እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ተኹሲ-ደው ክብል ጸዊዖም
ኣብ ወሽመጥ ቓዛ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ስዒቡ፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ ተኹሲ-ደው -ምባል ጸዊዖም።
ውድብ ምግቢ ዓለምን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ኩነታት ቓዛ ‘ኣዝዩ መሰከፊ’ ክብሉ ገሊጾም።
እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ መጥቃዕቲ ክቕጽል ምዃኑ ኣብ እተጠንቅቐሉ ዘሎ እዋን፡ ሕቡራት ሃገራት እቲ ግጭት ደው ክብል ይምሕፀን ኣሎ።
እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ድሕሪ ክልተ ሰሙን ንፈለማ እዋን 20 ናይ ረድኤት መካይን ብመሳገሪ ዶብ ግብጺ- ራፋሕ ኣቢለን ናብ ዛቃ ኣትየን ኣለዋ።
ይኹን'ምበር ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ሕጽረት ሓገዝ ብምንቃፍ፡ ምስቲ ኣብ ቓዛ ዘድሊ ጠለብ ክነጻጸር እንከሎ "ሕፍኒ ካብ ውቅያኖስ" ክብሉ ኣናኢሶምዎ።
ቅድሚ እቲ ግጭት፡ ኣስታት 500 ዝኾና ሓገዝ ዝጸዓና መካይን መዓልታዊ ናብ ቓዛ ይኣትዋ ከምዝነበራ ልኡኽ ኣክሽንኤይድ ፍልስጤም ሓቢሩ።
ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝነብሩ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ሰባት፡ ህይወቶም ኣብ ረድኤት ፅግዕተኛ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ብሓማስ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን እስራኤል ብዘይተጸበየቶ ብዝፈፀሞ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ 1400 ሰባት ተቐቲሎም።
ነዚ ስዒቡ፡ እስራኤል ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ቓዛ ለይትን ቀትርን ብነፈርቲ ብምድብዳብ ልዕሊ 4300 ሰባት ከምዝቐተሉ ይንገር።
እስራኤል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣጋር ሰራዊታ ናብቲ ከበባኢ ከተዋፍር ትጽቢት ይግበር።
እስራኤል ኣብ ጋዛ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ መግቢ፣ ወይ ነዳዲ ከምዘይህሉ ብምግላጽ፡ ምድረበዳ ጋዛ ምሉእ ብምሉእ ክዕጾ ኣዚዛ ምህላዋ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ።
ኣስታት 2.3 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ዝነብሩላ ወሽመጥ ቓዛ ን16 ዓመታት ኣብ ከበባ ጸኒሓ’ያ።
ትማሊ ቀዳም፡ ናብ ጋዛ ዝኣተወ ቀረብ ረድኤት፣ መድሃኒት፣ መግቢ፣ ማይን ሳንዱቕ ሬሳን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ነዳዲ ግን ኣይነበረን።
ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ህጻናት፣ ነፍሰጾራትን ኣረጋውያንን ንዝኸፍአ ጸገማት ከም ዝተቓልዑ ጠቒሶም፡ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ወሽመጥ ቓዛ ህጻናት ምዃኖም ኣስሚሮምሉ።
እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ፡ "መላእ ቓዛ ብቕልጡፍን ብዘይ ገደብን ሰብኣዊ ሓገዛት ክረክብ" ከምኡ'ውን ሰራሕተኛታት ረድኤት ንዝተጸገሙ ፍልስጤማውያን ክሕግዙ ክፈቅድ ኣለዎ ኢሎም።
"ኣብ ምድረበዳ ጋዛ ዝርከቡ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ"።