እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ-ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን መጥቃዕቲ ዛይዱን ሰዓታት እቶ-እቶ ተኣዊጁን
ፕረዚደንት ደቡብ-ሱዳን ሳልቫ ኬር፡ ኣብ ልዕሊ ብሱዳናውያን ዝውነኑ ትካላትን ኣባይትን ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዜጋታቱ ክሃድኡን ሕጊ ጥሒሶም ኢደ-ወነናዊ ስጕምቲ ከይወስዱን ጸዊዑ።
ኣብ ጁባን ኣወይልን ምስ ሓለፍቲ ጸጥታ ኣብ ዝተኻየደ ጐነጻዊ ምፍጣጥ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሸውዓተ ድማ ከም ዝቘሰሉ ፖሊስ ሓቢሩ።
እቶም ዝተቐትሉ ሰባት ዜግነቶም ገና ኣይተገልጸን ኣሎ።
ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እትርከብ ከተማ ኣወይል ሰለስተ ኣባይቲ ናይ ሱዳናውያን ብሓዊ ከም ዝተቓጸሉ ፖሊስ ይገልጽ።
ነቲ ዝተኸስተ ወጥሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ንምእታው፡ ብዓርቢ ካብ ወጋሕታ ክሳዕ ጸሓይ ዕራርቦ ሰዓታት እቶ-እቶ ከም ዝተኣወጀ'ውን ተገሊጹ።
ኢንስፐክተር ጀነራል ኣብርሃም ማንዩኣት ፒተር፡ "ንብረት ህዝብን ግለ-ሰባትን ንምክልኻል" ካብ ንግሆ ክሳዕ ምሸት ኣብቲ ጐደናታት ምውጻእ ከም ዘይፍቀድ ገሊጹ።
ካልእ ኣባል ፖሊስ ብወገኑ፡ ኣብ ጁባ ን45 ሱዳናውያን ነጋዶ ካብ መዓት ከም ዘድሓኑን ኣብ መደበር ፖሊስ ከለላ ይረኽቡ ከም ዘለዉን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ደቡብ-ሱዳን፡ ነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ዝወሰደ ዕጥቃዊ ቃልሲ እያ ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ተነጺላ ልዑላዊት ሃገር ኰይና።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ከኣ ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ግጭት ብርክት ዝበሉ ሱዳናውያን ኣብ ደቡብ-ሱዳን ኣጽሊሎም ኣለዉ።
ኣብ ምያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ግጭት ምስ ተወልዐ፡ ሱዳን ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘለዋ ሃገር ኰይና።
ፍርቂ ካብ ህዝባ - ብግምት 25 ሚልዮን ዝበጽሕ - ህጹጽ መግብን ረድኤትን ከም ዘድልዮ ውዱብ ሕቡራት ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ግዝኣት ጀዚራ ኣብ እትርከብ ከተማ ወድ መደኒ ዜጋታት ደቡብ-ሱዳን ብወተሃደራት ሱዳን ከም ዝተቐትሉ ዝውንጅል ቪድዮ ተፈንዩ ቀንዩ።
ፕረዚደንት ደቡብ-ሱዳን ሳልቫ ኬር፡ እቲ ኣብ ወድ መደኒ ዘጋጠመ "ኣጸያፍን ዘይቅቡልን" ገበን ክብል ገሊጹዎ።
መንግስቲ ሱዳን፡ ነቶም ኣብኡ ተዓጽዮም ዘለዉ ደቡብ-ሱዳናውያን ክከላኸለሎምን ነቲ ቅትለት ብኣህጉራውያን ሰብኣዊ ትካላት ከመርምሮን ኣተሓሳሲቡ።
ጕጅለ ተጣበቕቲ መሰላት፡ ብሰንኪ ዓሌቶም ብውሕዱ 13 ሰባት (ቈልዑ ዝርከቡዎም) ከም ዝተቐትሉ ኣረጋጊጾም።
ሰራዊት ሱዳን ድማ እቲ ዝተዋህበ ጸብጻብ ክጻረ ትእዛዝ ከም ዘሕለፈ ገሊጹ።
እቶም ጸሊም ዝሕብሮም ሰባት፡ ዓሌትነት ኣብ ሱዳን ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ይወቕሱ።
እቲ ሎሚ ኣብ ከም ብዓል ጀዚራን ዳርፉርን በቶም ብርህ ዝበለ ሕብሪ ዘለዎም ወተሃደራት ኣዕራብ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ነዊሕ ሰረት ዘለዎ እዩ።
ኣብ ሱዳን፡ ብሃንደበት ወተሃደራዊ ከበባ ገይርካ ሰባት ብምግፋፍ ግልያታትካ ምግባር፡ እቲ ውግእ ሓድሕድ ኣብ 2005 ክሳዕ ዘብቅዕ ከም ዝቐጸለ እዩ ዝግለጽ።
እዚ ድማ እቶም ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ደቡብ-ሱዳናውያን ካብ'ቶም ዓረብኛ ዝዛረቡ ሱዳናውያን ኣብ 2011 ክፍለዩ ሓደ ካብ ቀንዲ ምኽንያታት ነይሩ።
ነቲ ኣብቲ ቪድዮታት ዝተራእየ ፍጻመታት፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ደቡብ-ሱዳናውያን ኰኒኖሞ እዮም።
በቲ ኣብቲ ቪድዮታት ዝረኣዩዎ ዝተቘጥዑን ሕነ ክፈድዩ ዝደልእዩን ኣማኢት መንእሰያት ድማ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ጁባን ካልእ ከባቢታትን ኣብ ልዕሊ ብሱዳናውያን ዝውነን ትካላት ንግዲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም።
ኣባላት ጸጥታ ንሓለዋ ኰለላ ኣብ ዝገብርሉ ዝነበሩ እዋን፡ ምሉእ ለይቲ ተዅሲ ክስማዕ ሓዲሩ።
ዝበዝሑ ኣብ ዕስራታት ዝርከቡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ መንእሰያት፡ ኣብ ጎደና ታምቡራ ብፖሊስ ክጕየዩ ከም ዝተዓዘበ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ጁባ ዝዓመረ ዕዳጋ ኣብ ዕለተ ዓርቢ እዩ ዝካየድ። እቲ ናይታ ሃገር ዝዓበየ ዕዳጋ ዝዀነ ኮንዮ ኮንዮ ሓዊሱ ኵሉ ድኳናትን ትካላት ንግዲን ተዓጽዩ ውዒሉ። ኣብያተ መግብን ቍርስን'ውን ተዓጽየን።
ኣብ ጁባ ኣብተን ብዓርቢ ዝተኸፍታ ሒደት ኣብያተ ሕብስቲ፡ ዋጋ ባኒ ክሳብ 17% ወሲኹ።
ፖሊስ ነቶም ካብ ገዛውቲ ናብ ገዛውቲ ናይ ሱዳናውያን ዝዛውኑ ዘለዉ መንእሰያት ይሃድኖም ኣሎ።
ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ከባቢ ኣታላባራ ሲን ካልኦትን ንህዝቢ ሱዳንን ኣብያተ ንግዶምን ንምክልኻል ከም ዝተዋፈሩ ቢቢሲ ክግንዘብ ክኢሉ ኣሎ።
ሓንቲ ናይ ፖሊስ መኪና መንእሰያት ገፊፋ ክትወስድ ርኢና።
ኣብታ ብዕብየታ ካልኣይቲ ዝዀነት ከተማ ዋው፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዝተቘጥዑ መንእሰያት፡ ናብቲ ብኣብዝሓ ብሱዳናውያን ዝውነን ኣብ ሱክ ጃው ዝርከብ ዕዳጋ ብምዃድ፡ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ብተለፎን ሓቢሮም።
ንሓያሎ ድዃናት ክራስዩ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ፖሊስ ግን ንምብታኖም ጠያይቲ ንላዕሊ ተኲሱ።
ኣብ ካልእ ቦታታት'ውን፡ ኣብታ መበቈል ዓዱ ንፕረዚደንት ሳልቫኬር ዝዀነት ግዝኣት ዋራፕ እትርከብ ከተማ ቶንጅ ቅጽበታዊ ሰልፍታት ከም ዝተላዕለ ተገሊጹ።
ቢቢሲ ነቲ ካብ ጁባ ወጻኢ ዘጋጠመ መጥቃዕትን ራስያን ዝገልጽ ሓበሬታታት ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።