ኢትዮጵያ፡ 'ኣንጸላልዩ ዘሎ' ሓደጋ ጥሜት እንታይ ይመስል?

እኽሊ ረዲአት ዝተሰከመ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኢትዮጵያ ካብተን ኣብ ዓለም ብተደጋጋሚ ንጥሜት ዝተቓለዓ ሃገራት ሓንቲ እያ።

እቲ ናይ 1977 ድርቂ ዘስዐቦ ዓፀቦ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ደጋጊሙ ዝኽሰት ድርቂ፡ ህይወት ሚልዮናት ከምዘስኣነ ይፍለጥ።

ብፍላይ ቅድሚ ክልተን ሰለስተን ዓመታት ኣብ ትግራይ ምስ ኲናትን ግጭትን ተኣሳሲሩ፣ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ድማ ምስ ክሊማ [ድርቂ] ተኣሳሲሩ ዝተርአየ ናይ ቀረባ እዋን ሕማቕ ተዘክሮ እዩ።

ሕጂ'ውን፡ ኣብታ ሃገር ተመሳሳሊ ስግኣት ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስግኣቱ ይገልፅ ኣሎ።

እንተዀነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ስግኣት ይዅን ብዛዕባ እዚ ዝስማዕ ዘሎ ስክፍታታት ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ሓላፊ ትካል ረድኤት መግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ተሪር መጠንቀቕታ፡ ኣብታ ሃገር ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት፡ "ንሓደጋ ጥሜት ክቃልዑ ኣብ ጫፍ ይርከቡ" ክብል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ዝላታን ሚሊሺች ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ምወላ፡ መደብ ውድብ መግቢ ዓለም (WFP ) ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሕጽረት መግቢ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን "ሕክምና ደው ከብል ይግደድ ከምዘሎ" ኣብ ዝገለጸሉ እዋን'ዩ።

ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ተወሳኺ ገንዘብ እንተዘይተረኺቡ፡ ድሕሪ ደጊም ሓገዝ መግቢ ክስእኑ ዝኽእሉ 3.6 ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ምዃኖም ውድብ መግቢ ዓለም ኣጠንቂቑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ 2022 ዘብቀዐ ኣብ ክልል ትግራይ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ'ውን ሳዕቤኑ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ኣሎ።

ኣብተን ክልተ ብብዝሒ ህዝበን ዝፍለጣ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን እውን፡ ብሰንኪ ዝቕፅል ዘሎ ግጭት፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ ተገዲዶም ይርከቡ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝረአ ዘሎ ግጭታት ዋሕዚ ስደተኛታት ኣስዒቡ ኣሎ።

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ድርቂ እውን ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።

ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኣብታ 130 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር "ጥሜትን ሕጽረት መግቢን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ" ኣብ ዝብል መግለጺኡ፡ ካብ ግንቦት ጀሚሩ 650 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን "መሕደሪ ህይወት" ዝበሎ ሓገዝ ከምዘይረኽባ ገሊጹ።

ሚስተር ሚሊሺች ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሩ፡ ብዘይ ተወሳኺ ምወላ "ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ነቶም እንድግፎም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ስድራቤታት ዝዀነ ሓገዝ መግቢ ከነብጽሕ ኣይንኽእልን ኢና" ኢሉ።

ውድብ መግቢ ዓለም "ዋላ'ኳ ብዙሓት መንግስታትን ውልቀ ለገስቲን እንተሃለዉ"፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሚያዝያ ክሳብ መስከረም ንዝህሉ ግዜ ናይ 222 ሚልዮን ዶላር (166 ሚልዮን ፓውንድ) ሕጽረት ከምዘጋጥሞ እዩ ዝገልፅ።

ውድብ መግቢ ዓለም፡ በቲ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ መደብ ረድኤት ዝገበሮ ምቍራጽ፡ ዛጊድ ከምዘይተተንከፈ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ኳ እንተሓበረ፡ "ካብ ለገስቲ እኹል ምወላ ኣይረኸብናን" ኢሉ።

ሰብኣዊ ስርሒታት እቲ ውደብ፡ ኣብ ርእሲ ፋይናንሳዊ ጸገማት፡ ብሰንኪ ኣብ ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ከምዝተዓናቐፈን፡ "ኣብቲ ዞባ ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ጽጉማት ሰባት" ክሕግዙ ከምዘይከኣሉ ገሊጹ።

"ከም ጭውያ መካይን፡ ምፍርራሕን ስርቅን ዝኣመሰሉ ገበናዊ ተግባራት እናወሰኹ ይኸዱ ኣለዉ፣ ንድሕነት ሰራሕተኛታት ድማ ከቢድ ሓደጋታት የስዕቡን ኣብ ኣወሃህባ ሓገዝ ምድሓን ህይወት ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድሩን ኣለዉ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣስታት 130 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ኢትዮጵያ፡ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታት'ውን ክትቅበል ጸኒሓ'ያ።

ዝበዝሕ ግዜ መንግስታት ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ዓለምለኸ ኣብ ደረጃ ሓደጋ ጥሜት ይዅን ኣብ ብዝሒ ነቲ ሓደጋ ዝተቓልዐ ህዝቢ ኣይስማምዑን።

መንግስታት፡ ነቲ ሓደጋ 'ዓጸቦ' [famine] ተባሂሉ ከይስየም ብትሪ ዝቃወሙ ዀይኖም፡ ብትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ክልኦት ዓለማዊ ትካላት ዝቐርቡ ጸብጻባትን ዝተጋነኑን ሓቅነት ዘይብሎምን ክብሉ ክከላኸሉ ይስምዑ።