ክልል ኦሮሚያ፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዘውጽኦ ሓድሽ ፀብፃብ እንታይ ይብል?

ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣመልኪቱ ሰፊሕ ፀብፃብ ኣውፂኡ ኣሎ።

እቲ ትካል፡ ሎሚ ሓሙስ 24 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፡ ኣብቲ ክልል ምስ ዕጡቓት ዝካየድ ዘሎ ጐንፂ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ሰፊሕ ሞትን መምዝባልን ከምዝስዓበ ሓበሩ።

እቲ ንባዕሉ፡ 'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ኢሉ ዝፅውዕ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብቲ ክልል ምስ ሰራዊት መንግስቲ ክዋጋእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እዚ ብፍላይ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ቅትለት ሰላማውያን ሰባትን ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ይሳተፍ'ኡዩ ተባሂሉ ይኽሰስ።

ብልሙድ 'ኦነግ' ብዝብል ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ግብረሽበራዊ ጉጅለ ዝተበየነ እዩ።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ፀብፃቡ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ነበርቲ ከም ክንክን ጥዕና ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ንምርካብ ንዝገብርዎ ምንቅስቓስ ሓደገኛ ገይርዎ ከምዘሎ ኣስፊሩ።

"ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ብዙሓት ማሕበረሰባት ብፍላይ ኣብ ርሑቕ [ፐሪፈሪ] ከባቢታት ዝርከቡ ከቢድ ጉድኣት የብፅሕ ኣሎ" ኢሉ።

"ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ሰላማውያን ሰባት ኣዝዮም ይሳቐዩ ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ወይ ካልኦት ድማ ቆሲሎም፤ ካብቲ ክልል ወጻኢ ድማ ውሑድ ሓገዝ እዩ ዝኣቱ ዘሎ"።

"ብዙሓት ኣብቲ ግጭት ዘለዎ ከባቢታት፡ ብኽልቲኡ ወገን፡ ወይ ድማ ብቐጻሊ ዝቕየር ዓውደ ውግእ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ይነብሩ። እዚ ማለት ተደጋጋሚ ግጭት፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ ኣጸጋምን ሓደገኛን ይገብሮ" ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ይጠቅስ።

ዓለምለኻውያን ተዓዘብቲ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብ 2018 ውሑዳት ኣሽሓት ተጋደልቲ ከምዘለውዎ እኳ እንተገመቱ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን እቲ ቁጽሪ ብዓቢኡ ከምዝወሰኸ ይእመን።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ጉጅለ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ርኡይ ሓደጋ ዘስዕብ፡ እኹል ዕጥቅን ውዳበን ከምዘይብሉ ይኣምኑ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ በቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ዞባዊ ኣመሓዳሪ ዝርከብዎም 48 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ጸብጺቡ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ልዕሊ 200 ኣባላት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ ምንባሩ ድማ ዝዝከር እዩ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እውን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ሓያሎ ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከም ዝቐተለ ወይ ከም ዝማረኸ ይገልጽ።

ብኽልቲኡ ወገን ዝቃላሕ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ዝተረጋገፀ ኣይኰነን።

እቲ ንባዕሉ 'ኦነግ' ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ካብቲ ነባር ውድብ 'ግንባር ሓርነት ኦሮሞ' ዝተፈንጨለ ዕጡቕ ጉጅለ እዩ።

በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ ብዙሓት ነበርቲ መንበሪኦምን ንብረቶምን ስኢኖም ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ይግለፅ።

እቲ ጉጅለ ብገበናት ሰብኣዊ መሰላት ዝንቀፍ ኰይኑ፡ እቲ ጉጅለ ብወገኑ፡ መንግስቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣጣይሱ ብስሙ ገበናዊ ተግባራት ከምዝፍፅም ይኸስስ።

እቲ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ምዃኑ ዝበየነ መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ሸነ' ብዝብል'ዩ ዝጽውዖ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻር ዕጡቓት ፋኖ ክዋጋእ ጸኒሑ'ዩ።