ስሒባ።
ዳላል ብዛዕባ ቅርሲ ፍልስጤም ብዝምልከት ብደርፍታታ ኣብ መላእ ዓረብ ዓለም ትፍለጥ’ያ።
ጠበቓኣ፡ ዳላል ዘካፈለቶ ትሕዝቶ ሃይማኖታዊ ስምዒት ዝገልጽ ከም ዝነበረ ገሊፃ። ሰብመዚ እስራኤል ግን ንፍልስጤማውያን ፃውዒት ዕጥቂ ዘቕርብ’ዩ ክብሉ ተርጒሞሞ።
ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ፖሊስ እስራኤል፡ ነቲ ንጥፍኣት እስራኤል ዝቖመ ዝበሃል ሓማስ ደገፍ ንዝገልጹ ንጥፈታት ማሕበራዊ መራኸቢታት "ዜሮ ተፃዋርነት ፖሊሲ" ክኽተሉ ፀኒሖም’ዮም።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝዘርግሕዎም ትሕዝቶታት ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉ ዓረብ እስራኤላውያን ሓንቲ ድማ ዳላል ኣቡ ኣምነህ እያ።
ብዙሓት ካልኦት ድማ ካብ ስርሖም ተኣጊዶም ወይ ተባሪሮም ኣለዉ።
ኣስታት 20 ሚእታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ዓረብ እስራኤላውያን’ዮም፤ መብዛሕትኦም ድማ ፍልስጤማውያን ዜጋታት እስራኤል ክበሃሉ ይመርጹ።
ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ፖሊስ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝገበርዎ ንጥፈታት ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝመርመረን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወን ይገልጽ። ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ 63 ኣብ ቀይዲ ኣትዮም መርመራ ተገይሩሎም እዩ።
"ፖሊስ እስራኤል፡ ኣንጻር እስራኤል፡ ምልክታት መንግስቲ እታ ሃገር፡ ሰበስልጣን፡ ወተሃደራዊ ኣባላትን ፖሊስን ንዘነቓቕሕ ዝዀነ ሰብ ብጽኑዕን ብዘይ ምሕረት ምላሽ ከም ዝህብ ክፈልጥ ይግባእ" ዝብል ኮሚሽነር ፖሊስ እስራኤል ያኣኮቭ ሻብታይ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ርክብ ተራኺቡ እዩ።
ኣዳላህ ዝተበሃለ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ሕጋዊ ማእከል መሰላት ውሑዳት ዓረብ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝያዳ ማእሰርቲ ምክያዱ ስዒቡ ቁጽሪ ናይቶም ዝተኣስሩ ሰባት ካብቲ ዝተገልጸ ዝዛይድ ምዃኑ ይኣምን።
ገለ ኣይሁድ እስራኤላውያን እውን እቲ ኵነታት ናብ ንቡር ክምለስ ጸዊዖም እዮም።
ዝሓለፈ ሰንበት፡ እስራኤል ፍረይ ዝተበሃለ ፍሉጥ ኣይሁዳዊ ጋዜጠኛ፡ ኣብ ተልኣቪቭ ካብ ዝርከብ ገዝኡ ብፖሊስ ተወሲዱ’ዩ።
ንሱ፡ ኣብ ቃዛ ንዝርከቡ ሲቪላት ክጽልይ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምክፋሉ፡ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ኣብ ኣፍደገ እቲ ህንጻ ተኣኪቦም ናብቲ ዝነብረሉ ኣፓርታማ ሓዊ ደርብዮም ነይሮም።
ብረቡዕ ድማ ኦፈር ካሲፍ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ኣባል ባይቶ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቃዛ ዝተፈፀመ ቦምባታት ብትሪ ድሕሪ ምኹናኑ፡ ን45 መዓልታት ካብ ባይቶ እስራኤል ተኣጊዱ።
ብተወሳኺ "ዕጡቓት ሓይልታት ፖሊስ፡ ኣብ ቃዛ ንዝፍፀም ቅትለታት ኣሰር ርህራሄ ዘርኣየ ሰብ ክኣስሩ እዮም ዝለኣኹ" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ ነይሩ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እቲ እናወሰኸ ዝመፀ ማእሰርቲ፡ ፖሊስ 'ዓመፅ ምልዕዓል' ንዝብል ሓሳብ ሰፊሕ ትርጉም ብምሃቡ’ዩ ክብሉ ሻቕሎቶም ይገልፁ።